TigrignaVoanews.com: `ተወለድቲ ካሊእ ብሄረሰብ ከም ፀላኢ ዝርኣዩሎም ቦታት ኣለው ` ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 22 Aug 2015 23:27:30 +0200
አቶ ኃይለማርያም ደሣለኝ - ጠቅላይ ሚኒስትር /ፎቶ ፋይል/አቶ ኃይለማርያም ደሣለኝ - ጠቅላይ ሚኒስትር /ፎቶ ፋይል/
August 22, 2015

   ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ንሃርና ክብትኑ ዝኽእሉ ኣመለኻኽታታት ክወገዱ ኣለዎም  ክብሉ  ዘስምዕዎ ጥንክር ዝበለ መደረን መተሓሳሰቢን ልሙድ ዝብሃል ኣይኮነን።ኣብ ቋንቋ ዝተመስረተ ፌደራሊዝምን ናይ ክልላት ኣመዳድባን ካብ ዝነቕፉ ወገናት ከምዚ ዓይነት ሪኢይቶ ክስማዕ ፀኒሑ እዩ።

 ብደረጃ ሃገር-ለኸ ምስ ዝተፈላለዩ ኽፋላት ማሕበረሰብ ብዛዕባ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር እንትዛረቡ ናይ ዜጋታት ተዘዋዊሮም ናይ ምስራሕ መሰሎም ዘይኽበሩሎም ቦታታት ኣለው ኢሎም።

‘’ኣብ ገለ ገሊኡ ቦታታት ናይ ካሊእ ብሄር ተወላዲ ከም ፀላኢ ዝርኣየሉ፣ከም ንምምዝማዝ ዝመፀ ኣራዊት ዝርኣየሉ’’ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ኣብ ገለ ገሊኡ ቦታ ድማ ኣነ ጥራሕ እየ ክሰርሕ ዝኽእል ካሊእ ዋጋ የብሉን  ዝብሉ ኣዕናዊ ኣመለኻኽታታት ክውገዱ ኣለዎ’’ኢሎም።

ፀቢብነት ኢሎም ኣብ ዝፀውዑዎምን ኣብ ካልኦት ሽግራትን ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዘድሊ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ሓቢሮም።ኣብ ሕገመንግስቲ ከምኡ እውን ኣብ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ምርድዳእ የድሊ እዩ ዝበሉ ንሶም እዚ ምርድዳእ እዚ ከይፍጠር ዕንቅፋት ንዝኾኑ ንምቅላስ እውን ኣብ ምርድዳእ ክነብፅሕ ኣለና ኢሎም።

ናይ ኪራይ ኣካቢነት ወኪላት ዝኾኑ ኣተሓሳስባታት ቀዳማይ ፀቢብነት፤ካልኣይ ትምክሕቲ ሳልሳይ ድማ ብሽፋን ሃይማኖት ዝካየድ ኣኽራሪነት እዮም።እዚኦም ንሃገርና ዝብትኑ ኣዕነውቲ ኣመለኻኽታት እዮም ኣብ ዝብል ምርድዳእ ክንፈጥ ኣለና ኢሎም።ንዝርዝሩ ይስምዑ።

http://tigrigna.voanews.com/audio/2927396.html

Received on Sat Aug 22 2015 - 17:27:31 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved