ኤርትራ ንገበነኛታት ብዘይትምችእ ፤ ሓድሽ ገበናዊ ሕጊ ሃገረ ኤርትራ፤ ፍትሒ ዘረጋግጽ፣ሓላፍዘላፍን፣ሌላን ጉለላን ብዘወግድ ኣገባብ ተዳሊሎ ”ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን”..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 28 Aug 2015 17:06:06 +0100

1. ኣየናይ ዕላማ ወይ ፖሊሲ ናይ መቕጻዕቲ ከምንወስድ ከምዝንጸር ተገይሩ ኣሎ ሓድሽ ገበናዊ ሕጊ ሃገረ ኤርትራ፡
ፍትሒዘረጋግጽ፣ሓላፍዘላፍን፣ሌላን ጉለላን ዘወግድ ኣብ ዊንታን ኣረኣእያ ናይ ሰባት ዘይሙርከስ ርግኣት ዘለዎ ስርዓተ
መቅጻዕቲ ክሰፍን ክሕግዝ’ዩ እቲ ትጽቢት። ኣብ መንጎ ተመሳሳሊ ገበን ዝፈጸሙን ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታን ባህርን ዘለዎም
ገበነኛታትን ክወሃብ ዝጸንሐ ሓላፍ ዘላፍ ንምእራም ‘just Dessert’ ዝብል ፖሊሲ ናይ መቕጻዕቲ ከም ቅቡልን
ሌላንጉለላን ንምውጋድን ኣብ መንጎ ዓይነት ገበናትን ገበነኛታትን ከከም ደረጃ ክብደቶምን ምምስሳሎምን መቕጻዕቲ
ከምዝስርዓሎም ንምግባር፡ እንተወሓደ እንተወሓደ ኣብ ልዕሊ ተመሳሳሊ ገበን ዝፈጸሙን ተመሳስሊ ገበነኛታትን ተመሳሳሊ
መቕጻዕቲ ብምሃብ፡ ፍትሒ ምርግጋጽን ንገበነኛታት ከከም ደረጃ ክብደቶም ንምቕጽዖምን ግዝኣተ ሕጊ ንምስፋን እዩ።

2. ንመቕጻዕቲ ዝተዋህበ ጋግ ከም ዝጸብብ ተገይሩ ኣሎ ድሕሪ ሕጂእቲዝወሃብ መቕጻዕቲ ብደረጃ ፍልጠት፣ ዓቕሚ ወይውን
ኣረኣእያ ናይ ደያኑ ኣይኽኸውንን እዩ። ዝበዝሕ ኣብ ሕጊ ክምርኮስ ዝወሓደ ድማ ኣብ ሕልና ዳኛ ዝግደፍ ኮይኑ ተሳኢሉ
ኣሎ። ብሕጊ ኣቢልካ ጥራይ ናይ ሓባር መረዳእታ ከምዝመጽእ ክግበር ተጻዒሩሊ ኣሎ። ተራ ዳኛ (በቲ ዝወጽእ ናይ መርትዖ
ሕጊ ተሞርኪሱ) መርትዖታት መዚኑ ገበነኛ ድዩ ኣይኮነን ኢሉ ምውሳን ኢዩ። ንመቅጻዕቲ ዝምልከት ግና ህዝቢ በቲ ዘውጽኦ
ሕጊ ኣቢሉ ዝውስኖ ጉዳይ ኢዩ።

3. ብሩህን ንጹርን ንምርድኡ ቀሊልን’ዩ ዝኾነ ይኹን ሕጊ ኣገልግሎቱ ንህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ብቐሊል መገዲ ተጻሒፉ ህዝቢ
ብዘይ ብዙሕ ሓገዝ ናይ ክኢላታት ንመሰረታዊ ኣምራቱ ክርድኦ ይግባእ። ትሕዝቶ ናይ ነፍሲ
ወከፍገበንንንእኡዝወሃብመቕጻዕትን ብንጹር ተጻሒፉ ህዝቢ ብቐሊል ከም ዝፈልጦን ኣብ ተግባር ኣብ ዝውዕለሉ ግዜ ድማ ከም
ቃሉን መንፈሱን ጥራይ ከም ዝትግበር ንኽኸውንን ዘድሊ ጻዕሪ ተኻዪዱሉ’ዩ። እምበኣር፣ እዚ ሓድሽ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ
ነቶም ተመሳሳሊ ደረጃ ክብደት ኣለዎም ዝበሃሉ ገበናት ብሓደ ጠርኒፉ፡ ንእኦም ዝግባእ መቕጻዕቲ ኣስፊሩ ስለ ዘሎ፡ ዝኾነ
ሰብ ብቐሊሉ ክርድኦ ይኽእል እዩ። ህዝቢ ብሓፈሻ፣ ገበን ክፍጽሙ ዝኽእሉ ሰባት ከኣ ብፍላይ፣ ሓደ ገበን ገና ኣብ
ኣብያተ ፍርዲ ከይበጽሐ ኸሎ እቲ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ኣቐዲሞም ብቐሊል ክፈልጥዎ ስለ ዝኾኑ፡ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ገበን
ኣብ ምጕዳል ዓብዪ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ። ስርዓተ ገበን ኤርትራ ኸኣ ሓይሉ ዝያዳ ገበን ኣብ ምክልኻል እምበር ገበን
መምስ ተፈጸመ ኣብ ምቕጻዕ ኣይክኸውንን እዩ። ጕዳያት ናብ ኣብያተ ፍርዲ ምስ ዝቐርቡ ኸኣ፡ ነቲ ገበናዊ ሕጊ ኣብ
ምትርጓምን ንገበናት ዝግባእ መቕጻዕቲ ኣብ ምፍላጥን እተራቐቐ ናይ ሕጊ ኣፍልጦ ከም ዘየድልዮ ኾይኑ ተዳልዩ ኣሎ።
እምበኣር ገበነኛታት ዝፍረዱ በቲ ብንጹር ተጻሒፉ ዘሎ ሕጊ ክኸውን ኢዩ...
*ሙሉእ **ን**ባብ አብዚ ጠውቁ **https://adalvoice.wordpress.com/
<https://adalvoice.wordpress.com/>*




jpg12.png
(image/png attachment: jpg12.png)

Received on Fri Aug 28 2015 - 12:06:07 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved