Tigrigna.Voanews.com: ስዑዲ ዓረብ ንኽልተ ኢትዮጵያዊያን ኽሳዶም ብምቑራፅ ቀፂዓቶም

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 12 Aug 2015 19:52:38 +0200
ብዙሓት ዝኾነኑዎ ምቑራፅ ርእሲብዙሓት ዝኾነኑዎ ምቑራፅ ርእሲ
August 12, 2015

 ስዑዲ ዓረብ ንኽልተ ኢትዮጵያዊያን ሓዊሱ ንኣርባዕተ ሰባት ኽሳዶም ብምቑራፅ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ብሞት ቐፂዓ።ኣብ ከተማ ጂዛን ምስኦም ብሓባር ተሳሮም ክዝምነበሩ ዝገለፀ ኢትዮጵያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተድኣ ዘይበፂሑሎም ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ዕፃ ከጋጥሞም እዩ ክብል ናይ ብፅሑልና ፃውዒት ኣስሚዑሎ።

 ህዝቢ ኣብዝተኣከቦ ብዘስካሕክሕ ኽሳዶም ዝተቖረፁ  ኣረጋዊ  ወልዱ ሃይለማሪያምን ሓዱሽተ ዘልኣለንም ዝተብሃሉ ኢትዮጵያዊያን  መናእሰይ እዮም። ንሓደ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ቐቲሎም ብዝብል ከምዝተፈርዶም ተፈሊጡሎ።ኣብ ከተማ ጂዛን ምስኦም ተሳሲሩ ከምዝነበረን ብዝግባእ ከምዝፈልጦምን ዝገለፀልና ብርሃነ ተስፋይ ዝተብሃለ ኢትዮጵያዊ  ‘’እፈልጦም እየ፤ኣብ ሓደ ክፍሊ ንድቅስ ነይርና፤ ህዝቢ ኣብዝተኣከቦ ብዘስካሕክሕ ኽሳዶም  ምቑራፆም ዘሕዝን እዩ።’’ኢሉ።

ተኣሲሩዎ ኣብዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያዊያን እሱራት ከምዘለው ዝሓበረ ብርሃነ ተስፋይ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝፈርዶም ኩሎም ገበነኛታት ምዃኖም ዘይምዃኖም ግቡእ ምፅራይ ከይገበረ ስለዝኣስን ዝፈርድን ተኸታትሊ ዘፃርየልና ወገን የለን ኢሉ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ክበፅሓሎም ብተደጋጋሚ ሓቲቶም እዚ ዝብሃል  ፍታሕ ከምዘይተውሃቦም  ብምሕባር እቶም ኽሳዶም ዝተቖረፁ ኣብ 30ታት ክሊ ዕድመ ዝርከቡ መናእሰይ ምዃኖም ሓቢሩ።

  ብዝተኣሳሰረ ዜና ሙሻሻ ሓሪሺ ዝተብሃለ ዜጋ ስዑዲ ዓረብ ንኻሊእ ዜጋ እታ ሃገር ቐቲሉ ብዝብል ብሞት ተቐፂዑሎ።ኢዝማት ሸሪፍ ዝተብሃለ ፓኪስታናዊ እውን ሓሽሽ ብኮንትሮባንድ ከእቲ ፈቲኑ ብዝብል  ብሞት ተቐፂዑ ብመሰረት ፀብፃብ ኣገልግሎ  ዜና ፈረንሳይ።

   ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ኣውሮፓዊያን ኣቆፃፅራ ህዝቢ ኣብዝተኣከቦ ኽሳዶም ናይ ዝቖረፀቶም ብዝሒ ሰባት 114 በፂሑ’ሎ ብመሰረት እቲ ፀብፃብ።

 
Received on Wed Aug 12 2015 - 13:52:40 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved