ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ፈንቅል፡ ላንደን፡ ዓባይ ብሪጣንያ 7 ነሓሰ 2015….

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 2 Aug 2015 17:32:46 +0100

ሰላማዊ ሰልፊ ፈንቅል፡ ላንደን፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደን፡ ኣብ ትሕቲ ፈንቅል ዝብል ጭርሖ፡
መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጀነቫ ብዕለት 22 ሰነ 2015 ዝተኻየደ፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘሳተፈ ሰፊሕን
ዕዉትን ሰላማዊ ሰልፊ ኮይኑ፡ ብዕለት 26 ሰነ ብውሑዳት ብጾት ኣብ ለንደን ጀሚሩ፡ ስጋብ ሎሚ ለይቲ ኮነ መዓልቲ ብዘይ
ምቁራጽ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዴቪድ ካመሮን ይቕጽል ኣሎ፡፡

ዕላማ ናይዚ መኸተ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታትን (UN Security Council፡ ከም
ቀንዲ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ከም ዓባይን ጸላዊት ሃገር ኣብ ዓለምናን መጠን፡ ነዘን ሰለስተ ጠለባትና ኣብ ግብሪ
ንምውዓል ክትሰርሕ ንምጽዋዕ እዩ።

1. ናይ 2002፡ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ብይን ኮምሽን ዶብ ተተግቢሩ፡ ተጎቢጡ ዘሎ ልኡላዊ መሬትና ናባና ናብ
ዋናታቱ ክምለስ።

2. ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሲዶም ዘለዉ ዘይሕጋውያንን ዘይፍትሓውያንን እገዳታት 1907ን፡ 2023ን ብቕጽበት፡ ብዘይ
ውዓል ሕደር ክለዓሉ።

3. ብመርማሪት ኮምሽን (COIE) ኣብ ኤርትራ ዝፍለጥ: ኣብ ዘስፈሮ ዝተፈብረኸ ናይ ሓሶት ጸብጻቡ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርና
መራሕትናን ሓይሊታት ምክልኻል ኤርትራን ዝቕንዐ መሰረተ ኣልቦ ጠቐነታት ክንጸግ፡ ዝብሉ እዮም። ብዓርቢ ዕለት
03.07.2015፡ ኣብ ውሽጢ ቁሩብ መዓልታት ዝተዳለወ፡ ሰፊሕ ቀዳማይ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ምንባሩ ዝዝከር
እዩ። ኣብቲ መዓልቲ ዝተሳተፉ ሃገራውያን ብዘሕለፍዎ ውሳነ መሰረት ከኣ፡ ከምቲ ናይቲ መዓልቲ’ቲ ዝመሰለ ናይ ሓፋሽ
ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ኣብታ ቀዳመይቲ ዓርቢ ናይ ነፍስወከፍ መጻኢት ወርሒ፡ ብቐጻሊ ክካየድ ተወሲኑ።

ስለዚ ናይ ዝመጽእ ወርሒ ካልኣይ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንዕለት 07.08.2015 ኣብ ቅድሚ ዳውኒንግ ስትሪት ለንደን ክካየድ
ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ እንዳሓበርና፡ ተሳታፍነት ናይ ኩሉ ሃገራዊ ብትሕትና ንጽውዕ። ብተወሳኺ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት
ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ተመሳሳሊን ቀጻሊን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ጻውዒትና ብትሕትና ነቕርብ።

ከምቲ ንነጻነትናን፡ ንኽብሪ ልኡላውነትና መስዋእቲ ዝኸፈልና፡ ሕጂውን ንኽብርናን ንሰብኣዊ መሰላትናን፡ ዓቕምና ብዘፍቅዶ
መንገዲ ኩሉ ክንምክት ተበጊስና ኣሎና። እንጽበዮ ከኣ ናይ ቃላት መልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ግብራዊ ውጽኢት ስጋብ ንረክብ
መኸተና ቀጻሊ ምዃኑ ንሕብር። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!! ዓወት ንሓፋሽ !!! ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ
ፈንቅል፡ ለንደን 01.08.2015


​ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/


2181859VGFTomx0.jpg
(image/jpeg attachment: 2181859VGFTomx0.jpg)

Received on Sun Aug 02 2015 - 12:32:46 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved