ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኪቐርብ ዝጸንሐ ጸብጻባት መንቀሊ ዘይብሉ ጸለመ’ዩ “ዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽን ሞያዊ ማሕበር ዞባ ኣፍሪቃ” ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 26 Aug 2015 15:08:18 +0100

ብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ዑደት ከካይድ ዝጸንሐ ልኡኽ ጉጅለ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽን ሞያዊ ማሕበራት፡ ኣብ ዑደቱ ሓቀኛ ምስሊ
ኤርትራን ንጥፈታት ሃኮሰኤን ከምእተዓዘበ ኣነጺሩ። ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽን ሞያዊ ማሕበራት ሚስተር
ቺበበ ዌሊንግቶን ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንብድሆታት ሞያዊ ማሕበር፡ ኣብ ልዕሊ ሃኮሰኤ ዝቐረበ ክሲ ግዱድ ዕዮን፡
ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መዓልቦኡ ንምብጻሕ ክግበር ዝግበኦ ጻዕርታትን ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን
መንግስትን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ኣብሪሁ። ተራ ሃኮሰኤ ኣብ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽን
ሞያዊ ማሕበራት ንጡፍን ሓያልን ምዃኑ ዝገለጸ ሚስተር ዌሊንግቶን፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት ንዝነበረ ግጉይ
መረዳእታ ዝመንቀሊኡ ጸገማት ኣብ ምፍታሕን ሓባራዊ መረዳእታ ኣብ ምዕባይን ሓጋዚ ምንባሩ ብምንጻር፡ ንትግባረ ናይ
መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝጽዕር ኣረጋጊጹ። ዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽን ሞያዊ
ማሕበር ዞባ ኣፍሪቃ ሚስተር ኣዱ ኣማንክዋህ ብወገኑ፡ በብእዋኑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኪቐርብ ዝጸንሐ ጸብጻባት መንቀሊ
ዘይብሉ ጸለመ ምዃኑ ክርዳእ ከምዝኸኣለ ብምሕባር፡ ነዚ ንምእራም ከምዝሰርሕ ገሊጹ።
ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/




fu0FPgz57IZL.jpg
(image/jpeg attachment: fu0FPgz57IZL.jpg)

Received on Wed Aug 26 2015 - 10:08:18 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved