ጋዜጣዊ መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ፈንቅል ለንደን ዓ/ብሪጣኒያ "ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን"..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 27 Aug 2015 13:25:39 +0100

ኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደን፡ ኣብ ትሕቲ ፈንቅል ዝብል ጭርሖ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጀነቫ ብዕለት 22 ሰነ 2015
ዝተኻየደ፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘሳተፈ መጠነ ሰፊሕን ዕዉትን ሰላማዊ ሰልፊ ኮይኑ፡ ብዕለት 26 ሰነ
ብውሑዳት ብጾት ኣብ ለንደን ጀሚሩ ስጋብ ዕለት 23.08.2015፡ ለይቲ ኮነ መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት
ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዴቪድ ካመሮን፡ ን58 መዓልታት ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝሰራዕናዮም ዕላማታት ኩሎም ብዓወት
ወቒዕና፡ መኸተና ብኻልእ ኣገባብ ወይ መልክዕ ክንቅጽሎ ኣብ ናይ ሎሚ ኣኼባና ስለዝተወሰነ፡ ብወግዒ ሃገራዊ መዝሙርና
ዘሚርና፡ ብዝክረ ሰማእታት ዛዚምና፡ ባንዴራናን ኩሉ ጭርሖታትና ብኽብሪ ኣውሪድና ደምዲምናዮ ከምዘሎና፡ ንኹሉ ኣብ
ብሪጣንያን፡ ሃገርና ኤርትራን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነብር ህዝብናን ክንሕብር ንፈቱ፡፡

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ቀለልቲ ዘይኮኑ ብድሆታት፡ ብሳላ ዋዕሮታት ደቀንስትዮናን፡ ዉፉያት ደቂ ተባዕትዮ ብጾትናን፡ ብሱል
ኣተሓሕዛ ኣምባሳደርን፡ ብሰፊሕን ቐጻሊን ሸፈነን ኣቃላሕነትን ሚድያን፡ ከም ድምጺ ኣዳል፡ ተስፋ ኒውስ፡ ማእዶት፡
ደሃይ፡ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኤርትራ ፕሮፋይልን ብዓቢኡ ድማ ቲቪ ኤረን፡ ስለ ዝተሰግረ፡ ምስጋናና ንኹሎም ይብጽሓዮም።
ብተወሳኺ ድማ ብመንገዲ ፌስ ቡክን ትዊተርን ካብ ምሉእ ወገናት ዓለም ብቐጻሊ እንረኸቦም ዝነበርና ናይ መተባብዒ
መልእኽትታት’ውን፡ ኣብ ዓወትና ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎ እዩ፡፡

ኣብ ባይታ ዝተጨበጡ ዓወታት ብዙሓት’ዮም። ብቐዳምነት ኣብ ናይ 2 ወርሒ ዝኸውን ግዜ ብዙሓት ብመዓስከርና ዝሓልፉ
ዝነበሩ ተራ ህዝብን፡ ኣባላት ፓርላማን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብሪጣንያን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካብ
ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ቱሪስትን፡ እቲ ሓቀኛ መልክዕ ኤርትራ ኣብ ምንጽብራቕ ዓቢ ተራ ተጻዊትና ክበሃል ይከኣል።

ብዓቢኡ ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዴቪድ ካሜሮን ወግሐ ጸብሐ ብቦታና ክሓልፍ ከሎ፡ ባንዴራታትና ጭርሖታትናን ክሪኢ እንከሎ፡
ጉዳይና ከይርስዖ ምዝኽኻር ጥራይ ዘይኮነ፡ እሾኽ ኮይና ናይ ሕልና ቅሳነት ከምዘይረክብ ጌርናዮ ወሪሕና። ናብ ቤት
ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ናብ ናይ ወጻእን ኮሞን ዌልዝን ወይ ብFCO, ማለት Foreign and Commonwealth
Office ዝፍለጥ ቤት ጽሕፈትን ዘረከብናዮም 3 ጠለባትና ዝሓዛ ደብዳበታትን ብ 2,000 ህዝቢ ዝተፈረመ
እማመታትናን’ውን፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸ መልክዕ፡ መልስታት ብጽሑፍ ረኺብና ኢና።

ምስ ብዙሓት ኣባላት ሰልፍታት፡ ብፍላይ ምስ ስኮትላንዳዊ ሃገራዊ ሰልፊ ወይ Scottish National Party
(SNP)ን ምስ ናይ ሰሜን ኣየርላንድ Democratic Unionist Partyን ሓድሽ ርክብ ፈጢርና ኣሎና።

ከምኡ’ውን ምስ TVC Television Africa, Lagos Nigeriaን ምስ ስዊዘርላንዳዊት መደበር ሬድዮን
ቴለቪዥንን። ስለዚ መደብና፡ ነቶም ኣለዉ ዝብሃሉ መራሕቲ ወይ ሰበልጣን ናይዛ እንነብረላ ሃገር፡ እናረኸብና፡ ኣብ ልዕሊ
ሃገርናን ህዝብናን ዝወርዱ ዘሎዉ ግፍዕታት፡ ንምቅላዕን ምምካትን፡ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ከምዘሎና ስለዝተገንዘብና ፡
ብጥሙር መንገዲ ኽንሰርሕ ተዓጢቕና ኣሎና።

ነዚ ኣብ ክልተ ወርሒ ኣመዝጊብናዮ ዘሎና ውሱን ግን ዘይንዓቕ ዓወት፡ መአንታን ከነኻዕብቶ ግን፡ ካብ ሎሚ ዕለት
ንንየው፡ ኣብ ናይ ሎቢ ስራሕ ከነትኩር ወሲንና ከም መደብ ዕማም መኸተ ፈንቅል ሰሪዕናዮ ኣሎና። እዚ ንምግባር ግን
ሓያልን ዉፉይን ንጡፍን፡ ንሃገራዊ ሓድነት ዝሰርሕን፡ ልኡላውነትን ድሕነትን ሃገር ዝከላኸልን ዝጣበቕን፡ ኣውራ ኸኣ
ንመንእሰያት ዘሳትፍ፡ ሓያል ማሕበረኮም ኣብ ምምስራት፡ ምስ ኤምባሲና ኢሂን ሚሂን እናተበሃሃልና ክንሰርሕ ተሰማሚዕና
ኣሎና። ኣብ ዝመጽእ ሓጺር እዋን ከኣ ንጹርን ተጨባጥን ዝኾነን፡ ክትግበር ዝካኣል ውሱን መደብ ኣውጺእና፡ ተጀሚሩ ዘሎ
ስራሕ ክንቅጽሎ ኢና።

ጎኒ ጎኒ እዚ ኸኣ ቀጻሊን ሰፊሕን ከም ኣብ ናይ ዕለት 03.07.2015ን 07.08.2015ን ዘካየድናዮም ክልተ፡
እንትኾነ ካብ ሕጂ ንንየው፡ ብሰፊሑ እንተላይ ኣብ ካልእ ከተማታት ዓዲ እንሊዝ ዝነብሩ ህዝብና ዘሳትፉ ናይ ህዝቢ
ሰላማዊ ሰልፊታት፡ ከነካይድ ኢና።

ሳልሰይቲ ሰላማዊት ሰልፍና እምበኣር ቅድሚ ሕጂ ብዘቃላሕናዮ መሰረት፡ ንዕለት 04.09.2015 ኣብ ዳውኒንግ ስትሪት
ክካየድ እዩ። ብድሕሪኡ ግን ኣብ ሰሰለስተ ድዩ ኣብ ኣረርባዕተ ወርሒ ክኸውን፡ ኣብ መጻኢ ኣኼባና ተመያይጥ ብእንውስኖ
መሰረት ኽካየድ’ዩ።

ንመኸተ ህዝቢ ዘሰንፍ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ስጋብ ሕጂ ኣይተራእየን፡ ኣይክረአን‘ውን እዩ !!! ዓወት ንሓፋሽ !!!
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ፈንቅል ላንደን 26.08.2015





27135658zz8G7YRJ.gif
(image/gif attachment: 27135658zz8G7YRJ.gif)

Received on Thu Aug 27 2015 - 08:25:40 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved