ኤርትራውያን ነበርቲ ለንደን፡ንክብሪ ሰማእታት ኣብ ከባቢ ቤት- ጊዮርጊስ ኣስመራ ፈልሲ ተኺሎም "ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን"..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 26 Aug 2015 15:43:26 +0100

ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ሃገሮም ከሕልፉ ካብ ለንደን - ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽኡ ልዕሊ 100 ኤርትራውያን፡ ምስ ጨንፈር
ሚ/ሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ ኣስመራ ብምትሕብባር፡ ንዝኽርን ክብርን ሰማእታት ኤርትራ ዝተፈላለየ ኤርትራውያን ነበርቲ
ለንደን፡ ኣብ ከባቢ ቤት- ጊዮርጊስ ፈልሲ ተኺሎም ፈልስታት ኣብ ከባቢ ቤት-ጊዮርጊስ - ኣስመራ ተኺሎም። ሓላፊ ጨንፈር
ሕርሻ ንኡስ ዞባ ኣስመራ ኣቶ ሚኪኤል ኣብርሃ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ኤርትራውያን እቲ ናይ ምትካል መስርሕ
ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ጉዕዞ ሓርነት ኤርትራ ፍሉይ ቅያ ዘለዎ ቦታ ምክያዶም፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ ስውኣቶም ዘለዎም ረዚን
ክብሪ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ንዘሰላሰልዎ ዕማም ኣመስጊኑ።

ቀንዲ ዕላማኦም ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ክብሪ ዝህብ ዕላማ ንምውዓል ምዃኑ ዝገለጸት፡ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይ’ቲ መደብ
ወይዘሮ ሳባ ሞሳዝጊ፡ እቲ ዘካየድዎ ማእቶታዊ ስራሕ መቐጸልታ ናይቲ ሓላፍነት ተሰኪሞም ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር
ዘካይድዎ ንጥፈታት ምዃኑ ብምብራህ፡ ብስድራ-ቤትን ኮምን ተጠርኒፎም ከምዝወፈሩ ኣነጺራ፡ ካብ ተሳተፍቲ ወለዲ ብግደኦም፡
እቲ ስራሕ ደቆም ክብርታት ሕብረተሰቦም ወሪሶም ኣሰር’ቶም ቅያ ዝፍጽሙ ጀጋኑ ንክኽተሉ’ውን ልዑል ተራ ከምዘለዎ
ጠቒሶም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሃገር ዝሰላሰል ዘሎ ገዚፍ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ከምዘሐጉሶም ገሊጾም።
ወለዶም ካብ ሃገሮምን ህዝቦምን ንከይርሕቁ ቀጻሊን ዝተወሃሃደን ጻዕርታት ከምዘካይድሎምን እቲ ተበግሶ ድማ ኣካል ናቱ
ምዃኑን ዝሓበሩ ኣብቲ ስራሕ ዝተሳተፉ መንእሰያት ብወገኖም፡ “ብሕጂ’ውን ሃገርና ካባና እትሓቶ ዘበለ ንኽንፍጽም ድልዋት
ኢና” ኢሎም።

ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/





Wv8dJUUtqeCM.jpg
(image/jpeg attachment: Wv8dJUUtqeCM.jpg)

Received on Wed Aug 26 2015 - 10:43:27 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved