Tigrigna.Voanews.com: ቪኦኤ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሻምፒዮን ማራቶን በይጂንግ ግርማይ ገብረስላሰ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 30 Aug 2015 11:42:48 +0200

ቪኦኤ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሻምፒዮን ማራቶን በይጂንግ ግርማይ ገብረስላሰ

ኣብ`ዚ ጠዊቕኩም ነቲ ቃለ-መሕትት ግርማይ ገብረስላሴ ስምዕዎ።
http://tigrigna.voanews.com/audio/2932054.html

ገንዘቤ ዲባባ ኣብ ናይ 1500 ሜትሮ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ንኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ወርቂ ኣመዝጊባ

Beijing Marathon Champion Girmay Ghebreslasse
 
Beijing Marathon Champion Girmay Ghebreslasse

ሻምፒዮን ማራቶን በይጂንግ ኤርትራዊ ግርማይ ገብረስላሰ ነቲ ውድድሩ ቅድሚ ምፍጻሙ`ዩ ግዜ ወሲዱ ባንዴራ ክቕበል መሪጹ።

ግርማይ ገብረስላሰ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ውድድረይ ቅድሚ ምፍጻመይ ባንዴራ ሒዘ ክኣቱ ዝመረጽኩሉ ኣብ ታሪኽ ክምዝገበለይ ስለ-ዝደለኹ`የ ኢሉ።

ግርማይ ኣቐዲሙ ሓንቲ ባንዴራ ኤርትራ ዝተለጠፋ ናይ ማይ ጎማ ስዒሙ`ውን ከምዘፋነዋ ይፍለጥ። እዚ`ውን ብምኽምያት `ዩ ይብል።

ቃለ-መጠይቕ ምስ ሻምፒዮን ማራቶን በይጂንግ ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

እዚ ከምዚ እንከሎ ውድድራት ስፖርት በይጂንግ ቀጺሉ`ሎ። ሎሚ ካብ ዝተኻየዱ ውድድራት፡ ገንዘቤ ዲባባ ኣብ ናይ 1500 ሜትሮ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ንኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ወርቂ ኣምጺኣ`ላ፡ ። ገንዘቤ ዲባባ፡ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ዝትኻየደ ናይ 1500 ሪኮርድ ሒዛ ዘላ ኣትሌት`ያ፡  ሓፍቲ 3ተ ግዜ ሻምፒዮን ኦሎምፒክ ጥሩነሽ ዲባባ፡ ቀረባ ዘመድ ደራርቱ ቱሉ።

China Athletics WorldsChina Athletics Worlds

ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 5ተ ሺሕ ውድድር ጉያ፡ 4ተ ኢትዮጵያውያንን 2ተ ኤርትራውያንን ተሳቲፎም`ዮም ከምኡ`ውን ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ማራቶን ደቀንስትዮ፡ 4ተ ኢትዮጵያውያንን ሓንቲ ኤርትራዊትን ክሳተፋ`የን።

Received on Sun Aug 30 2015 - 05:42:48 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved