ኤርትራ ኣብ እተአንግዶ ውድድር ፍርቂ ማራቶን፣ ሓሙሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝሳተፋ ኣረጋጊጸን ኣለዋ

From: Dimtzi Eritrawian Kab German <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 5 Feb 2015 03:01:46 +0100

ኤርትራ ኣብ እተአንግዶ ውድድር ፍርቂ ማራቶን፣ ሓሙሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝሳተፋ ኣረጋጊጸን ኣለዋ

ሓዳስ ኤርትራ 4 ለካቲት 2015

 [image: Inline-Bild 1]

ኤርትራ ብምኽንያት ጽንበል ዝኽሪ ብሩራዊ እዮቤልዩ ስርሒት ፈንቅል ኣብ እተአንግዶን ብ7 ለካቲት ኣብ ወደባዊት ከተማ
ባጽዕ ዝካየድን ውድድር ፍርቂ ማራቶን ከምዝሳተፋ፡ ሓሙሽተ ሃገራት ድሮ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

ብመሰረት ካብ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ ውድድር ፍርቂ
ማራቶን፡ ካብ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ርዋንዳ፡ ሱዳንንን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝመጹ ኣትለታት ክሳተፉ’ዮም።

ብወገን ኤርትራ ድማ፡ ብኦሎምፒካዊ ኣትለትን በዓል ክብረ- ወሰን ፍርቂ ማራቶንን ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ዝተመርሐት
ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራን ዞባውያን ጋንታታትን ክሳተፋ ምዃነን ዝሓበረ እቲ ፈደረሽን፣ ነቲ ውድድር ዘድሊ ትሕተ-ቅርጺን
መሳለጥያታትን ከምእተዋደደ ኣብሪሁ።

እቲ ብደረጃ ዓለም ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ተመዝጊቡ ዘሎ ብኤርትራ ዝውነን ክብረ-ወሰን፡ ንምዕቃብን ኣንጸባራቒ ዓወት
ንምሕፋስን ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ ግቡእ ልምምድ ኣብ ምክያድ ከምእትርከብን ኣብ ጽቡቕ ቅሙና ምህላዋን
ኣሰልጣኒ ዳዊት መብራህቱ ንኤሪና ብተሌፎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ’ሎ።

ውድድር ፍርቂ ማራቶን ዓመታዊ ኣብ ውድድራት ኤርትራ ተሰሪዑ፡ ኣብ ቅንያት ጽንብል ስርሒት ፈንቅል ክካየድ ምዃኑ
ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

http://www.shabait.com/haddas-ertra


image.png
(image/png attachment: image.png)

Received on Wed Feb 04 2015 - 21:01:47 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved