ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጉዳይ ሃገር ዋጋ ዕዳጋ ዘይገብር ሓያል ውድብ'ዩ "ኣቶ የማነ ገብረኣብ" ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን....

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 6 Aug 2015 11:00:08 +0100

 ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኤርትራውያን
ነበርቲ ሃገራት ስካንድናቪያ ኣብ ዘካየዶ ንህልዉ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዝምልከት ሰሚናር፡ ተጻብኦታት ብግዜኦም
ዘብቅዑ ምዃኖም፡ ብዓቕልን ጽንዓትን ድማ ውሕስትን ክብርትን ሃገር ክትሃንጽ ከም ዝከኣል ብምጥቃስ፡ እቲ ዝዓበየ መኸተ
ህዝቢ ኤርትራ፡ ሞያውን ሰባውን ዓቕሚ ምዕባይ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣቶ የማነ፡ ምስ ካብ ኩለን ከተማታት ስካንድናቪያ
ዝተወከሉ መንእሰያት ኣባላት ህግደፍ ኣብ ዝገበሮ ንትርጒም ምሕያል ህዝባዊ ግንባር ዝምልከት ርክብ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ
ጉዳይ ሃገር ዋጋ ዕዳጋ ዘይገብርን ንጹር ራኢ ሒዙ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ዝጽዕር ዘሎን ሓያል ውድብ ምዃኑ ብሰፊሑ
ኣረዲኡን ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱን። እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚስተር ሚሸል ኮሎን ዝተባህለ ቤልጁማዊ፡ ”መትከላት
ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናትን ምውዳብ ህዝባዊ መኸተን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣስተምህሮ ከም ዝሃበ፡ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብ
ስቶክሆልም ሓቢሮም። ኣብቲ ዕለት፡ ”ዋጋ ኤርትራዊ መንነት” ዘርእስታ ድራማን ካልእ ባህላዊ መደባትን ክቐርብ እንከሎ፡
ስነ-ጥበበኛታት ዮናስ ማይናስን ተኽለ ክላውንን ብዝተፈላለየ ውድድራትን ኣዘናጋዒ መደባትን፡ ንቁሸት ሓደ-ልቢ ዝያዳ
ከምዘማዕረግዋ፡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።
ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/




0mJ4sPBDOadj.jpg
(image/jpeg attachment: 0mJ4sPBDOadj.jpg)

Received on Thu Aug 06 2015 - 06:00:08 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved