Erigazette.org: ተገሪህና፡ ኣታሊሎምና፡ ተዓሺና…..እቲ ምዕሻውን ምግራህን ከይተፈለጠና ንርዕሞ ድኣ ከይንህሉ -ቀዳማይን ካልኣይን ክፋላት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 21 Aug 2015 18:43:29 +0200
ገሪህና፡ ኣታሊሎምና፡ ተዓሺና…..እቲ ምዕሻውን ምግራህን ከይተፈለጠና ንርዕሞ ድኣ ከይንህሉ…-ካልኣይ ክፋል
 መኮነን ዓንተራይ ( Mekonen Anteray)
August 21, 2015
 ነሓሰ 15.12.2007
 
„………..ስለዚ ነቲ ትማሊ ጸልማት ዘውገሐ ረስዕዎ እንተበሉናን ምዓትጠላማትን ሓሳዳትንእንተረስዕዎን፡ ዜግነቶም ሸይጦም፡ ካብ መቐለን ኣዲስኣበባን ተተኣዚዞም ብዝመርሑና መላገጽን መደያይቦ ናብ ስልጣንን ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ይግባእ። እቶም ታሪኽ ዘህስሱን፡ ዝኽልሱን፡ ዝድምስሱን ዘለው ዝገርመኩምን ከይትግርሁን ካብ ኩሉዮም ዘለዉ። ብትውልዲ ወይ ብዜግነት። ታርኽና ንምድምሳስ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ውሑድ ካብቲ ብዙሕ ሜላታት ከኣ ብርእይቶይ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።……….“
መኮነን ዓንተራይ ( Mekonen Anteray)
 
Fighters of the Eritrean People's Liberation Front, EPLF, skirmish with soldiers of the Ethiopian army near the town of Nagfa, 10th July 1978.
"ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣንጻር ወራሪ ደርጋዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር ናቕፋ ብዕለት 10 ሓምለ 1978 ኣብ ዝዋግእሉ ዝነበሩ እዋን ዘርኢ ስእሊ"። ምንጪ ስእሊ-gettyimages.de
ብርሃነ
  1. ኣብ ነንሕድሕድና ምትእምማንን ምጥርጣር ምፍጣርን -
መቸም ፖለቲካ ንመብዛሕትና ‘ስጊንጥር’ እዩ። ተገንዝብናዮ ዘሎና’ኳ ዝመስለና እንተኾነ መብዛሕትኡ ግዜስ ኣብ ዓንኬል እቶም ‘ቀልስቲ’ ኢና ኮለል ንብል። ምኽንያቱ እቲ ዝቅርቡልና መብዛሕትኡ ግዜ ሽፉን፡ ከይቀረፍና ወይ ከይቀለጥና ክንበልዖ ስለንፍትን። ወይ ከምቲ ዝሃቡና ሰለእንትርጒሞ። ከምቲ ሸዊት ዕፉን ፍሬኣ ክትረክብ ክትቀቓሓ ነቲ መሸፈኒእ ክትቀልጦ፡ ፖለቲካውን ክትቀቓሓ ይግባእ። እቲ ፍረ ነገር ብፍላይ እቲ ክፉእ ወትሩ ምስተሸፈነ ኢዩ።
 
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ፖለቲካ ብኸመይ ዲኻ ‘ትርእዮ’ (ዮዋህ ሕቶ ናይ የዋሃት) ኢሎም ንዝሓተትዎ ኣዕሩኽ፡ ንፖለትካ ርእየያ ኣይፈልጥን ኢየ፡ ፖለትካ ገጽን ምስልን የብሉን፡ ንዉሱን ዕላማ ክትግልገለሉ ምስ ደለኻ ከምዝጥዕመካን ትርእዮን፡ ምስሊ ተውጽኣሉን፡ ንነገራት ተማእዝኖም በለ’ሞ። ሽዑ እንተደለኻ ኩርናዕ ተውጻሉ፡ ተደለኻ እግርን ኢድን ትሰዂዓሉ፡ ወይ ከም ኲዕሶ እግሪ ከባብ፡  ኮታ ከምዝምእመኣካን ክምዝጥዕመካን ነቲ ከተስምዖን ክትጒስጒሶ ትደሊ ወገን ወይ ሰማዕን፡ ክሰምዓካ ብዝኽእል ሜላን ጥበብን ኣብ ሓንጎሉ ትሰኹዓሉ ወይ ተስርጸሉ በለ።
 
ስለዚ ከመይ ትርእዮ ኢልኩም ኣይትሕተቱኒን፡ ግን ብሓደ ዳይመንሽን/ኲርናዕ መዳይ ኣይትርእይዎ ጥራይ’ምበር፡ ከምድሌትካ፡ ትርእዮን ትዕንድረሉ ዓውዲ ኢዩን።  ዲሞክራሲ ዲዮም ኢለሞ፡ ዳርጋ ሕጫጨ ኢዩ። ዝገርም ድማ ኣብቲ ሓንጐል ክሰርጽ ከሎ መዓስን ብኸመይ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ባዶ ሓንጐል፡ ኣብ ቁሩብቁራቦ ዘዋህለለን ወይ ኣፋፍኖት ዘለዎ ወዘተ ፍልልይ ይገብር። ኣብ ናትና ኣብ ዘበነ ገድሊ ዝነበረ ጸገምን ገና ዝሕምሰና ዘሎ እውን ምስንዕዘብ ብድሩት ዓቕምን፡ ዘይበሰለን ናይ ልቓሕ ፖለቲካን ዝተጻወቶ ዝጻወቶ ዘሎን ኣሉታታ ኣኳ ግርም ኣብነት ኢዩ። ድሕሪት ተመሊስና እንተንፍትሽ፡ ብጀካቶም ፍቅሪ ሃገር ዝደረኾ ባዕላቶም ጣሕመሽመሽ ኢሉም ዝሰነቕዎ ፍልጠት እንተዘይኮይኑ፡ ክንደይ ካብ ካድረታትና ኮነ ናብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ፍልጠት ዝተቕልዑ ነይሮም ይኾኑ?
 
በቲ-ኮነ-በዚ፡ እቲ ጸገም ዝመጽእ እቶም ባዕሎም ኩርናዕ ፈጢሮም በቲ ንሳቶም ጥራይ ዝርእይዎ ኩርናዕን በታ ናቶም መነጸርን ክርእዩ ምስዝፍትኑ ጥራይ ኢዩ። ቅንዕንኡን ኩርንዑን ብግዜን ምስ ግዜን ክልካዕን፡ ተቀባልነቱ ኣብቲ ዝደለ ዘሎ ክፋል መልእኽቱ እንተመሓላሊፉን ተሰማዕነት እንተረኺቡን ጥራይ እዩ ዝረኤን ዝዕቐንን። ሰባት ንረብሐኦም፡ በብዝጥዕሞም ኣገባብን ሜላን ይጥቀምሉ። እንተኮነ ፖለቲካዊ ሓሳብ ተቀባልነት ክህልዎ ግዜን፡ ስምዒትን ሓልዩ ምስዝቀርብ ኢዩ ዝዕወት። ገለ ንጽቡቕ፡ ገለ ንሕማቕ። እዚእውን ኣብ ተመኲሮና ዝተዓዘብናዮን ዋጋ ዝተኸፍሎን ኢዩ።
 
1.1 ሳዕቤን ኣይኲናት-ኣይሰላምን እገዳን
 
እቶም ብህርፍርፎት ኣፎም ማይ ሚዒጒ ዝነበረ እሞ ንኤርትራ ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣፍደገ ባሕራን መንግስታን ከም ድሌቶምን ብዝጥዕሞምን፡ ንውልቃዊ ረብሐኦም ጥራይ ብዘገልግልን ስለዘይተጠቅሙላ፡ ኣእጋር መንግስቲ ሓልኾም ክሕዝዎ ነቂሎም። ዘሎን ዘየሎን ሓሶታትን ጠቐነታትን ምሂዞም እገዳ ኣተግቢሮም። ሽዑ እቶም ጠላማት ቀንዲ መቀባበልቲ ነይሮም።
 
ሎሚ ድማ እዞም ጠላማትን ሓሳዳትን ነዚ ብስንኪቲ ተማህሊሎምን ሓሶት ፈብሪኾምን ክዉን ዝገበርዎ እገዳን፡ ወያነ ካብ መሬትና ኣይውጽእን ኢላ፡ ዳንጋ ኣያታታ ተጸጊዓ ከምድሌታ ትዕንድረሉ ዘላን ግዜን ዝፈጠሮ ኣይኲናት ኣይሰላምን ዘየቅስን ኲነታት ክምዝምዝዎን ከታሉሉን ክሽፍጡን፡ ህዝቢ ክሕምሱን ሆሆ ክብሉ ንዕዘብ ኣሎና። ብሽፋን ‘ሰብእዊ መሰላትን’ ‘ደለይቲ ፍትሕን’ ኣብ ባዓቲ ዘብለጭልጭን ሳሓብን መሳጥን ስም ኣዕቂሎም ክዕሉቕን ንግላዊ ረብሐኦም ይግልገሉሉን ኣለዉ። ኣብዘይጥዕሞምን ረብሓታቶም ምስዝትንከፍን ከኣ ከተሃናኾትሉ ይውዕሉ እነሀዉ።
 
በታ ሓንቲ ኩርናዕ ጥርይ ትርኢ መነጸሮም፡ ብፍላጥ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ንዓለም ካብ ሐደ ኩርናዕ ከምዝረኤ ኮይኑ ክሻይጥሉ ንዕዘብ ኣሎና። ነቲ ሃገርን ናጽነት ዘውሓሰ ውድብን ዘመዝገቦ ክብርን ክብርታትን፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ግብራዊ ለውጥን ኣንፈት ንዉሕሱ መጻእን ክዘርጉን፡ እቲ  ዘየደቅሶም ዝነበረ ጽቡቅ ዝና ሃገርና መንግስቲን ንምህሳስ ከይደቀሱ ይሓድሩ ኣለው።  ከም ውጽኢት እቲ ስዉር ዒላማ መንግስትን ህዝቡን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ‘ጸላእቲ’ ብጻዕቂ ክዝለፍ ንዕዘብ ኣሎና ።
 
ምናልባት ንሳቶም ብድቅሶምን ገሊእቶም ጻሓይ ንጉሆ ከይራኣዪን ኣያታቶም፡ ንገሊእቶም ድማ ኣቦታቶም ፍትሒ ከናድዩ ከርተት ዝበልሉ ምዃኖም ምዝኽኻር ዘድልዮም ኣይመስለንን። ኣብቲ ጸልማት ግዜ ግን ከምዚ ዝበለ ሆሆይታ ኣይገበሩን። ኣብ ግዜ ገድሊ ንናጽነት መብዛሕቶኦም እቶም ሕጂ ብስም ‘ሰብኣዊ መሰላት’ ዝጣበቁ ኣሚሲሎም ዘዕገርግሩ ዘለዉ፡ ዓቅሚኣዳም ዝበጽሑን እኮ ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ ቅብጸት ህዝቢ ባጽዕ ብሚግ ክህሞኽ በቲ ሽዕኡ ዝነበረ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ርእየሞ ክኾኑ ኣለዎም። እንተዘይርእዮሞ ድማ ይግደሱ ኣይነበሩን ክኾኑ ኣለዎም። ክንደይ ካብኣቶም ኮን ቊጠዔኦም ኣስሚዕም ይነብሩ? እሂ ደቀሺ እወ ኣነ ናብ MP ወይ ጋዜጣ፡ ናብ ከስምዑ ዝኽእሉ ናይ ፖለቲካ ሰባት ወይ ተጣበቅቲ ሰብእዊ መሰላት ጽሒፈ ዝብል እንተሎ ክንሰምዖም።
 
1.2 ንስውር ዕላም መሳለጥያ ምዃን
 
እቲ ስዉር ወይ ሽፉን ዕላማ ካብዛ ኣብ ታሕቲ ብቀይሕ ደሚቃ ዘላ ንእሽቶይ ሕጡብ እኳ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል። ነዚ ክትርህጻ’ዶ ትግዕታ ይብላ ኣደታት! ሰለሰተ ርብዒ ብደገ ሓደ ርብዒ ብደቂ ሃገር!! ተቃወምቲ ድዮም ክበሃሉ ዋላስ ተለኣኣኽቲ? ሰለምንታይ ኣንጻር ሃገርና ሱዳን ኢትዮጵያ፡ የመን ሓቢሮም ድማ እቲ ካልእ ስዉርን ናይ ኣደባባይ ሚስጢርን ኢዩ። እሞ ነዛ ኣበሃህላ ክትምዝምዛን ክትብለጸላን እንተተደልዩ እኳ ሰለስተ ርብዒ ህዝቢ ኤርትራ ምስ መንግስቱ ጸግም የብሉን ማለት እዩኮ። ኩሉ ንመንግስቲ ክድግፍን ዕጉብ ክኽውንን ድማ ዘይትጽበዮን ዘይከውንን እዩ። ህዝቢ ብምልኡ ኣብ ግዜ ኲናት፡ ሃገር ክትወረር እንኮላ ጥራይ ኢዩ፡ ብሐደ ድምጺ ንመንግስቲ ክድግፍ ትጽበዮ። ኣብ ክምኡ ኩነታት እውን ዘርጠብጥብ ይረአ እዩ።
[  3. ከም ዝተጠቕሰ፡ 2002 ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ፈተውቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዝተገብረልና ወግዓዊ ዕድመ መሰረት ብምግባር ኢና ኣዲስ ኣበባ ከድና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ በጻሕና ድማ ብወግዓዊ ኣገባብ ብኣምባስደር ሱዳን ተዓደምና። ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትይጵያ ኣምባሳደር ሱዳን ዝነበረ፡ ካብ ግዜ ቃለሲ ንፋለጥ ክቡር ሰብ ከምዚ ዝስዕብ በለኒ፥ <ስርዓት ኣስመራ ንጸጥታ ዞባና ኣስጋኢ ኰይኑ ስለ ዝረኽብናዮ ንሱዳንን ኢትዮጵያን የመንን ከም ሰለስተ ኣእጋር ዘለዎ ሰድያ ወሲድና ንስኻትኩም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ከም ራብዓይ እግሪ ሰድያ ብምዃን ግደ ክትጻወቱ ቁርባት ዲኹም በለኒ። ኣነ ድማ <ከክንዲ ካልኦት ውድባት ኰይነ ክዛረብ ውክልና የብለይን፡ ሰልፍና ግን ቅሩብ ኢዩ በልኩዎ> ብተመሳሰሊ ኣምባሳደር የመን ንዶ/ ኣልጋነሽን ንኣይን ኣብ ኤምባሲ የመን ዓደመና፣ ንሱ እውን ምስ ኣምባሳደር ሱዳን ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ፡ ግን ብኻልእ ኣበሃህላ ርእይትኡ ምስ ገልጸልና፡ ንሕናውን ብስም ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ ነቲ ዝቐረበልና ሓሳብ ተቐበልና። ድሕሪ ቁርብ ድማ ሰንዓ ፎሩም ተመስረተ። ፈታውን ክቡርን ዝዀነ መንግስቲ Iትዮጵያ ድማ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን፡ ብዓቢ ክሳራ፡ ናይ ሓደ ወርሒ ኣብቲ ውሩይ ሆቴል ግዮን ሆቴል ኣኼባ ኣሰናዳኣልና። ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብኽቡራት ጐረባብትና ዝተወህበና ዕድልን ተፈላጥነትን በቒዕናዮዶ? ኣይበቓዕናዮን። ድሕሪ ድራር ዮሃና ሽዑ ምሸት ኣፍረስናዮ። ]
 
ፖለቲካ በታ ናተይ መነጸር ብኸመይ ህዝቢ ተመሓደርን ተነባብርን እምበር፡ ካልእ ኣይነበረን። ግን ከምኡ ድዩ? እቲ ካልእ መዳዩ ኸ? እዚ ኣብላዕሊ ዘላ እሞ ተዓዘብ። ንውልቃዊ ረብሓን ንረብሓ ምትእኽኻብ፡ ስልጣን ንምግባትን ንምርካብን፡ ሰብ ንምርጋጽ፡ ሃብቲ ሃገር ንምብኻን፡ ጉጅለኣዊ ኣድልዎ ንምትእትትታውን፡  ንኻልእት ምንፋግን፡ ማሕበራዊ ኣድሉዎን ፍትሕን ምጒዳል፡ ዘይምዑር ዝርገሓ ሃብቲ ሃገር ምህላው፡ ንቕሓት ሓፋሽ ምድቛስን፡ ዝርገሐ ሕክምናን ኣብያተ ትምህርቲን ኣባይትን ምንፋግ፡ ህዝቢ ብድሑር ባህሊ ክግረፍን ብኡ ተጥቕምካ ስልጣንክ ምንዋሕን፡ ዕቁንን ምጡንን ሩባ ዘየሳግርን ፖለቲካዊ ንቕሓት ምኹስኳስን፡ መባእታዊ መሰላት ምድቋስን ምዕንቃጽን ምጽባእን፡ ውዘተ ከኣ ካልእ መዳይ ወይ እቲ ግናይ መልክዑ ኢዩ።......................
 
ኣብ'ዚ ታሕቲ ብስቱር ሕጥበ-ጽሑፍ ተለጢፉ ዘሎ መራኸቢ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም። ሰናይ ንባብ!!!
ብርሃነ ሃብተማርያም
 

Received on Fri Aug 21 2015 - 12:43:31 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved