Erigazette.org: ተገሪህና፡ ኣታሊሎምና፡ ተዓሺና…..እቲ ምዕሻውን ምግራህን ከይተፈለጠና ንርዕሞ ድኣ ከይንህሉ -ቀዳማይ ክፋል

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 10 Aug 2015 17:10:21 +0200
ተገሪህና፡ ኣታሊሎምና፡ ተዓሺና…..እቲ ምዕሻውን ምግራህን ከይተፈለጠና ንርዕሞ ድኣ ከይንህሉ -ቀዳማይ ክፋል
 
Aug 10, 2015
 
መኮነን ዓንተራይ ( Mekonen Anteray)
(መተሓሳሰቢ-እዚ ኣብ ሞንጎ'ዚ ጽሑፍ ኣትዩ ዘሎ ንሰውራዊ ታሪኽና ዘንጸባርቕ ስእልታት ባዕለይ ከምዝሰዃዕክዎ ክሕብረኩም ይፈቱ። ብርሃነ ሃብተማርያም)

Image result for EPLF fighters photosImage result for EPLF fighters photos
ንዛ ጽሕፍቲ ንሓንቲ ጀሚረያ ዝጸናሕኩ ኣቛሪጸ ኢየ ዝጽሕፋ ዘለኹ። መቸም ግዜ ረኺብካ ኣብ እንተርነት እንተ ኣቲኽ ብዙሕ ኢኻ ትርኢን፡ ተንብብን ትሰምዕን። እታ ኣቐዲመ ኣቓልቦይ ዝሰሓበት ስእሊ ሓደ ኣብ ርእሱን ኣብ ሰለፉን ዝተሃርመ ተጋዳላይ ብሓደ ተጋዳላይ ተሓዚሉ ተርኢ ኢያ። እታ ስእሊ መጀመርያ ኣብ ፈይስቡክ ኢየ ረኺበያ። ተኻፊለ ኣብናተይ ኣምጺኤ ዝመስለኒን ዝስመዓንን መግለጺ ክገብረላ ሓሲብን ጀሚረዮን። ከይተረደኣኒ ብዙሕ፡ ዳርጋ 14 ገጽ ምስጸሓፍኩ፡ ተመሳሳሊት ስእሊ ኣብ መስከረም ተለጢፋ። ገናድማ ገዛኢ ቦታ ሒዛ ኣላ።

ምስጋና ነቶም ጀጋንኦምን ስውኣቶምን ዘኽብሩ ዘጋታት እዛ ሃገር። ገና ብዛዕባኣ እንዳጻሓፍኩን ከይወዳእክዋን ግን ካልእ ዝያዳ ንኣቓልቦይ ዝስሕብን እዋናውን ዝደጋገም ዘሎን ሰለዝረኣኹ፡ ነታ ዝጀመርክዋ ንግዜኡ ኣወንዚፈ፡ ነዚኣ ክጽሕፍ ተበጊሰ። ቁሩብ ብዝሕ ሰለዝበለኒ ግን መታን ክጥዕመኒ ክከፋፍሎ መሪጸ። ክትከታተሉኒ ተስፋ እገብር።

Image result for EPLF fighters photosኣይትሓዙለይ ዝሓለፈ ከዘክረኩም ክፍትነ'የ። ገለ ከኣ ዳርጋ ዝረሳዕክምዎ ወይ ድንግርግር ዝብለኩም ስለዘሎ። ኣቱም ሰባት ኣስተውዕሉ'ሞ፡ ከም'ቶም ጸልእትና ክቀብእዎ ዝደልዩ ዘለዉ "ዝበለየ ወይ ዝኣረገ ተዝክሮታት ወይ ታሪኽ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ"፡ ወይ ናይ ጥንቲ ኣፈ-ታሪኽ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡ ወይ ዝተማህዘን ዝተሰነዐን ናይ ፈጠራ ታርኽ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ።

እቲ 24 ዓመታት እገብር ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝተፈጸመ፡ ጸልማት ዝቐንጠጠን፡ ተዘክሮታት ወይ ታሪኽ ብዛዕባ'ቲ ነቲ ጸልማት ንምቕንጣጥ 30 ዓመታት ኣብ በረኻታት ኤርትራ ከርተት ኢሉ ዝተብጀወን፡ ንገዝኡ ወይ ንቤቱ ዘይተመልሰን፡ እንኮላይ እቲ ልኡላውነት ሃገር ንምውሓሰን ንምኽባርን ዝሰዓበን፡ ገና ኩሉ ዓይነት ሽግራት ተጻዊሩ ጸኒዑ ዝስዕብ ዘሎን ታሪኽን ተዘክሮታትን'የ ዝብል ዘለኹ። ኩሉ ተደሚሩ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ልዕሊ 50 ዓመታት ዝተፈጸመ፡ ታሪኽ ጽንዓትን ሓበንን ኢየ ዝብል ዘለኹ።

Image result for EPLF fighters photosብመንጽር ዕድመ ክግልጽ ከሎ፡ ገሊኣትና ኣብ ክሊ እዚ ዕድመ ስለዘሎና ውሽጢ-ውሻጠኡ'ኳ እንተዘይበልና ላዕሊ-ላዕሉ ወይ እኹል ኣፍልጦ ክህልወና ይኽእል ይኸውን። ንገሊኣቶም ኣቦታት ድማ መለጋግቦ ካብ'ቲ ቅድሚኡን፡ ኣብ ውሽጡ ዝነበሩን ወይ ብደቂቕ እንዳተኸታተልዎ ዝመጹ ስለዝኾኑ፡ መስከርቱን ወይ ሰራሕቱን እምበር ብወረ፡ ብቤላቤው ዝሰምዕዎ ኣይኮነን።

እቶም መስረቱን፡ ሰራሕቱን ግን እንተ ነጊረምሉ ዲዮም ወይስ ሒዞሞ ከይዶም መብዛሕትኦም ሓሊፎምን፡ ክስዕቡን ንዕዘብ ኣሎና ። እቶም ተሪፎም ዘለው ከኣ ሎምስ ደልዓስዓስ ስለዝበሉ፡ ክንደየናይ 'ክዝክሩ'ሞ' ክንጽበዮም ንኽእል። ብዝኾነ ግን ተጠቒምናሎም'ዶ ከሲርናዮም ናይ ጽባሕ ወለዶ መወከሲ ጅግንነት ኣቦታቱ ፈቲሹ እንተረኺቡ ወይ ተሲኢኑ ኢዩ ክፍለጥ። ተስፋ እገብር 'ዓሕ' ኣይክብሉን ይኾኑ። እንተ ንሕጂ ግን ኣብ ኮንዶኾን'ዩ ዘሎ። 25 ዓመታት'ዶ ኢዶም ኣጣሚሮም ክህልዉ፡ ዝብል እምነት ገይርና ኢና ሱቕ ንብል ዘሎና። ብዙሕ ክንገርን ክብሃልን ስለዘይንሰምዕ ዘሎና፡ እንተተሰከፍና ባህርያውን ንቡርን ኢዩ።

Image result for EPLF fighters photosስለዚ እቲ ታሪኽ ገድሊ ክንብል ኮለና ታሪኽ እቲ ንናጽነት ዝተበጀወን፡ እቲ ተልእኾኡ ፈጺሙ ባንዴራ ናጽነት ሒዙ ዓዲ ዝኣተዉን የጠቓልል። ህዝቢን ገድልን ከም ዓሳን ባሕርን ኮይኖም ዝሰርሕዎ ታሪኽ፡ ካብ ኣጀማምርኡ ክሳብ ምፍጻሙ፡ ኣብ ውሽጢ ዕድመ ናይዚ ገና ህልዉ ዘሎ ወለዶ ዝተፈጸመን ባዓሉ ዘንቀሎን፡ ዝወዓሎን፡ ዝፈጸሞን፡ ገሊኡ ድማ ንምድጋሙ ምስኡ ወይ ኣብ ከባቢኡ ዝዓበየን ስለዝኾነ ብዙሕ ዝኽወልን ዝሕባእን የብሉን።

ካብ መን'ሞ ክሕባእ? ከምቲ ገለ ጠላማት ዝብልዎ "ምቅንጃው፡ ምኩሕሓል፡ ምጽብባቕ" ኣውን ኣየድልዮን እኮ ኢዩ። እቲ ዘሰክፍ እኳድኣ ግደፍዶ ክቃናጆ እቲ ብጥሪኡን ከምቲ ዘነበሮን'ውን ገና ብግቡእ ኣይተነግረን፡ ወይ ይንገር የሎን። ምኽንያቱ ነቲ ምረቱን ንውሓቱን፡ ነቲ እህህትኡን ስቓዩን፡ ነቲ ዕርቃኑን ጥምየተጽምኡን፡ ነቲ ሕሰመስጋኡን መከርኡን፡ ኮታ ነቲ ኩሉ ዓይነት ተጻዋርነቱን ቀጻልነቱን ዘንጸባርቕን፡ ዝበቕዖን እንተ ብጹሑፍ እንተ ብኻልእ ብዙሕ ኣይሰማዕናን ገና ኣይነበብናን። ኮንዶኾን ንናይ ጽባሕ ወለዶ ይስነድ ይህሉ።

ኣብዚ ውሽጢ 25 ዓመታት ግን ብሓፈሻ ንኩላትና ብፍላይ ከኣ ነቶም ሓሳዳትን ረሳዕትንሲ ዛጊት ሓደ ፈርጣዕ መጽሕፍ ተዳልዩ ከም መጽሓፍቲ ቅዱሳን ኣብ ተትርኣስና ክህልወናን፡ ከም ኣቡነዘበስማያት ንጉሆን ምሸትን ክንደግሞ ምተገበኣ። (ከም ኣብነትን ብዙሕ ዘይነስተባህለሉን፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ዶካትርን ሓካይምን እሞ ንቁሩብ ዓይንኹም ሰም ኣቢልኩም ሕሰቡ። ህ።ግ ሕክምና ላዕሊዮም ነይሮም ምባል ጥርይ እኹል እይኮነን። እቲ 30 ዓመታት ብዘይመብረ ብዘይዕርፍቲ ውግሐጸብሓ ደምን፡ ቃንዛን፡ እህህታን፡ ኣውያትን እሞካኣ ዉጉእ ኣብ ኢዶም ክዓርፎም ከመይ ተጻዊሮሞ ኢልኩም እሞ ሕሰቡ። ነቶም ሓሳዳት እቲ ምረት ገድሊ ክሳብ ክንደይ ከቢድ፡ ኣዝዩ ከቢድ ምንባሩ ቁሩብ ይስቖሮም ይኸውን)።

Image result for EPLF fighters photosእቲ ዘገርም ግን እዛ ሕጂ ንገድልን ፍጻሜታቱን ንፈጸምቱን ንከተነኣእስን ንኸተቛናጽብን ንኽትድምስስን ክትዋጥን ክትግዕርን ትወዕልን ትሓደርን ዘላ፡ መብዛሕትኣ ጥንቕልዒት ደቂሳ እንኮላ፡ ገሊኣ'ዉን ገና ኣብዛ ዓለም እይነበረት። እቲ ተጋዳላይ ግን ብቦንባታት ሩስያን ሳዓብታን ከም ሓፋፍሎ ብላዕልን ብታሕትን እንዳተጀፈዐን'ዩ እቲ ታሪኽ ዝሰርሖ። ተጋዳላይ ድማ እቲ ኩሉ ኣብተን ቀንዲ ክልተ ውዱባት ዝነበረን ብፍላይ ከኣ እቲ ንናጽነት ዝዛዘመን ኩሉ ኢዩ። ተጋዳላይን፡ መሪሕነቱን። ሓፋሽ።

እቶም ዘይሓፍሩ ታሪኽ እቲ ተራ ተጋዳላይ ከምዝፈጸሞ ኣምሲሎም ብኮ ከእትዉ እንተፈተኑ 'ሓቕኹም' ዝብሉ፡ ከይሓየኹ ምውሓጥ ለሚዶም ንዕዘብ ኣሎና። ደ'ቀሺ ሓይኩም ወሓጡ። ስርዓተ-ምሕቃቕ ምግቢ ኣብ ኣፍ'ዩ ዝጅምር። ነገራት ምድቓቕ ንልመድ። ዘዝተቐኦረበልና ምኹላስን ከይዳቕቕና ምውሓጥን ጉድእቱ ነኒዶክተርና ክንውከስ ንኽእል ኢና። ተስማሚዕናዶ?

እሞ እቲ ታርኽ ጅግንነትን-ተወፋይነትን፡ ጽንዓትን-ቀጻልነትን፡ ናጽነትን-ህላዌን፡ ሎሚ እቶም ኣብ ኤርትራ ረብሓ ከምዘይብሎም ኣስተውዒሎም ናብ ኢትዮጵያ ሕግብግብ ዝብሉ ዘለው፡ ከም ንዕኦም ዝጥዕሞምን መምለስ እግሪ ክገብርዎን'ዶ ከነፍቅድ ይግበኣና ኢዩ??? ኣይፋሉን ደቀ'ሺ ኣይፋሉን!!! እንታይ ትብሉ???

Image result for EPLF fighters photosከምዚ ክብል ከለኹ ንኹሉ በልማማን ዘይትፈልጥዎን ዘይሰማዕክምዎን ንምምጻእ ዘይኮነስ፡ ኩሉ ኣብቅድሚ ዓይንኹም ኢዩ ዝገበር ዘሎ። እንታይ'ድኣ ብዘይምስትውዓል ድድሕሪ ረብሐኦም ዝጎደሎምን፡ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎምን፡ ውሑዳት ክንሶም ግን ከኣ መርዛማት ነናብ ዝመርሑና ሃው ንብል ከይንህሉ ንምዝኽኻርን ንምጥንቃቕን ጥራይ ምዃነይ ኣቀዲመ ከፍልጥ እደሊ።

Image result for EPLF fighters photosስም ሃገርናን ክብራን ንምህሳስን፡ እቲ ታርኽ ተጋዳላይን ውዕሎ ጅግንነቱን ምቅላል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሎምስ ሕሉፍ ሓሊፎም ብድፍረት "ታሪኽ ሸፋቱ" ዝብሉ'ውን ተቐልቂሎም ኣለው። ንሱ ጥራይ መዓስ ኣኺሉ፡ ንገሊኣቶም ኤርትራ ትብሃል ሃገር ክሰምዑ፡ እቲ ምስጢር እንታይ ምዃኑ 'እንድዒ' ይብህሩሩ'ሞ፡ እናክብህርሩ ዘድምጽዎ ኣውያት፡ መቐለን ኣዲስኣበባን ኣቓሊሑ ኣብ ዋሽንግቶንን ጀነቭን ክጓዝም ይስማዕ ኣሎ።

እሞ ናይ ኤርትራ ነገር እቲ ስም'ውን ስለዘባህርሮም ሎምስ ከኣ 'ደቂ መረብ ምላሽ' ዝብሉ'ውን ይቀላቐሉ ኣለዉ። እቶም "ደቂ መረብ ምላሽ" ንብሃል ዘሎና፡ እቶም ትግርኛ ተዛረብቲ ዝጎደሎ ጀበርቲ ኢና። ቀሊል ገይርኩም'ዶ ትርእይዎ ትህልዉ። ትማሊ ሰውራ "ኣስላም'ዮም ንዓረብ ክሸጥዋ" ተባሂሉ። ፈላልዮም ክቐትሉና ፈቲኖም። ዋጋ ተኸፊልዎ ግን ፈሺሉ። ሎሚ ከኣ እቶም ካልኦት ጸገም የብሎምን፡ እዞም ትግርኛ ተዛረብቲዮም እምበር ምባል እቲ ዘይፍንቀል ሓድነትና ንምዝራጋ ምዃኑ፡ ብጀካቶም ምስና ምህላው ረብሓ ዘይብሎም፡ ኩላትና ነስተውዕለሉ ክንህሉ ተስፋ እገብር። ገና ገና ካልእውን ክንሰምዕ ኢና'ሞ ዘባህርሮም ዘሎ ናብ ካልእ ከይስዕርርን እግረ-እግሮም ክንከታተሎም ይግባእ።

Image result for EPLF fighters photosነዚ ብምብህራር ጀሚሩ ዕብድብድ ዘብሎም ዘሎ፡ ኣንቀልቱን መወልቱን ንምግማቶም'ኳ ሊቀ-ሊቃውንቲ ክትከውን ኣየድልን ኢዩ። ንምድህላልና ግን ንሶም ብድሕሪት 'ደቂ ሃገር' ዝመስሉ ብቅድሚት ኣሰሊፎም ንኸጥፍኡና ተመሓሒሎም እንዳተዓዘብና፡ ዝበዛሕና ከምዘይምልከተናን ዘይንዓናን ንግራህ ከይነህሉ። ስለዚ ከም ቀደምና ካብ ረብሓና፡ ረብሓ ሃገርን ማዕረ ዕድል ንኩሉ ዜጋን ቀዳምነት ሰሪዕና፡ ክንብድህን፡ ሃገርና ክንሕሉን ከዘኻኽረኩም እፈቱ።

እቱም ሰባት መን ኮይንካ ኢኻ ተዘኻኽረና'ድኣ ዝብሉ ሓለይቲን ተጣበቕቲ መሰል ቅልጡፋት በረምረም ክብሉ ክጽበዮ ኢየ። ግን ደፊርካና ከይብሃል እንዳተማሕጸንኩ፡ ረሳዕቲ ኣይንኹን ኢለ ደጊመን ኣድሚቐን ከዘኻኽርን ከጠንቅቕን ክፈቑድላይ ብትሕትና ይሓትት።

ገለ ከኣ ምስ ዓቕሞምን ክእለቶምን ንካልኦት ጥራይ ዝምልከት ዝመስሎም ኣጋጢሞምኒ ኣለዉ'ሞ፡ እይፋልኩምን ኣታ ሃገር ናይ ኩላትና፡ እቲ ታሪኽ ገድሊ እንተዘይነርኩምዎ ናይ ኣሕውትኩም፡ እቲ ናይ ትማሊ ከኣ ዝወዓልኩምሉን ናትኩምን ስለዝኾነ፡ ክትሕልወዎን ክትካላኸልሉን ይግባእ። ስለዚ ናይ ወሑዳት ዕማም ዘይኮነስ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኢዩ ክብሎምን ክበራበሩን እደሊ።

Image result for EPLF fighters photosምናልባት እቲ ታሪኽ ዘይነበርናሉን ዘይወዓልናዮን እንተኾና'ውን፡ ክንግንዘቦ ዘሎና፡ ታሪኽ ኩሉ ኣይኮነን ዝነብሮን ዝውዕሎን ዝካፈሎን ዝሰርሖን። ዝያዳ ክንጸረልና ዝግባእ ግን ኤርትራ ከም ሃገር ብትውልዲ፡ ብዜግነት ሃገር ኩላትና ኢያ። ስለዚ ካብቶም ደመኛታት ጸላእታን ንምሕላዋ እጃምና እንተጌርና ጥራይ ኢና፡ ብሃገርና፡ ብትውልድና፡ ብመንነትና፡ ንኾርዕን ብመሰልና ክንዛረብ ንኽእል ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ። ካብዚ ወጻእ እቶም 'ብፖለትካን ተቃውሞን' ዘይካኣሉ፡ ጽልእ ዓሌት ንምስዋር፡ ዓዲ፡ ኣውራጃ እንተልዓሉ ንንቀሓሎም። እምቢ ከእ ንበሎም። ሂትለር ዝንኡ ብዓሌት ኣበጊሱ'ዩ ክረኽቦ ፈቲኑ። ኣህዛብ ብመርዚ ጋዝ ዘህለቐ። እዚ ጽዩፍን ኣነዋርን ኣተሓሳስባ ብጋህድን ብዓውታን ከይድገም ሽዕኡ ኣብቂዑ ዝመሰሎም ነይሮም። ግን ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ህልቂት'ውን እንተዘከርናዮ ክጠቕመና ይኽእል ኢዩ። ኣስተውዕሉ ደ'ቀሺ፡ ጽቡቕ ጌርና ነስተብህል።

ዝያዳ ምስትውዓል ዝሓትትን ዘድሊን ግን እቲ ታሪኽ ብዘረባን ወርጸጸጽን ጥራይ ኣይተሰርሐን፡ እቲ ታሪኽ ብምጽሓፍ ጥራይ ኣይተሰርሐን፡ እቲ ታሪኽ ብገንዘብ ጥራይ ኣይተሰርሐን፡ እቲ ታርኽ ዋንጫን ብርለን ዓቲርካ ኣፍልብኻ እንዳደግደግካ ኤርትራዊ ኢየ ስለዝበልካ ጥራይ ኣይተሰርሐን። እቲ ታሪኽ ሳዋ ወሪድካ ንይምሰል ህገራዊ ኣገልግሎት ወዲኤ ንምባልን ጋማን ስለዝወዳእካን እሞ ክልተ-ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ባርካ ኮለለል ስለዝበልካ ጥራይ ኣይተሰርሐን። እቲ ዘገርም እቲ ታሪኽ ብሰባት ጥራይ'ውን ኣይተሰርሐን፡ እቲ ታሪኽ ብዳንጋን ቀላጽምን ጥራይ ኣይተሰርሐን፡ እቲ ታሪኽ ብብርትን መዳፍዕን ጥራይ ኣይተሰርሐን፡ እቲ ታሪኽ ብሊቓውንቲ ጥራይ ኣይተሰርሐን ወዘተ።

Image result for EPLF fighters photosእቲ ታሪኽ ታሪኽ እኩብ ድምር ናይ መብዛሕትኡ ወይ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊን ኣብ ኤርትራ ረብሓ ዘለዎን፡ እንኮላይ ብማሉ፡ ብንዋቱ ኤርትራ ናጻ ንምግባርን፡ ልኡላውነታ ንምሕላውን ብንጥፈትን ርሱን ድሌትን ናይዝተዋስኡ፡ ዝተቃለሱን፡ ዝተሰውኡን ኢዩ። ስለዚ እቲ ክሃስስ ዝድለ ዘሎ ታሪኽ፡ ታሪኽ ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ስውእትን፡ ታሪኽ እቶም ገና ብዘይ ተጒላባ ሕድሮም ኣጽኒዖምን ረብሓ ህዝቢ ቅድሚት ዝሰርዑን ኩሉ ዓይነት ሕሰም ተጻዊሮም ናይዝቕጽሉ ዘለዉን ኢዩ። ታራኽ እቶም ሕድሮም ዘጽንዑ፡ ኣብ ሃገር ጸኒዖም፡ ብቑጠባዊ ሓርነት ዝደልደለትን፡ መጻኢ ወለዶታት ብኽብሪን ማዕርነትን ዝነብረላ ሃገር ንምህናጽ ለይትን መዓልትን ዝሰርሑ ዘለዉን።

እቶም ዓማጽያንን፡ ደፈንቲ ሓቂን፡ ዘየለ ንህዝቢ ንምትላል ዝጸሓፍን፡ ኣብ ኣኼባታት ንናይ ኣብ ደገ ዘለዉ ዜጋታት ንምኽሳብን ንምትላልን ዝደጋገመን'ዩ እናበሉ፡ ንዝረአ ዝጥራጠሩን ዘነኣእሱን ኣለዉ። እቶም ዝኾነ ጽቡቅ ዘየሐጉሶም ዝበሉ ይበሉ በብመንገድና ስለንከታተሎ ግን ኣይገርምን ኢዩ። ብርግጽ ኣብ ባይታ ግን ነቲ ጸላእቲ ኤርትራን ሓሳዳትን ዝብልዎ ዘፍሽልን፡ ብኣንጻሩ ነቲ ክርእይዎን ክሰምዕዎን ዘይደልዩ ሓቅታት ዘረጋግጹ ጭብጥታት ንርኢ ኣሎና። ካልእ ከኣ ኣብግዜኡ ክስዕብ ኢዩ፡ ናይ መጨረሻ ዕላማ ኢቲ ክሃስስ ዝድለ ዘሎ ታሪኽ ንሱን ከምኡን ንምግባርዩ ነይሩ'ሞ። ማህበራዊ ፍትሒ ምንጋስ!!!!!

Image result for EPLF fighters photosብርግጽ ሕጽረታት የለን ዝብል ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ሕጽረታት ግን ይትረፍዶ ኣብዛ ሓዳስን ጀማሪትን ሃገር ኣብ ካልእ'ውን ብዙሕ ንርእ ኣሎና። ኲናት፡ እገዳ፡ ጥልመትን እንተተወሲኽዎ ድማ ይገድድ። ብዓቕሚ ኤርትራዊ ዘይፍወስን ዘይስገርን ግን ኣይኮነን። ናብቶም ቀደም ዘጥፍኡናን፡ ንኽንበታተን መታን ክንጸድፍን ክሳብቲ ግምግም ገደል ከብጽሑና ከም ዓይነ-ስዉራን ቅድሚት ተሰሪዕም እንዳመርሑናን ሱቕ ኢልና ሃው ከይንብል ምጥንቃቕ ከድልየና ኢዩ። ከም ንደርሆ ኣፋስካ ዝተሳሕለ ካራ ከዊልካ፡ ጥረምረ ነስኒስካ ናብ መድፈንያ ከይከውን ብኣጋ ተገንዝብና፡ ኣብታ ዋላ ቀደምና ደይብና ከምናይ ትማሊና ከነቋምት ይግባእ። በዚ ንዕዘቦ ዘሎናን፡ በቲ እዞም ጠላማት ዝገብርዎ ዘለው ግን ብገርህናን ሓለይቲ መሲሎምን ነቶም ደመኛታት ጸላእትና ከይስተበሃልና ኣብ ኣፋፊት ገዛና ኣብጺሖም እምቡሕ ክብሉና'ዩ ተስፈኦም። ከምኡ ክሳብ ዝገብሩ ከምዘይምልከተካን እንታይገደሰኒ ምባልን ግን ሓላፍነትካን ሕደርኻን ምዝንጋዕ ኢዩ። ንረዳዳእ'ዶለና ደ'ቀሺ???

Image result for EPLF fighters photosመንግስቲ ይሕንጽጽን ይትልምን፡ ክዉን ንምግባሩን ንምዕዋቱን ከኣ ጻዕሪ ኩሉ ዜጋ ይሓትት። ምኽንያቱ ኣብ ግብሪ ዘውዕል እቲ ሓፋሽ ብዘይቀልዓለምን ብንጽህናን እንተኣገልግሉን፡ ሰሪሑን ኢዩ። ምጥፍፋእን ስርቅን እንተሳዕሪሩ ግን ዘይሕሰብ ኢዩ። ከምኡ ከይከውን ምክትታሉን ምትሕብባርን ስራሕ ህዝቢ ኢዩ። ህዝቢ ግቡእን ቅኑዕን ኣገልግሎት ክረክብን ክስእንን ወሳኒ ተራ ክጻወት ይኽእል ኢዩ። ባዕልኻ ኣልምድካን ኣጋጊኻን፡ ብማዕጾ ከይትኣቱ ሪጋኻ ክትዘልል ብሕጓ ከእትዉኻ ሓባቢልካን ኣደናጊርካን ማለት ፈቲኻ ህብካን፡ ተመሊስካ ከሳሲን ኣጸላሚን ክትከውን መልክዕ የብሉን። ሰለዚ ዝተተኸለ መንግስቲ ህዝባዊ ሰርዓት ክኽውን ሕጋዊ ኣካዪዳን ቅንዕናን ምስ ነዘውትር ኢና። ናይ ኩሉ ሓላፍነት ከኣ ኢዩ።

Image result for EPLF fighters photosቁሩብ'ዶ ሃውቲተ። ናብቲ ቀንዲ ዛዓባ ንምምላስ ህዝብ ብጉልበቱ፡ ብንዋቱ፡ ብጥርይቱ፡ ብደቁ፡ ብነብሱ፡ ብእምነቱ፡ ባህሉ ኮታ ኩሉ ዝካኣሎ ከፊሉ'ዩ ታሪኽ ሰሪሑ። ነቲ ታሪኽ ንምስራሕ ብዙሕ መሰናኽላትን ጸገምን ተጻዊሩን በዲሁን። ንእግረ-መግዱ ብሓሳብን ፖለቲካዊ እምነቱን ተፋላሊዩ፡ ብምድሕርሓርን ብምግስጋስን ተዋናጂሉን ተኻሲሱን፡ ንእምነቱን ብእምነቱን ተጠራጢሩ። ተኻቲዑ፡ ተሓራሪቁ፡ ተፈኻኺሩ፡ ተጸራሪፉ፡ ተጠቓቒኑን ተጸላሊሙን፡ ተጨዋውዩ፡ ተሓናኒቑ፡ ኣብ ወስታን ትንዕን በጺሑ፡ ተባኢሱ፡ ኣብ ገለ እዋን ድማ ደም ተፋሲሱ። ምናልባት ኣሰራቱ ከይከውን ክሳብ ሎሚ ፈኸም ዝብል ዘሎ፡ ልቢ ገለ ሰባት ኣትሪሩ ዘሎን።

እዚ ኹሉ ግን ዓለምና ርእያቶን ሰሚዓቶን ዘይትፈልጥን ኣባና ዝተጀመረ ወይ ኣባና ዝተወደኤን ኣይኮነን። ሽዕኡ ከም ሎሚ እታ ዓለምና ዝሓልፈቶን፡ ገለ ድማ ከማና ገና ኣብቲ ጒዕዞ ዝነበሩን፡ ግድን ክሕለፍ ዝነበሮን መስርሕ ናይ ፖለቲካ ኢዩ።

እቲ ዘጋጠመ ዕንቅፋታት ኩሉ ንክብርን ንስለ ናጽነትን ዝተገብረ ወይ ክሕለፍ ዝነበሮ መስርሕ ምዕባለ ደቂሰባት ስለዝነበረ ግን ምስ ናጽነት ከብቅዕ፡ ክውዳእ ምተገበኦ፡፡ ምክንያቱ ብናጽነት ስለዝተደበስና ከሉ ዝሓለፈ ይረሳዕ ተባሂሉ ነይሩ። ኣቱም ሰባት ከብቅዐ፡ ክውዳእ ነይርዎ። ገርሂ'ዶ መሲለ። ግን ኣይተወደአን። ምኽንያቱ ንሕና መንእስያትን ገርህታትን ኣንኮሎና፡ ኪኖ ናጽነት ንረብሐኦም ዘማዕድዉን፡ መገዲ ዝምድምዱን ክነብሩ ግድን ነይሩ። ሽዕኡ እቲ መንገዲ ምጽራጋ ብስዉርን፡ ብሰላሕታን ሕሽዂታን፡ እንተይሩ ሎሚ ግን እነሆለ ካብ ማዕዶ ብዓውታን ብግልጽን ኮይኑ። ግርም መሕብኢ ግዝያዊ ብዓቲ ስለዝተረኽበ ጥልመት በዚሑ፡ ዝገበርካ ጌርካ፡ ዝበደልካ በዲልካ፡ ዘሚትካ፡ ስግር ናብ ወያነ ኮይኑ። ግርም ግዝያዊ መሸጎጢ!

ኣብቲ ግዜ ገድሊ እቲ ጸገምን ፍልልይን ብስም 'ዲሞክራስን ስነሓሳብን' ተሽፊኑ ስለዝነበረ፡ ኪነው እቲ ቀሊል ዝመስል ሱር ዘለዎ ምንባሮም ብዙሕ ነስተባህል ኣይነበርናን። እዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና እምብኣር እቲ ሽዑ ዝተጠጀኤን፡ ምጥዓም ክስእኖም ከኣ ተደጒሎም ዝነበሩን ዝፍጽምዎ ዘለው ኢዮም። እሞ ሕነ ንምፍዳይን ንህልኽን እቶም ዓቕሚ ዘይብሎም በቶም ዓቕሚ ዘለዎም ጌሮም ክጽዪቑ ንዕዘብ ኣሎና። እሞ ነዞም ህልዋት ክትረክብ ታሪኽ'ቶም ጀጋኑ ክድምሰስን ክኽለስን ትም ኢልናዶ ንተዓዘብ ዋላስ ያዕ ንበል። መልሱ ፍሉጥ ኢዩ።

Image result for EPLF fighters photosእቲ ታሪኽኩምን ታሪኽ ጀጋኑ ኣሕዋትኩም 'ብኣለና' ዝብሉ ኣጠንቆልትን መደናገርትን ተጠሊሙ ኣሎ። ዘገርም ከኣ 'ተጣበቕቲ ንሰብኣዊ መሰል' ብዝብል ጥበብ፡ ግን ክንኡ ዝሳገር ንሕጂ ሽፉንን ድንግርግር ብዝበለ ምኽኒትን ተኸዊሎም፡ የደናግሩናን ኣለዉ። ሕንፍሽፍሽ ከእትዉልና ዘይሃቀንዎ ነገረ የለን። ምዃን ድኣ ኣብይዎም፡ ገና ዘዘንቀልዎ ክፍእት ስለዝፈሽል ከኣ ኣይክሰልጦምን ኢዩ እምበር፡ ምስቲ ትማሊ ናጽነትና ክምንጥለና ዝሃቀነን፡ ሕብሪ ዓይንኹም ደስ ኣይበለናን፡ እናበሉ ህዝብና ክዳኖም ክለብሱ'ኳ ዕድል ከይሃቡ፡ ብብጃምኦም ካብ ዓራቶም ብከውታ ለይቲ ምስ ዝጓሓፉን፡ ገና ኣብ መሬትና ዝዕንድር ምስዘሎ ስርዓት፡ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ብጋህድ ይሰርሑ ምህላዎም ኩልትና ንዕዘቦ ዘሎና ኢዩ።

ምስ ጸላእቲ ሃገር፡ ሓንቲ መተርኣስ ተኻፊሎም ምስዝደቀሱን፡ ኣብ ሕንትሽቱሾም ኣትዮም ሕግብግብ ክብሉ ከመይ ኣገናዕ ትብልዎም። ተሪፍኩም፡ ኣርክቡ፡ ሳዓቡና ክትብሉናን ከኣ ዘደንጹ ኢዩ። ንሶም ንዕላማኦምን ውልቃዊ ረብሐኦምን፡ ገሊእትኩም 'ብዘይፍላጥ' እጣቓዕትን ኣሳሰይትን ኮይንኩም፡ ታሪኽን ምስልን ሃገር ክትብልሉ ስቕ በሉ ክትብሉና ከኣ ኣዝዩ ዘገርም ኢዩ።
Image result for EPLF fighters photos
ስለዚ ነቲ ትማሊ ጸልማት ዘውገሐ ረስዕዎ እንተበሉናን ምዓት 'ጠላማትን ሓሳዳትን' እንተረስዕዎን፡ ዜግነቶም ሸይጦም፡ ካብ መቐለን ኣዲስኣበባን ተተኣዚዞም ብዝመርሑና መላገጽን መደያይቦ ናብ ስልጣንን ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ይግባእ። እቶም ታሪኽ ዘህስሱን፡ ዝኽልሱን፡ ዝድምስሱን ዘለው ዝገርመኩምን ከይትግርሁን ካብ ኩሉዮም ዘለዉ። ብትውልዲ ወይ ብዜግነት። ታርኽና ንምድምሳስ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ውሑድ ካብቲ ብዙሕ ሜላታት ከኣ ብርእይቶይ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።

ዓወት ንሓፋሽ
ኣብ ዝቕጽል የረኽበና
መኮነን ዓንተራይ ( Mekonen Anteray)
 
Received on Mon Aug 10 2015 - 11:10:23 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved