ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዘካየዶ ሓያል ጻዕሪ፡ ድሮ 41 ናይ ፈደራል ደያኑ ስፖርት ኣፍርዩ ኣሎ “ብ/ጀነራል ተኽለሚካኤል ሃብቱ” ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 26 Aug 2015 15:06:12 +0100

ፖርት ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኽ ዘለዎ ንጥፈት እዩ። ንሎሚ ግን ካብኡ ናብኡ፡ ንጥፈታት ስፖርት
ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እንታይ ከምዝመስል ኢና ክንርኢ።

ነዚ ብዝምልከት፡ ሓላፊ መኰነን ጐስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ ምክልኻል ብርጋደር ጀነራል ተኽለሚካኤል ሃብቱ (ሲንስ)
ንዝሃበና ሓበሬታ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣዳሊናዮ ኣለና። ንብርጋዴር ጀነራል ተኽለሚካኤል እናመስገንና እቲ ጽሑፍ ናባኹም
ነብሎ፦ *** ንጥፈታት ስፖርት ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ኣብ ሰራዊት ፍቱው ንጥፈት እዩ።

ድሕሪ ናጽነት’ውን፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት ብኹሉ ዓይነት ጸወታታት ከምዝቕጽል እዩ ተገይሩ። ኣብዚ ናይ ናጽነት እዋን፡
ፈለማ ንጥፈታት ስፖርት ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ብደረጃ ሓይሊ ምድሪ እዩ ዝምእከል ነይሩ።

ድሒሩ ኣብ ዝተገብረ ኣወዳድባ ግን፡ ኣብ 1997 ኣብ ትሕቲ መኰነን ጐስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ ምክልኻል ከምዝመሓደር
ተገይሩ። እዚ ኣሃዱ’ዚ ዝያዳ ብንጥፈት ክሰርሓሉ ዝጀመረ ግን፡ ካብ 2001 ንደሓር እዩ። ጐስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ
ምክልኻል፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመት ስሩዕ መደባት ንጥፈታት ስፖርት ክጅምር ከሎ፡ ኣርባዕተ ዓይነት ጸወታታት – ኩዕሶ
እግሪ፡ ኩዕሶ መርበብ፡ ኩዕሶ ሰኪዔትን ኣትለቲክስን ሒዙ’ዩ ፈሊሙ። ምስ ግዜ ነቲ ጸወታታት ጋንታታት ናይ ደቀንስትዮ
እናተጸንበራኦ ክሳብ 2004 ቀጺሉ...
*ሙሉእ **ን**ባብ አብዚ ጠውቁ **https://adalvoice.wordpress.com/
<https://adalvoice.wordpress.com/>*




W2SrmHBTAPmk.jpg
(image/jpeg attachment: W2SrmHBTAPmk.jpg)

Received on Wed Aug 26 2015 - 10:06:12 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved