ብምኒስትሪ መራከቢታት ኢንፎርመሽን ኢትዬጱያን ብኣሜሪካ ትካላት ጥፍኣትን ብስም ኤርትራዊያን ኣብ ወጻኢ ዝቆማ መርበባት ሓበሬታን ትካላትን ኣበይ ኣበላ? “ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን”..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 3 Aug 2015 17:58:23 +0100



“ኣቦታት ክምስሉ ንክፍኣት ዝተዓደለ ኣእምሮ ንተንኮል መዘና የብሉን ይብሉ” 1 ነሓሰ 2015 ኤርትራ ደሴት ስላምን
ትችዓተ ብሔራታ ከም ሓደ ዝነብሩላን ዝሓስቡላን ልዕሊ ኩሉ ካብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነት ካብ መላእ ዓለምና ስላማ
ዘውሓሰት ካብ መራሕቲ ስጋብ ተራ ሕዝቢ ብዘይ ፍርሒ ዝነብረላ ሃገር ሰላምን ፍትሕን፤ ሓድነትን ምኳና፤ ሕዝቢ ኤርትራ
ዳግማይ ንማሕበረሰብ ዓለም ብግብሪ ዘርኣየሉ ታሪካውን ንውሉድ ዎሎዶታት ብሕዝቢ ኤርትራን ብህዝቢ ኣፍሪቃን ብሓበን እና
ተዘከረት እንነብር ዕለትያ።

ኤርትራ ኣብዚ ብዘይ ተኣደነ ጠቀነን መሰናክላትን ትሓልፍሉ ዘላ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ብ 1 ነሓሰ 2015 ነቶም ኣብ
ውዽዽር ብሽክሌታ ብደረጃ ዓለም ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ዝተሳተፍን ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ታሪክ ስም ሃገሮም ኤርትራን ስም
መላእ ኣፍሪቃ ሰማይ የዕሪጐም ታሪክ ዘመዝገቡ እሙናትን ቡሉጻት ደቁ፤ ንሃብሮማት ተቀዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን
መርሃዊ ቅዱስን፤ ኣብ ታሪክ ኤርትራ ኣብ እዋን ናጽነት 1991 ጥራይ መወዳድርቲ ብዝርከቦ ክትኣምኖ ዘጸግም ካብ መራሒ
ሃገርን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፤ መራሕቲ ሃይማኖት ብሓፍሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክትኣምኖ ዘጸግም መን’ዩ መራሒ
መን’ዩ ተመራሒ ከተለሊየሉ ብዘይኣል ጽቅጥቅጥ፤ጀጋኑና ኮሪዕኩም ኣኩዕኩሙና፤ሃገርኩም ኣብ መድረክ ዓለም ክብረት ሰሊምኩማ
ኢኩም እሞ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም፤ሰማእታትኩም ኣቅሲኩም ኢኩም ቅሳነት ይሃኩም ብምባል ንደቁ ሉዑል ኣቀባብላ ዝገበረሉ
ንደለይቲ እከይ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐቦ ሓቂ ዘራጸመሉ፤ ብዘይ’ካ ነቶም እንፈልጦም ሓሹላት፤ ንማሕበረሰብ ዓለም ክትሓብኦ
ዘይካኣል ረዚን መልእክቲ ዘመሓላለፍሉ ዕለትዩ ነይሩ።
እዚ ነተን ብሕዝቢ ዓለም ዝተፈንፈና ብዋጋ ክብሪ ሓደ ሕዝብን ሃገርን ንፓለቲዊ ኣጀንዳ ንከተብራ ናብ ነጋዶ ዝተቀየራ
ካብ ሜዲያዊ ዕማም ናብ ገደል ማሚቱ ዝተቀየራ መራከቢ ቡዙሓን ሓያላን ሃገራት ዓቢ ሕፈረት ዘጐልበበ፤ ንውድብ ሕቡራት
ሃገራትን ባይቶ ጸጥትኡን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዝቀርብ ናይ ፈጠራ ክስታት ብግብሪ ዘበርዓነ፤ ኣብ ዘመተ ሓሶት
ንዝተዋፈሩ ደቂ ሃገርን ወጻእተኛታትን ርእሶም ዘድነነ ኣጋጣሚ’ዩ።

ብፍላይ እተን ብምኒስትሪ መራከቢታት ኢንፎርመሽን ኢትዬጱያ ብናይ ኣሜሪካ ትካላት ጥፍኣትን ብስም ኤርትራዊያን ኣብ ወጻኢ
ዝቆማ ማዕከን ሓሶት ዝኮና መርበባት ሓበሬታ ዓዋተ፤መስከረም፤ኣሰና፤ኣዝማሪኖን ወዘተ፤ ብዘይካ’ዚ ብስም ተጣበቅቲ ሰብኣዊ
መሰላት ዝቆማ ትካላት፤ ብምኒስትሪ መራከቢታት ኢንፎርመሽን ኢትዬጱያ ብናይ ኣሜሪካ ትካላት ጥፍኣትን ኣብዚ ጉዳይ
ጠልቀፍቀፍ ከይብሉ ስለ ዝተነግሮም ብዛዕባ እቶም ህዝቢ ኤርትራ ምንባሮም ውን ዝረሰዖም ጋንታ ኩዕሶ እግሪን ካልኦትን
ተፈቲኖም ናይ ዝወደቁን መዛግብ ክግንጽሉ ኢና ተዓዚብና።

በቲ ይኩን በቲ ግን እቲ ብዕለት1 ነሓሰ 2015 ኣብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ዝተራእየ ሓጐስን ሓበንን ሕጸ
ድኣምበር ጌና መርዓሎ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ህዝቡን መንግስቱን መሪሕ ግንባሩ
ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራሲያዊን ፍትሕን ብምኳን ለይትን ቀትርን ከይበለ ኣብ ኩሉ ሃገር ትጠልቦ መከተ መሳርዑ ከይቆረጸ
ብግዚያዊ ጸገማት ከይተረበሸ ብሓያል ትኩርነት ክሰርሕ ስለ ዝጸንሓ ዝዘርኦ ዝዓጽደሉ፤ ኤርትራ ሙሉእ ብሙእ ዜጋታታ
ሙዑሩይ ማሕበራዊ ኣገልሎት ዝረክብሉ፤ ፓለካዊ ተሳታፍነቶም ዘረጋግጽሉ፤ ህዝባዊ ግንባር ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን
ፍትሕን ዝተቃለሰሉ ዕላማ ንመጻኢ ዎሎዶታት ብዘቅስን ኣገባብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምስ ኩሉ መደባት ህንጸትን ልምዓትን
ምክልካልን ኣጣሚሩ ክሰርሓሉ ስለ ዝጸንሓ ብዘደንቅ ኣገባብ ዓለም ኣባይታ ክትሪኦ ሙኳናን ኩሎም ገበርቲ እከይ ስም
ኤርትራ ዳግማይ ከልዕሉሉ ብዘይ ክእሉ ኣገባብ ኣፎም ዝልጐመሉ ናይ ዓመታት ሕቶ ዘይኮነ ኣብ ቀረባና’ዩ ዘሎ፤1 ነሓሰ
2015 ድማ ምስ ዓወት ደቃ ጸንቢራ ነዚያ ኣበሲራ።
ኣብ መወዳእታ ኤርትራዊን መንእሰያት ኣብ ዝሃለው ይሃልው ምእንቲ ክብረት ሕዝብካን ሃገርካን ኣበርዕካ ምስራሕ ጻሙኡ
ክብረት ምኳኑ ተገንዚቦም ብታሪክ ዝጉሓፎም ከይተደናገሩ ንሃገሮምን ሕዝቦምን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ።

ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን

03/08/2015

ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/


jpg101.png
(image/png attachment: jpg101.png)

Received on Mon Aug 03 2015 - 12:58:24 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved