Tesfanews.net: ሰብ ቶሮንቶ፡ “ዘምሰናዮ ጓይላ ሓሪፍ” ካብ ምባል . . .

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 19 Apr 2015 16:10:49 +0200

ሰብ ቶሮንቶ፡ “ዘምሰናዮ ጓይላ ሓሪፍ” ካብ ምባል . . .

ጸሃየ ዮውሃንስ መን እዩ? ሰላም ባንድ`ኸ? እዞም ትማሊ ትማሊ ስመር`ዶ ዓርቢ ሓርነት`ዶ እንዳበሉ ብሽም ስነ ጥበባብውያን ንኤርትራዊ መንነት ብውክልና ዘቆናጸቡን፡ ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ነንሕድሕድና ከናኹስናን ከገራጭውናን ናይ ዝነቐሉ ኣብ ትሕቲ “ስመር ሕቖ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክስበር” ዝብል ውዳበ ናይ ዝተወደቡ ዕሱባት ሙዚቃን ሳዕሲዒትን ምስታፍ . . . ? ? ?
(ስዕሊ፡ ፌስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶ)

ሰሎሞን “ፎሮብያ” (ቶሮንቶ)፡

19 April 2015.

ዘሎናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዓለም ኣብ ሓንቲ ዓንኬል ብሓንቲ ደቒቕን ካልኢትን ብረቂቕ መርበባዊ ተክኖሎጂን ስነ ሓሳብን ካብ ምብራቕ ንምዕራብ ካብ ሰሜን ንደቡብ ትራኸበሉ ዘላ እዋን በጺሕና ስለዘለና፡ ሕቡእ ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኪቃላዕን ጉሑድ ኣብ ዝኾነሉ እዋና፡  ሕሱር ታሪኽ ዝጐሓፎም ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ውልቀሰባትን ምስ ብዙሕ ኢትዮጵያውያን ብስም ኤርትራውያን ተጠቂሞም ነቲ ክበጽሕዎ ደልዮም ዘለው ዕላማ እንተ ኮይንሎም ደይ መደይ ኢልካ ሃገርን ህዝብን ምክፍፋልን ምዕናውን ሓድነት ምብትታኽን እምነት ምጕዳልን ምጥርጣርን ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ ጥፈሻን ሕሱር መድረኽ ረጊጽዎ ዝሓለፈ ኣረጊት ስነሓሳብ ንምትግባር ጥልዕ ጕንብሕ ክብሉ ንርእዮም ኣሎና።

እዞም መጋበርያ ጸላኢ ዝኾኑ ነቲ ከም ዓረ ዝተረረ ኤርትራውነትን ሓድነትን መልክዑ ንምቕያር ዝተላእኩ ወይጦታትን ሃሱሳትን ተመሊሶም እንተኾነልና ነቲ ጥሙሕ ዝኾነ ናይ መግዛእቲ ኣተሓሳስባ ደጊም ንምትግባርን ብዝተፈላለየ መልኽዕ ጻሕቲሮም ከበራብሩ ዝሓስቡ ኣብ ውሽጥና ሳዕሪሮም ስለዚርከቡ ብሌን ዓይንና ብሰፊሑ ከፊትና ተግባራቶም ክነስተብህልን ክነፍሽልን ይግባእ።

ነዚ እከይ ተግባራቶም፡ ንምብርባር ምችእቲ ቦታ ወይ ከተማ ኮይና ዝረኸቡዋ፡ ቶሮንቶ ስለዝኾነት፡ ካብ መጀመርታ 2015 ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ ኮማዊ ማሕበረተሰብና፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ኤርትራውያን ውዳቤታትን ነቓዓት ረኺቦም ብምእታው ንሓድነትና ከዳኽሙ ተበጊሶም ኣለው።

ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ቅነ፡ ክልተ ዓበይቲ ኣንጻር ሓድነት ኤርትራውያን ዘቕነዐ ብኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝተጠንሰሰ፡ ዕላምኡ፡ ነቲ ብሰላምን ብፍቕርን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ፍቕሩን ስኒቱን ንምብትታን ሰላሕታዊ ኵናት ብምኽንያት ስነ-ጥበብ ኪካየድ ኣብ ምድላው ኣሎ።

መብዝሓትና ከምንዝክሮ፡ ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት፡ ብዑስማን ዓብደረሒም ዝተዳለው ሙዚቃ፡ ቅኒት ኤርትራውነት ሓዚሉን ብምኽንያት ምትእትታው 2015 ጎስጓስ ተገይሩ፡ መብዝሓትኡ ኤርትራዊ ብድሕሪ እቲ መጋርጃ ስነ-ጥበባዊ ትልሂት ከይተረድኦ፡ ናብቲ ኣደራሽ ዝወሓዘ መንእሰይ ወለዶ ውሑድ ኣይነበረን። ኣብቲ ውሽጢ ዝተረኣየን ዝተሰምዐን ጉድ ግን፡ እቶም $30 ከፊሎም ዝኣተው ጣዕሳ ኮይኑዎም ኣሎ።

ሎሚ ከኣ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ኤርትራውያን ዘይኮነ ከም ኢትዮጵያውያን ገይሩ መዓልታዊ ዝጭድር፡ ብስነ-ጥበባዊ ክእለቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሕልሚ እንተዘይኮይኑ፡ ብኣካልን መንፈስን ግን ምስ ወላዲት ሃገሮም ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ኣብ ዝተፈላለየ ቃል-ምሕተት ከንጸባርቕ ዝፈተነ፡ ኤርትራዊ ክንሱ፡ ብ“ኢትዮጵያውነቱ” ዝኣምን ጸሃየ ዮውሃንስ፡ ኣብ ቶሮንቶ ምርኢት ከቕርብ ስእልታቱ ኣብ ኩሉ ቦታ ተጠቒዑ ይርአ። ጸሃየ ዮውሃንስ ኣብ ቶሮንቶ መጺኡ ምርኢት ከርእይ፡ መሰሉ እኳ እንተኾነ፡ መሰል ህዝቢ ኤርትራን ድሌት ህዝቢ ኤርትራን ግን ስለዘየኽበረ፡ ኣብ ንሱ ዘካይዶ በዓላት ምስታፍ ግን፡ ሕድሪ ሰማእታትና ምርሳእ ስለዚኾነ ሕልናና ክንፍትሽ ግድን ኢዩ።

እቲ ዝገርም ግን፡ እቲ እንኮ ዝኾነ ኤርትራዊ ስነ-ጥበባዊ ኣብ ቶሮንቶ፡ ዳንኤል ነቢያት፡ ኣብቲ መድረኽ ከሰንዮ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ዳንኤል ነቢያት፡ ወዲ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ኢዩ።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ፡ እቲ ናይ ዑስማን ዓብደርሒም ብዓል ምስ ሓለፈ፡ ነቲ ብዓል ዘዳለው፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ከምዘበልዎን ከምዚገለጽዎን ምስ “ስመር ሕቖ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክስበር” ዝብል ውድብ ዝተወደቡ ምዃኖምን፡ ድሑር ሕማም ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ሒዞም ዝብገሱ ዘለው ጉጅለ ኢዮም። ህዝቢ ቶሮንቶ (ንኤርትራውያን) ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና ክንገብሮም ኢና። ከምዚ ዓይነት ብዓላት ብምድላው፡ ህዝቢ ክንበታትኖ ኢና ክብሉ ኣብ ቤት መግብን መስተን ክዕልሉን ከተንፍሱን ተሰሚዖም ኢዮም

ሕጂ ከኣ ነዚ ናይ ጸሃየ ዮውሃንስ፡ በተን ሒደት ቃላት ትግርኛ መሊኹ ዝደርፈን ደርፍታት፡ ነቲ ካብ ከርሲ ጸላኢ ሒዝዎ ዝመጸ መደባት ንምትግባር፡ ንስነ-ጥበባዊ ዳኔኤል ነቢያት ምምራጹ ኪገርመና የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ ዓዲ ዕውራት ሓደ ዓይኑ ንጉስ ከምዚብሃል፡ ሎሚ ዳንኤል ነቢያት ህቡብ ድምጻዊ ብምዃኑ፡ ኤርትራውያን ከኣ ስለዝፈትውዎን ብነብሱ’ውን ንነዊሕ ግዜ ምስ ኢትዮጵያውያን ተጸግዑ ኣብ ትካላቶም ይደርፍ ስለዚኾነ፡ እቶም ነዚ ብዓል እዚ ክነድምቕን ፍቕሪ ሙዚቃን ሳዕሲዒትን ደሪኹና ናብቲ ኣዳራሽ ክንከይድ ንቀራረብ ዘለና፡ ደጊምና ክንሓስበሉ ይግባእ።

እቲ ካልኣይን ዘስደምምን ግን፡ ብሽም “ሰላም ባንድ” ዝብል ስም ተጠሚቖም ንተቐማጦ ከተማ ቶሮንቶ ከዘናግዑ ተቐሪቦም ዘለው ጉጅለ ኢዮም። እቲ ዘገርም ናይዞም ስነ-ጥባበውያን ዘይኮነ፡ እቶም ብድሕሪ እዞም ስነ-ጥበባውያን ዘለው ዝተሓባበርዎምን ዘማእክልዎን ኢዮም።

ሃገራውያን ክንሶም፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ሓድነት ዝኣምኑ ኰይኖም፡ ጽብቕ ዝምድና ምስ ህዝብናን መንግስትናን ዘለዎም ኢዮም። ምስ ግዜን ኩነታቱን መን መን ምዃኖም ክጥቀስ ስለዚኾነ፡ ኣስማቶም ከይጠቐስካ ብሓፈሻ ምግላጹ ይሓይሽ። ስለዚ እዞም ገንዘብ ክርከብ ተባሂሉ ነዞም ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ዝኾኑ ስነ-ጥበባውያን ዓዲምካ፡ ነቲ ብድሕሪ “ባብሎናውያን” ዘሎ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣቲኻ ሓድነቱን ንምብትታን ዝካየድ ዘሎ፡ ወፍሪ እዞም ስነ-ጥበባውያን ዘይኮኑ ተሓተቲ እቶም ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ ክወቖኡ ተቐሪቦም ዘለው ቁርዲዳት ምዃኖም ክፍልጡ ኣለዎም።

ሰላም ባንድ፡ ከም “ፓፓጋሎ” ናይ ስነጥበባዊያን ደርፊ ብምድግጋም ዝደርፉ ኮይኖም፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንስርዓት ወያነ ዘመስግኑን ን “ዓርቢ ሓርነት” ብዝምልከት ደርፊ ዝደረፉ ተጻባዕቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ጸላኢ ፖልቶካት ብውልቂ ይኹኑ ብጉጅለ፡ ንጅግንነት ዋርሳይ ዘነኣኣሱን፡ ንሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስቲዮ ዝጸረፉ ምዃኖም ክንፈልጦም ይግባእ።

ሎሚ፡ ኣቲ ትማሊ ዝገበሩዎን ዝተዛረብዎን፡ ዓሸሸ ኢሎም፡ ህዝቢ ብሙዚቃን ሳዕሲዒትን ከዘናግዕዎ’ኳ እንተተቐረቡ፡ ብድሕሪኦም ዘሎ፡ እሾኽ ኣብ ገገዛና ኣትዩ ከየድምየና ክንጥንቀቕ ኣለና። ስነ-ጥበብ ስምዒት ዝዳርኽን ዪኒቨርሳል ስለዚኾነ፡ ፖለቲካ ይኹን ሃይማኖት ዝትንክፍ ኣይመስለናን ይኸውን፡ ጓይላ ተገይሩ፡ ብፍቕሪን ስምዒትን ክንኳድድን ክንቆጻጸይን’ኳ እንተኻኣልና፡ መብዝሓትና ነቲ ካብ ኣፍ ዝወጽእ መልእኽቲ ብዘይምስትውዓል፡ ብሙዚቃ ተሰኒና፡ “ዘምሰናዮ ጓይላ ሓሪፍ” ነይሩ ምባልና ኣይተርፍን ኢዩ። እዛ “ሰላም ባንድ” ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጻር መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ጎስጓስ ዝገበረትን፡ ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ኤርትራ እምነት ዘይብሎምን፡ ኣብ መድራኾም ባንዴራ ኤርትራ ዘይጥቐሙ ጸረ-ሓድነት ዝኾኑ ስነጥበባውያን ኢዮም።

ስለዚ ክቡራት ኤርትራውያን፡ ሓድነትና ዝተናኽፍ፡ ጸላኢና ጥራሕ ስለዚኾነ፡ ነዞም ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ነንሕድሕድና ከናኹስናን ከገራጭውናን ዝነቐሉ ስነ ጥበባብውያንን መወልቶምን ዕላምኦም ክንበትኮን ሽርሖም ክንፈልጦን ይግባእ።

 
Received on Sun Apr 19 2015 - 10:10:49 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved