ዳንኤል ኣብ ቱር ደ ፈራንስ ኣንበሳ ዓቀብ ብምኳን ዝወደያ ማሊያ ንክብሪ ኩቡር ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣበርኪትዋ፤ ንፕረዚደንት ኢሰያስ ድማ ኣረኪብዎ “ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን”…

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 1 Aug 2015 13:35:18 +0100

ካብ 4 ክሳብ 26 ሓምለ 2015 ዝተኻየደ መበል 102 ርእሰ ኩሉ ውድድራት ቅዽም ብሽክለታ ዓለም ፡ቱር ደ ፍራንስ፡
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ሓድሽ ታሪኽ ዝጸሓፉሉን ሓበን ሃገሮምን ኣፍሪቃን ምዃኖም
ኣመስኪሮም ሎሚ 1 ነሓሰ 2015 ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፍርቲ ኣስመራ ኣብ ዝአተውሉ ብላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን፤
ሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ፤ ኣፍቀርቲ ስፓርን ፤ ንድኻሞም ጻዕሮምን ዓወቶምን ዝበቅዕ ኣቀባብላ
ዝገበርሎም ክኮኑ ከለው ህዝቢ ከተማ ኣስመራን ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ሃገርና ዝመጹ ኣፍቀርቲ ስፓርን ካብ ኣብ ኣህጉራዊ
መዕርፎ ነፍርቲ ኣስመራ ስጋብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ጐደናታት ብምውጻእ ሉዑል ኣቀባብላ ከም ዝገበረሎምን ኣብ ቲ
ዝቀጸለ ርክብ ምስ ንኩቡር ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፎርቂ ድማ ፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተሰመዖ ሓጐስ ድሕሪ ምግላጽ፡ ተረኪቡ
ዘሎ ዓወት ክዕቀብን ዘድሊ ኩሉ ክግበር ከም ዝግባእን ድሕሪ ደጊም ተቀዳደምትና ብደረጃ ኣፉሪቃ ዘይኮነ ብደረጃ ዓለም
ካብ ቀዳማይ ስጋብ ሳልሳይ ተርታ ክቆጻጸርዎ ኣለዎም፡ ኣብ ዚ ደረጃ ንምብጻሕ ብዕቱብ ክስርሓሉን ዘይተፈተሸ ዘሎ ዕቁር
ዓቅሚ ተፈቲሹ ክወጽእ ኣዘካኪሩ።

ኮምሽን ኮምሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣቶ ዘመደ ተክለ ንኩቡር ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፎርቂ ንሃብሮማት ተቀዳደምቲ
ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ዝገበረሎም ምትብባዕን ካብ ምፍዎም ስጋብ ምቅባሎም ንዝገበረሎም ምክትታል ድሕሪ
ምምስጋን ኮምሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ንተረኪቡ ዘሎ ዓወታት ኣብ ምዕቃብን ሓደስቲ ተቀዳደምቲ ኣብ ምምልማል
ኣበርቲዑ ክሰርሕ ሙኳኑ ኣረጋጊጹ።
ብድሕሪ’ዚ ዳንኤል ኣብ ቱር ደ ፈራንስ ኣንበሳ ዓቀብ ብምኳን ዝወደያ ማሊያ ንክብሪ ኩቡር ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፎርቂ
ኣበርኪትዋ ንፕረዚደንት ኢሰያስ ድማ ኣረኪብዎ ብሓቂ ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ ዝብሉኩም ከምዚ'ዩ ።
“ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን"
https://adalvoice.wordpress.com/





qK0Ii5EO8N7W.png
(image/png attachment: qK0Ii5EO8N7W.png)

Received on Sat Aug 01 2015 - 08:35:19 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved