ECSS-Online.com: መልሲ ንፈኸራታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 9 Aug 2015 16:32:16 +0200

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ነሓሰ 9, 2015

መልሲ ንፈኸራታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ’ቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣዊ ሽግራት ሃገሩ ንምህዳምን ንዓማጽን ኣስፋሕፋሒን ፖሊሲኡ ንምንጽብራቕን ብ7 ሓምለ 2015 ኣብ ኣኼባ ፕርላማ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝቀንዐ ናይ ምፍርራሕን ፈኸራን መደረ ኣስሚዑ። ነዚ ንኤርትራ ከም መኸወሊ ሽግራት ኢትዮጵያ ክትኮኖ ዝመረጻን ከም ወኪል ንጎይቶቱ ንምዕጋብን ዘስምዖ ፈኸራ፡ ቅድሚ ምምላስና ግን፡ ነቲ ፈረንሳዊ ጽሓፍን ተመራማርን ብዛዕባ ስነ-ኣእምራዊ ኩነታት ሃይለማርያምን ውሽጣዊ ሽግራት ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ዘቅረቦ ጽሑፍ፡ ከምኡ ድማ ምስራዊ ጽሓፊ ብዛዕባ ዞባዊ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ዘቅረቦ ትንተናን ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ።


Received on Sun Aug 09 2015 - 10:32:18 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved