ECSS-Online.com: ቃለ መጠይቕ ምስ ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ ዳይረክተር ማእከል እስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ኤርትራ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 13 Apr 2015 18:42:59 +0200

ቃለ መጠይቕ ምስ ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ  ዳይረክተር ማእከል እስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ኤርትራ  

Apr 13, 2015
http://www.ecss-online.com/2013/wp-content/uploads/2015/04/ecss-interview-DrDahli-2015-1_tigriny.pdf
 
 
 

ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተ ዘፍቕድ ኣይኮነን  ባይቶ ጸጥታ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘሰከሞ ሓላፍነት ኣይፈጸመን::

ብኣጋጣሚ መበል 13 ዓመት ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ዳይረክተር ማእከል እስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ኤርትራ ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ ቃለ መጠይቕ ኣካይድና ኔርና። ዶክቶር ድሕሊ ኣብ ቃለ መጠይቑ ሕጋዊ መሰረት ውሳነ ኮምሽን ዶብን ስርዓት ወያነ ነቲ ውሳነ ንምፍራስ ዘካየዶ ዝተፈላለየ ፍሹል ፈተነታትን ብምብራህ፡ እቲ ውሳነ ንዘተ ክፉት ከምዘይኮነን ይግባይ ከምዘይብሃሎን ኣረዲኡ። ንሱ ኣስዒቡ ባይቶ ጸጥታ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ንስርዓት ኢትዮጵያ ክገጥሞ ከምዘይከኣለን ብኣንጻሩ ኣብ’ቲ “ተቆጻጻሪ ጉጀለ ሶማል ኤርትራን” ዘቅረበሉ ናይ ሓሶት ጸብጻብ ተመርኲሱ ብ23 ታሕሳስ 2009 ብቁጽሪ 1907 ዝፍለጥ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ውሳነ ኣንጻር ኤርትራ ንምሕላፍ ከምዝተጓየየን ኣነጺሩ። ኣስዒብና እምበኣር ትሕዝቶ ናይ’ቲ ቃለ መጠይቕ ነቕርበልኩም።

ሕቶ፡ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተመስረተሉ ሕጋዊ መሰረት ከመይ ዝበለ እዩ?

ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ: ነዚ ሕቶ’ዚ ቅድሚ ምምላስ፡ ነዚ ኣብ ዓለም ብዶባዊ ፍልልይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍለጥ ግጭት፡ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ኮነ ኢላ ብተሃዋኽ ዝመሃዘቶን ዘባርዓቶን እምበር ከም’ቲ ብዙሓት ሃገራትን ክኢላታትን ዝብልዎ ዶባዊ ፍልልይ ከምዘይኮነ ምንጻሩ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ብሓቂ ዶባዊ ፍልልይ እንተዝኸውን ነይሩ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሓፈሻውን ኣዕናውን ኲናት ኣይምተባርዐን ነይሩ። ምኽንያቱ ዶባዊ ፍልልይ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይኮነስ ብሓጋዊ ኣገባብ ስለዝፍታሕ። ኤርትራ ካብ’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዘየለ ፈጢሩ ኣብ ከባቢታት ዶብ ነቲ ሽግር ዝመሃዘሉ እዋን ጀሚራ ንምቁጽጻሩን ብሰላም ንምዕራፉን ዘይተቆጠበ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ጻዕሪታት ከምዘካየደት ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እንተኾነ ግን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ንጻዕሪታት ኤርትራ ብምፍሻል ኲናት ወሊዖም። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘካየድዎ ሳልሳይ ወተሃደራዊ ወራር ብዘሕፍር ኣገባብ ምስ ፈሸለን ኣብ ልዕሊ ሰራዊቶም ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ምስ ወረዶምን ንወደብ ዓሰብ ንምሓዝን ኣብ ኤርትራ ውሁብ ኩነት ንምፍጣርን ዝነበሮም እስትራተጂ ምስ በነነን ድማ’ዮም፡ ተቀሲቦም ኣብ ናይ ዘተ መኣዲ ኮፍ ክብሉን ብ18 ሰነ 2000 ኣብ ዋና ከተማ ኣልጀርስ “ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ክፍርሙን ዝተገደዱ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኢትዮጵያ፡ ብተሳትፎን ውሕስነትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከም ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኮፊ ዓናን፡ ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ነበር ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብደልዓዚዝ ብቶፍሊቃ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ነበር ዶክቶር ሳልም ኣሕመድ ሳልም፡ ሚኒስተር ጉዳያር ወጻኢ ኣሜሪካ ዝነበረት ማድሊን ኦልብራይትን ወኪል ኣቦ መንበር ሕብረት ኤውሮጳ ሴር ሪኖን ኣብ ዝተረኽብሉ ክትዛተን ብ18 ሰነ 2000 “ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ብ12 ታሕሳስ 2000 ድማ “ ስምምዕ ኣጠቃላሊ ሰላም”ክትፍርምን ተቀሲባ። እቲ ብኡኡ መሰረት ኮምሽን ምምልካት ዶብ ዝተመስረተሉ ስምምዕ ኣልጀርስ ድማ ኣብ ሓሙሽተ ቀንዲ ነጥቢታት ክጽሞቊ ይከኣል።

1- ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኲናት ደው ምባል።

2- ምቛም ኮምሽን ምምልካት ዶብ

3- ኮምሽን ምምልካት ዶብ ብመሰረት’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብ1900፡ 1902ን 1908ን ዝተኸተመ መግዛእታዊ ውዕላትን ምስ ዶብ ዝተኣሳሰር ኣህጉራዊ ሕጊን ድማ ንዶብ ክልቲአን ሃገራት ይሕንጽጽን የመልክትን። ምምልካትን ምሕንጻጽን ዶብ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝግበር ዋጋ ዕዳጋ ዘይኮነስ ብሕጋዊ መሰረት ጥራይ ይፍጸም።

4- ውሳነ ኮምሽን ዶብ ናይ መጨረስታን ቀያዲን ስለዝኾነ ከኣ ዘተን ይግባይን ዘፍቅድ ኣይኮነን።

5- ክልቲኦም ወገናት ወይ ሓደ ካብኦም በቲ ናይ መጨረስታን ቀያዲን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ምስ ዘይምእዘዝ ድማ ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ ኣንጻር’ቲ ዝነጸገ ወገን ብመሰረት ሻቡዓይ ምዕራፍ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣድላዪ ዲፕሎማሲያዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባውን ወተሃደራውን ስጉምቲታት ይወስድ።

ካብ’ቲ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ዝወጸሉ ዕለት ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ድማ ኣቦ መንበር ባይቶ ጸጥታ ዝነበረን ሕጂ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ዘሎን ሰርጂ ላቭሮብ ብ17 ሚያዝያ 2002 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ባይቶ ጸጥታ ዶባዊ ፍልልይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት’ቲ ኣብ ታሕሳስ 2000 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ብሕጋዊ ኣገባብ ምፍታሑ ሓጎስ ከምዝተሰምዖን ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ነቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ኣብ ዘሄግ ዝወጸ ናይ መጨረስታን ቀያዲን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ከም ዝድግፍዎን ባይቶ ጸጥታ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ንምትግባርን መስርሕ ሰላም ንምዕዋትን ከምዝደጋገፍን ገሊጹ ነይሩ።

ሕቶ፡ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ናይ መጨረስታን ቀያዲን’ዩ ኢልካ። ንምዃኑ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ሕጋዊ ቀያድነቱ ካበይ’ዩ ዝምንጩ?

ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ: 1- ካብ ናይ 18 ሰነ 2000ን 20 ታሕሳስ 2000ን ዝተኸተመ ስምምዓት።

2- ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ድማ ነቲ ናይ መጨረስታን ቀያዲን ዘተ ይኹን ይግባይ ወይ ምምሕያሽ ዘየፍቅድን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ከም ዝቅበልዎ ድማ ኣብ ኣጠቃላሊ ስምምዕ ሰላም ከቲሞምሉ።

3- እቲ ውሳነ ኮምሽን ናይ መጨረስታን ቀያዲን ምዃኑ ዝሕብር ስምምዕ ሰላም ድማ ወከልቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ማለት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮፊ ዓናን፡ ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ(ሕብረት ኣፍሪቃ) ፕረዚደንት ዓብደልዓዚዝ ቦቶፍሊቃ፡ ወኪል ኣቦ መንበር ኤውሮጳዊ ሕብረት ሴሪ ሪኖን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማድሊን ኦልብራይትን ኣብ ዝተረኽብሉ’ዩ ተኸቲሙ።

4- ብመሰረት’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ “ሀ” ዓንቀጽ 14 ናይ “ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦታት” በቲ ኣብ ቁጽሪ 14 ዓንቀጽ 4 ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ናይ መጨረስታን ቀያዲን” ምዃኑ ዝሕብር ስምምዕ ኣልጀርስን ዘይምእዘዝ ወገን ድማ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊኡ ኣድላዪ ዝበሃል ዲፕሎማስያዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባውን ወተሃደራውን ስጉምቲታት ክወስድ ስልጣን ከምዘለዎ’ዩ ዝሕብር። እዚ ድማ ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ዝሕሉን ዘውሕስን ኣህጉራዊ ኣካል ምዃኑ’ዩ ዝሕብር።

ምስ’ዚ ኩሉ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስምምዓት ኣልጀርስ ኣይተማእዘዘን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮምሽን ዶብ ብመሰረት’ቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዘሕለፎ ውሳነ ንኣህጉራዊ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ከየመልክት ዓንቂጽዎ። ነቲ ናይ መጨረስታን ቀያዲን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ከኽብር ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ ዘቅረበሉ መጸዋዕታታት’ውን ጸማም እዝኒ ሂቡዎ። ካብ’ቲ ቅድሚ 13 ዓመት ኮምሽን ዶብ ውሳነ ዘሕለፈሉ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገለ ክፋል መሬት ኤርትራ ጎቢጡ ስለዝሓዞ ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣይከኣሉን ኣለዉ። በዚ ድማ ንስምምዓት ኣልጀርስን ኣህጉራዊ ሕጊታትን ግሂሱ ይርከብ። ኣብዚ ዝለዓለ ሕቶ፡ እዚ ኣብ ኣህጉራዊ ሓገዛትን ረዲኤትን ዝምርኮስ ስርዓት ኢትዮጵያ በየናይ ዓቅሚ’ዩ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ባይቶ ጸጥታን ዝብድህ ዘሎ? ዝብል እዩ። መልሲ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ ስርዓት ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ወያነ ክሳብ ትማሊ ቀረባ ንፖለቲካዊ ተመኩሮ ኣልባንያ ብምውካል ንነፍሱ ከም ተጻባኢ ሓይሊ ንሃጸይነት ኣሜሪካ ይገልጽ ከምዘይነበረን ማሕበርነታዊ ሃጸይነት እናበለ ይገልጻ ከምዘይነበረን ድማ እንሆ ሎሚ ብውክልና ንኣጀንዳ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይትግብር ኣሎ። ኣምሰያኡ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ጽላል ኮይኑዎን ነዚ ብትሕዝቶን መልክዕን ብህዝቢ ትግራይን ህዝብታት ኢትዮጵያን ዞባናን ዝተጸልአ ፖለቲካዊ ምስሉ ከጸባብቅን ይርከብ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ፈለግ ኒልን ምንጪ ስግኣትን ውግኣትን ኮይኑ ይርከብ። ስርዓት ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ኣህጉራዊ ውዕላትን ትግባረ ውሳነ ኮምሽን ዶብን እንተ ዘይነጽግ፡ ባይቶ ጸጥታ’ውን ብመሰረት ስምምዓት ኣልጀርስ ግቡኣቱ እንተ ዝፍጽምን መስርሕ ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሕዳር 2003 ተወዲኡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ሰፊኑ፡ ንረብሓ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ብዘገልግል ዝምድናታተን ናብ ንቡር ምተመልሰ ነይሩ። እንተኾነ ግን ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ካብ ናይ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ሕሳባት ብምብጋስ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋሁው ከም ዝሰፍን ገይሮም። እቲ ዕላማ ከኣ ብሓደ ወገን ዓቕሚ ኤርትራ ንምጽንቃቅ፡ በቲ ካልእ ድማ ከምቲ ብተደጋጋሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ዝገለጾ ስርዓት ኤርትራ ንምቅያር እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን እቲ ክፍኣት ናብ ኣላሚኡ ከም ዝግልበጥ ገለ ፖለቲካውያንን ዲፕሎማውያውንን ወገናት ዝግምትዎ ዘለዉ እዩ። ትማሊ ቀረባ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ ምሉእ ጥዕና እናሃለወ ብሕማም ይሳቀ ኣሎ እናበላ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ይነዝሓ ነይረን። ዓለም ግን ሃንደበታዊ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ’ያ ተረዲኣ።

ሕቶ፡ ስርዓት ወያነ ብውሳነ ኮምሽን ዶብ ከም ዝምእዘዝ፡ እንተኾነ ግን ንምትግባሩ ምስ ኤርትራ ክዛተ ይደሊ ምህላው’ዩ ብማዕከናት ዜናኡ ዝደጋግም። እንታይ’ዩ ዕላማኡ?

ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ: ንድሕሪት እንተ ድኣ ተመሊስና መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገላባጢን ሓላፍነት ዘይስምዖን ምዃኑ ኢና ንርዳእ። ናይ’ዚ ኣብነታት ከኣ፦

1- ኮምሽን ዶብ ብ13 ሚያዝያ 2002 ውሳነ ምስ ኣሕለፈ፡ ባይቶ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዝነበሮ መግለጺ’ዩ ኣውጺኡ።

ሀ- ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕል 1900 ዝተነጸረ ጠለባታ ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ብምሉኡ ረኺባ።

ለ- ኣብ ምዕራዊ ሸነኽ’ውን ባድመ ሉኣላዊ መሬት ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

2- እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ እቲ ብመሰረት ስምምዕ 1900 ባድመ ኣብ ውሽጢ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ከምዘሎ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ከም ዘረጋገጽ ምስ ተረድአት ቀልጢፋ’ያ ካብ’ቲ

ኣቀዲማ ዝወሰደቶ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ዝድግፍ መርጊጺኣ ተመሊሳ። ኣብ’ቲ መጀመርታ ኢትዮጵያ ገለ ተክኒካዊ ጸገማት ስለዘሎ እቲ ናይ ምምልካት ዶብ መስርሕ ኣብ ክንዲ በቲ ኣሃዱ ካርታ ኮምሽን ዶብ ክጅምሮ ዝደሊ ዝነበረ ምዕራባዊ ወገን ብምብራቓዊ ሸነኽ ክጅምር’ያ ጠሊባ። ኤርትራ እቲ ጉዳይ ብመሰረት ውሳነ ኮምሽን ዶብ መስርሕ ምምልካት ዶብ ዘማልእ ክሳብ ዝኾነ ብዝጀመረ ይጀምር ኣይተቃወመቶን።

3- ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ካብ’ቲ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ዝሓለፈሉ ዕለት ማለት ብሓምለ 2002 ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ኮምሽን ዶብ ብመሰረት’ቲ ኣብ መጨረስታ 19 ክፍለ ዘመንን መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመንን ዝወጸ መግዛእታዊ ውዕላት ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዘረጋገጾ ከባቢታት ሰፈራታት ክትሃንጽ ጀሚራ። እቲ ዕላማ ሓድሽ ኩነት ብምፍጣር ኢትዮጵያውያን ሰፋሮ ዝቅመጥዎ ከባቢታት’ዩ ኢላ ንምምጓት’ዩ ነይሩ። እዚ ካብ መጀመርታኡ ዕርቃኑ ዝወጸ ቅሉዕ ፈተነታት’ዚ ግን ንክኢላታት ኮምሽን ዶብ ይትረፍስ ሓደ ተራ ሰብ’ውን ዘደናግር ኣይኮነን። ኮምሽን ምምልካት ዶብ’ውን ንናይ ስርዓት ኢትዮጵያ ናይ ሰፈራ ፖሊሲ ብትሪ ይቓወሞ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብ’ቲ ብመሰረት ውሳነኡ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዘረጋገጾ ከባቢታት ዝርከብ ህላወ ኢትዮጵያ ድማ ክጽረግ ዘለዎ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

4- መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት’ቲ ብ12 ታሕሳስ 2000 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኸተመ “ኣጠቃላሊ ስምምዕ ሰላም” ኣብ ቁጽሪ 16 ዓንቀጽ 4 ብምምርኳስ ኮምሽን ዶብ ካብ ኤርትራ ኣሃዱታቱ ክስሕብን ኣብኡ ዘቆሞ ሰፈራታት ከግዕዞን ዘቅረበሉ ጠለብ ከምዘይምእዘዘሉ ብ7 ሕዳር 2002 ንባይቶ ጸጥታ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

5- ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ መለስ ዜናዊ ብወገኑ ብ19 መከረም 2003 እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእኽቲ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኮፊ ዓናን ሰዲዱ።

ሀ- “ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ከም ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ዘይሓላፍነታውን ትርእዮ።

ለ- ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝሓለፈ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ርግኣት ዝፈጥር ዘይኮነስ፡ ሓድሽ ግጭት ዝውልዕ እዩ።

ሐ- ዕማም ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ’ቲ ናይ መጨረስታ ተኼላ ሽግር ተሸሚሙ እዩ።

መ- ብመሰረት’ዚ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ድማ ባይቶ ጸጥታ መተካእታ ኮምሽን ዶብ ካልእ ሓድሽ መካኒዝም ክፈጥር ኣለዎ” ክብል ገሊጹ።

6- ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ስዩም መስፍን ብወገኑ፡ ኣብ’ቲ ብ28 መስከረም 2004 ኣብ መበል 59 ሓፈሻዊ ኣኼባ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡

ሀ- ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኪኖ ትዕዝብቲ ናይ’ቲ ኮምሽን ዝኸይድ ኣይኮነን።

ለ- ኢትዮጵያ ድማ ካብ’ቲ ኮምሽን ዘቅረቦ ትዕዝብቲ 85 ሚእታዊት ተቀቢላቶ ኣላ፡

ሐ- እቲ ዝተረፈ 15 ሚኢታዊት ከኣ ብመገዲ ቅሉዕ ዘተ ክፍታሕ ዝኽእል እዩ።

መ- ምርግጋጽ መስርሕ ሰላምን ምምልካት ዶብ ኣብ ባይታን ሓላፍነት ኢትዮጵያን       ኤርትራን እዩ” ክብል ኣብሪሁ።  ነቲ ኣብ መስርሕ ሰላምን ምምልካት ዶብን ቀንዲ መሻርኽቲ ዝኾነ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ’ውን ግምት ኣይሃቦን። እዚ ድማ ንኮምሽን ዶብን ውሳነታቱን ንምፍራስ ዝካየዶ ቅሉዕ ፈተነ’ዩ ነይሩ።

7- ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ንምፍራስ ብ24 ሕዳር 2004 እዚ ዝስዕብ ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዘ “ውጥን ሰላም” ንዶባዊ ሽግር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበለቶ ኣቕሪባ።

ሀ- ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላማዊ ኣገባብ ብናይ እንካን ሃባን መትከል ብዘተ’ዩ ዝፍታሕ።

ለ- ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንቡር ዝምድና ንምቛም ዶባዊ ፍልልያት ብዘተ’ዩ ዝፍታሕ።

ሐ- ኢትዮጵያ ብመትከል ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትቅበል።

መ- ኢትዮጵያ ፋይናንሳዊ ግቡኣታ ክትከፍል ትሰማማዕ፡ ኣብ ሜዳ ዝራኸብ መኮንን ድማ ትሓሪ።

ረ- ትግባረ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝያዳ ወጥሪ ዝዕድም ብምዃኑ ድማ፡ መርገጺ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ቀንዲ ነጥቢታት ይምርኮስ። ንሱ ከኣ ብሓደ ወገን ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ብመትከል ምቅባል፡ በቲ ካልእ ድማ ብመትከል እንካን ሃባን ምምእዛዝ እዩ።

8- ጸብጻባት ልኡኽ ውድብ ሃገራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝሕብሮ፡ ኢትዮጵያ ብ16 ታሕሳስ 2004 ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸውዓተ ዝበጽሕ ክፍላተ ሰራዊት ካብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ካብ 25 ክሳብ 45 ኪሎ ሜተር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ርሒቁ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ዘርጊሓ። ነዚ ድማ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ7 መጋቢት 2005 ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ ኣረጋጊጹዎ። ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ውጥሪ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብተሳትፎ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ኣልጀርያ ዝተኸተመ ስምምዓት ዝጻረር እዩ።

9- ኢትዮጵያ ነቲ ብመሰረት ውሳነ ኮምሽን ዶብ ብ22 ለካቲት 2005 ኣብ ለንደን ብዛዕባ ምምልካት ዶብ ንምዝታይ ብኮምሽን ዶብ ዝቀረበላ ዕድመ ነጺጋ። ንምንጻጉ ዘቅረበቶ ምኽንያት ከኣ፦

ሀ- ዘተ እዋኑ ኣይኮነን።

ለ-ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ሐ- ንመስርሕ ምምልካት ዶብ ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ።

መ- ነቲ ኣብ ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝተሰረተ ንድፊ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘእቱ ኣይኮነን ዝብል ነይሩ።

ኣቦ መንበር ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሴሪ ያሆ ሉተርበኽት ብ24 ለካቲት 2005 ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮፊ ዓናን ኣብ ዝለኣኾ ዝርዝራዊ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ውሳነ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝሓለፈሉ ዕለት ጀሚራ ንዕማም ኮምሽን ዶብ ብቀጻሊ ትዕንቅፍ ከምዘላን ኣብ መጨረስታ’ውን እቲ ኮምሽን ብ24 ለካቲት 2005 ኣብያተ ጽሕፈቱ ክዓጹ ከምዘገደደቶን ኣቃሊዑ። ካብ’ቲ ዘቅረቦ ቀንዲ ነጥቢታት፡

1-  ኮምሽን ዶብ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ዘብጽሐ ተግባራት ሕጋዊ ገምጋም ካብ ምሃብ ተቆጢቡ’ዩ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ናብዚ ናይ ሕጂ ሃለዋት ዘብጽሐን ኮምሽን ዶብ ዕማሙ ንኸይፍጽም ዝዓንቀፈን ቀንዲ ምዕባለታት ምግላጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣሎ።

2-  ብመሰረት’ቲ ብታሕሳስ 2000 ዝተኸተመ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ እታ ኮሚተ ብቀጥታ ምሕንጻጽን ምምልካትን ዶብ ከተካይድ ተሓቲታ።

3-  ኮምሽን ዶብ ብመሰረት’ቲ ኣብ ቁጽሪ 1ን 2ን ዓንቀጽ 4 ናይ ስምምዕ ኣልጀርስ ተጠቂሱ ዘሎ፡ ናይ ምምሕንጻጽን ምምልካትን ዶብ ዕማሙ ብመሰረት ናይ 1900፡ 1902ን 1908ን መግዛእታዊ ውዕላትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣህጉራዊ ሕጊን’ዩ ዝፍጽም። ብድሌቱን ዊንታኡን ውሳነታት ከሕልፍ ግን ስልጣን የብሉን። ኣብ’ቲ ናይ ምምልካት መስርሕ ድማ እታ ኮሚተ በቲ ንሳ እትርእዮ መኣዝን ክትብገስ ንዝነበራ መደብ ካብ ክልቲኦም ወገን ዝቀረበላ ተቃውሞ ኣይነበረን።

4- ውሳነ ኮምሽን ዶብ ምስ ወጸ ክልቲኦም ወገናት ተቀቢሎምዎ እዮም። ብስምምዕ ኣልጀርስ ምእዙዛት ምህላዎም ድማ ረጋጊጾም። ንፍሲ ወከፎም ከኣ ብእዉጅን ኣብ ቅድሚ ኩሉ’ዩ  ተቀቢሉዎ።

5- ኤርትራ ብ17 ሓምለ 2002፡ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ኮምሽን ዶብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዘረጋገጾ ደምበ-መንጉል ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ተስፍር ከምዘላ ጥርዓን ኣቕሪባ። ኮምሽን ዶብ ድማ ኢትዮጵያ ዜጋታታ ካብ’ቲ ዓዲ ከተውጽእ ውሳነ ኣሕሊፉ። ብ14 ነሓሰ 2002 ድማ ባይቶ ጸጥታ ብቁጽሪ (1430) ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ክልቲኦም ወገናት ብመሰረት ዓንቀጽ 4 ቁጽሪ 16 “ኣጠቃላሊ ስምምዕ ሰላም” ክሳብ ምምልካት ዶብ ኣብ ባይታ ዝፍጸም ኣብ ከባቢታት ዶብ ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ከየገዓዕዙን ሓድሽ ሰፈራታት ከይሃንጹን ጠሊቡ። እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ ንትእዛዝ ኮሚተ ኣየኽበረትን። ብ7 ሕዳር 2002 ድማ ግቡኣታ ከምዘይትፍጽም ብምውሳን ንባይቶ ጸጥታ ኣፍሊጣ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ንትእዛዝ ኮምሽን ተኽብር የላን።

6- ኢትዮጵያ ብ19 መስከረም 2003 ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደደቶ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ባድመን ገለ ከባቢታት ማእከላይ ወገንን ኮምሽን ዶብ ዝወሰዶ ውሳነ ሕጋውነትን ፍትሒን ሓላፍነታዊ መንፈስን ዘይብሉ ምዃኑ ገሊጻ። እታ ኮሚተ ከም ዝገመተቶ ድማ ጥርዓን ኢትዮጵያ ብምምልካት ዶብ እምበር ምሕንጻጽ ከምዘይኮነ ኣብሪሃ። ከምኡውን ኢትዮጵያ ባይቶ ጸጥታ ብፍትሓውን ሕጋውን ኣገባብ ነቲ ዘሰሓሕብ ዶብ ንምምልካት መተካእታ ካልእ መካኒዝም ከቅውም ሓሳብ ኣቅሪባ። ኮምሽን ዶብ ብወገኑ መልእኽቲ ኢትዮጵያ ካብ ጉጉይ መረዳእታን ምድንጋርን ከምዝብገስ ብምሕባር፡ ንነፍሲ ወከፍ ተቃውሞ ኢትዮጵያ ዝርዝራዊ መልሲ ሂብሉ።

7- ኢትዮጵያ ትግባረ መስርሕ ምምልካት ዶብ ኣየፍቀደትን። ኮምሽን ዶብ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኢትዮጵያ መርገጺኣ ንምምኽናይ መስርሕ ምምልካት ዶብ ምስ ትሕዝቶን መንፈስን ስምምዕ ኣልጀርስ ስለዘይሳነ ዓንቃፊ’ዩ ከም እትብል ኣረዲኡ። ኮምሽን ዶብ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ መበል 11 ጸብጻቡ ድማ ኢትዮጵያ ምሕንጻጽ ዶብ ጥራይ ከም ዘገድሳ፡ ብመሰረት ውሳነ ምምልካት ዶብ ክትግበር ግን ከምዘይትቅበሎን ንመስርሕ ምምልካት ዶብ ዝዕንቅፍ’ዩ ምባላ ከኣ ክትብሎ ዘይግብኣ ጉዳይ እዩ።

8- ኮምሽን ዶብ ክልቲኦም ወገናት ብ22 ለካቲት 2005 ኣብ ለንደን ምስኡ ኣኼባ ክገብሩ ጸዊዑ ነይሩ። ኤርትራ ነቲ መጸዋዕታ ክትቅበሎ ከላ፡ ኢትዮጵያ ግን ግዜኡ ኣይኮነ፡ ውጽኢት የብሉን፡ ንመስርሕ ምምልካት ዶብ ብኣሉታ ዝጸሉ’ዩ ብምባል ነጺጋቶ። ነቲ ኣብ ውሳነ ምምልካት ዶብ “ንትግባረ ዓንቃፊ’ዩ” ንዝበለቶ ነጥቢታት ንምፍታሕ ድማ ክልቲኦም ወገናት ክዛተዩ ሓሳብ ኣቅሪባ። በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ኮምሽን ዶብ ዕማሙ ንምፍጻም ዘፍቅደሉ ኩነታት የለን ማለት እዩ።

9- ኢትዮጵያ መስርሕ ምምልካት ዶብ ብኸምቲ ኮምሽን ዶብ ዝወሰኖ ናይ ግዜ መቃን ክፍጸም ኣይትደልን እያ። ሕጂ ቅድሚ ትግባረ ዘተ ክካየድ እያ ጸቂጣ ትሓትት ዘላ። ብኣንጻሩ ከኣ ኣብ ክሊ ውሳነ ምምልካት ዶብ ብ22 ለካቲት ክልቲኦም ወገናት ኣብ ለንደን ምስ ኮምሽን ዶብ ኣብ ለንደን ክዛተዩ ንዝቀረበሎም ዕድመ ነጺጋ። እዚ ከኣ ካብ’ቲ ካብ ክፍላ 2002 ጀሚራ ዘካየደቶ ተኸታታሊ ዕንቅፋታት እቲ ናይ መጨረስታት’ዩ ነይሩ። ምስ’ቲ ተቀቢለዮ’የ እትብሎ ውሳነ ምሕንጻጽ ዶብ ዝጻረር ድማ እዩ።

10- ኣብ መጨረስታ ኮምሽን ዶብ ብመሰረት’ቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝሓለፈ ውሳነ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ሕጋዊ መደምደምታ ከምዝተገብረሉ ሓቢሩ። ዋላ’ኳ ብገለ ንኣሽቱ ዕንቅፋታት

እንተ ዘይተመልከተ፡ ተሓንጺጹ ዘሎ ዶብ ክልቲኦም ወገናት ብኡኡ ክምእዘዙ ግዱዳት ምዃኖምን ምስ’ዚ ሕጂ ተሓንጺጹ ዘሎ ዶብ ዘይቃዶ ተግባራት ድማ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኮምሽን ዶብ ኣብ ባይታ ዓንድታት ዶብ ንምትካል ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ ከልከሎ፡ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብሕጋዊ ካርታታት ሓንጺጹዎ እዩ። እቲ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣህጉራዊ ሕግታትን ብሓሳብ (virtual) ዝተሓንጸጸ ሕጋዊ ካርታታት ድማ ኣብ ምምልካት ዶብን ንዝፍጠር ዶባዊ ዘይምርድዳእን ንምፍታሕ ከም ናይ መጨረስታ ሕጋዊ መወከሲ ዝውሰድ እዩ። ከም ዝፍለጥ ኩሉ ጎቦታትን ዓሞቊቲ ስንጭሮታትን ዝመልኦ ከባቢታት ብባህርያዊ ረቛሒታት ስለዝቀያየር ከምኡ ድማ ማያዊ ዶብ ዓንድታት ክትተኽለሉ ምቹእ ስለዘይኮነ ብሕጋዊ ካርታታት’ዩ ዝሕንጸጽ።

ኣቦ መንበር ኮምሽን ዶብ ኣልያሁ ሉተርበኽት፦

1- ብ27 ሕዳር 2006 ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰደዶ ዝርዝራዊ ጸብጻብ፡ ኣብ’ቲ ብ15 ሕዳር 2006 ናብ ባይቶ ጸጥታ ዘቅረቦ ጸብጻብ’ውን ኣቕሪቡዎ ኣሎ። ፕሮፈሰር ኣልያሁ ሉተርበኽት ንኮምሽን ዶብ ዘጋጠመ ጸገማትን ብመሰረት’ቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝወጸ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዓንድታት ብምትካል ኣብ ባይታ ንኸይምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ዕንቅፋታትን ብዝርዝር ኣቅሪቡ። ንሱ ኣስዒቡ ኣብ ጸብጻቡ፡ ኮምሽን ዶብ ንመወዳእታ ዘይብሉ ግዜ ክቅጽል ስለዘይክእል፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ማለት ክሳብ መጨረስታ ሕዳር 2007 ኣብ ስምምዕ እንተድኣ ዘይበጺሖም ወይ ድማ ኮምሽን ንጥፈታቱ ንኽቅጽል ምስ ዘይሓቱ፡ እቲ ኮምሽን በቲ ዘውጽኦ ተመዓራራዪ ሕንጻጽ (Coordinate) ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብግብሪ ከም ዝተመልከተ ዝቆጽሮ ምዃኑ ኣፍሊጡ። በዚ ድማ ዕማም ኮምሽን ዶብ ከም ዝተሳለጠ ይቁጸር። እቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝወጸ ውሳነ ምሕንጻጽ ዶብ ድማ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘብርህ እንኮ ሕጋዊ ውሳነ ምዃኑ ኣረዲኡ።

2- ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ክቡር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ19 ሕዳር 2007 ናብ ኣቦ መንበር ኮምሽን ዶብ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ነዚ ዝስዕብ ኣረጋጊጹ።

ሀ- ኤርትራ ብውሳነ ኮምሽን ዶብን ሕጊን ኩሉ ስምምዓት ሰላም ኣልጀርስን ምእዝዝቲ

እያ።

ለ- ኢትዮጵያ ምስ ተሓባበርታ ግን ብስምምዕ ኣልጀርስ ምእዙዛት ኢና እናበሉ፡

መተካእታ መካኒዝም ንምፍጣር ኣብ’ቲ ናይ መጨረስታን ቀያዲን ውሳነ ቤት ፍር

ዲ ኣፍ ደገ ዘተ ንምኽፋት ይፍትኑ ኣለዉ።

ሐ- ስምምዕ ኣልጀርስ እንተ ተኽብር ነይራ፡ ከምኡ ድማ ነቲ ናይ መጨረስታን ቀያ

ዲን ውሳነ ኮምሽን ዶብ እንተ ትቅበል መስርሕ ምምልካት ዶብ ተወዲኡ ህዝብታ

ት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ነዊሕ ግዜ ናይ ሰናይ ጉርብትናን ምትሕግጋዝን

ዝምድናኦም ምተመልሰ ነይሩ።

መ- ስለዚ ኢትዮጵያን እቶም ኣብ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታውን ተግባራታ ዘተባብዕዋ

ዘለዉ ወገናትን ናይ’ቲ ዝቅጽል ዘሎ ተጻብኦን ወጥሪን ሓላፍነት ክስከሙ ንሓት

ት።

ረ- ኤርትራ ንሓሳባዊ (virtual) ምምልካት ዶብ ትቅበል ክብል ኣብሪሁ።

3- ኢትዮጵያ ብወገና ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ዝነበረ ስዩም መስፍን ኣቢላ ብ27 ሕዳር 2007 ናብ ኣቦ መንበር ኮምሽን ዶብ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ንቨርችዋል ምምልካት ዶብ” ከም ዘይተቀበልኦ ገሊጻ። እቲ ዘገርም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብስም ሃገሩ ንኮምሽን ዶብ ክጽሕፍ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ብስም መንግስቲ ኤርትራ ክዛረብ ግን ዝመዘዞ ኣካል የለን። ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝሰደዶ መልእኽቲ መርገጺኣ ኣብሪሃ እያ። ንምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተወሰነ ንቁጣታት ዶብን ዝርዝራዊ ካርታታትን ተቀቢላቶ እያ። እዚ ኩሉ ከኣ ናይ መጨረስታን ቀያዲን እዩ።

4- ናይ ሕጊ ኣማኻሪት ኤርትራ ፕሮፈሰር ሊ ብሪልማየር ብ29 ሕዳር 2007 ናብ ኣቦ መንበር ኮምሽን ዶብ ኣብ ዝሰደደቶ መልእኽቲ ድማ፡ ኢትዮጵያ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኮምሽን ዶብ ዝተፈጸመ ቨርችዋል ምምልካት ዶብ ኣይተቀበልኦን” ምባላ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተጋገየት ብምሕባር፡ ብኣንጻሩ ኤርትራ ቨርችዋል ምምልካት ዶብ ከም ናይ መጨረስታን ቀያዲን ተቀቢላቶ እያ ክትብል ኣብሪሃ።

5- ኮምሽን ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ30 ሕዳር 2007 ኣብ ዘሄግ ብዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ውሳነ 13 ሚያዝያ 2002 ከም ዝተመልከተ ብምሕባር፡ መስርሕ ምምልካት ዶብ ብቨርችዋልን ንቁጣታት ዶብን ሓቀኛ ዝርዝራዊ ካርታታትን ከም ዝተፈጸመ ኣረዲኡ።

6- ኣብ መጨረስታ፡ ኣቦ መንበር ኮምሽን ዶብ ፕሮፈሰር ኣልያሁ ሉተርበኽት ብ7 ጥሪ 2008 ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደዶ መበል 26 ጸብጻቡ ድማ፡

ሀ- ኣህጉራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ንቁጣታት ዶብ ናይ መጨረስታ

መልክዑ ሒዙ ተመልኪቱ እዩ። ብ27 ሕዳር 2006 ድማ ምስ ጸብጻብ ተተሓሒ

ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተላኢኹ ኣሎ።

ለ- ዶብ ብመሰረት ውሳነ 13 ሚያዝያ 2002 ክምልከተ ከሎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን

ሃገራት ሕጋዊ መወከሲ ድማ ንሱ ጥራይ እዩ።

ሐ- ኤርትራ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝወጸ ውሳነ ኮምሽን ዶብን ምምልካት ዶብ ከም

ከም ናይ መጨረስታን ቀያዲን ብንቁጣታት ዶብን ካርታታትን ተቀቢላቶ ኣላ።

ነቲ “ኢትዮጵያን ኤርትራን ቨርችዋል ምምልካት ዶብ ኣይተቀበልኦን” ዝብል

መልእኽቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብመገዲ መልእኽቲ ፕረዚደንታን ናይ ሕጊ

ኣማኻሪታን ኣሉታ ሂባትሉ።

መ- እቲ ንንቁጣታት ዶብ ዘነጽር ካርታታት ድማ ብ30 ሕዳር 2007 ንኤርትራን

ኢትዮጵያን ብወግዒ ተዋሂቡ። ናቱ ቅዳሕን ኩሉ ጸብጻባት ኮምሽን ምምልካት

ኣህጉራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተታ

ሒዙ ኣሎ። ነዚ ኩሉ ሰነዳት’ዚ ኣብ ኤለክሮኒካዊ መርበብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ

ዘሄግ ክትረኽቦ ይከኣል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዋጽኦ ዘይብሉ ጸቢብ ዓንኬል ከም ዝተቀርቀረ ምስ ፈለጠ፡ ትሕዝቶ’ቲ ናይ መጨረስታን ቀያዲን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ንምፍራስ ብሓገዝ ገለ ወገናት ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣፍ ደገ ዘተ ንምኽፋት ፈተነታት ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን። ንፈተነታቱ ግብራዊ ንምግባር ድማ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ብመትከል ተቀቢለዮ እናበለ ንምትግባሩ ኣብ መትከል እንካን ሃባን ተመርኲስካ ዘተ ምክያድ ከምዘድሊ ይገልጽ። በዚ መዳይ’ዚ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ እንደገና ኣብ ዘተ ንምውራዱን ንመርገጺ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝን ድማ ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዝነበረ ኣምባሳደር ጆን ቦልቶን ብገለ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ መዝነት ከም ዝተዋህቦ ኣብ’ቲ ብ2007 “ኢድካ ምሃብ ምርጫ ኣይኮነን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ መጽሓፉ ሓቢሩ። ንሱ ተሓጋጋዚት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ጃንዳይ ፈረዘር ኣብ መጀመርታ 2006 ኣብ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ዘተ ንምክያድ ከም ዝሓተተቶ ብምምልካት፡ እቲ ምኽንያት ስለዘይተረድኦ ግን ነዚ ጠለብ’ዚ ኣብ

ባይቶ ጸጥታ ክገልጾ ስለዘይክእል ከምዘየቅረቦ ኣረዲኡ። እዚ ሕጂ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ’ውን እንተኾነ ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ መለስ ዜናዊ ብምኽታል ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዋላ ኣብ ኣስመራ ብምኻድ ክዛተ ከምዝደሊ ብምምልካት፡ ብተደጋጋሚ ድማ ትምክሕቲ ብዝመልኦ ኣገባብ ክፍክርን ከጉባዕብዕን ይርከብ። እዚ ግን ዝኾነ የዋህ ሰብ ከደናግር ዝኽእል ሜላ ኣይኮነን። ገዛእቲ ኢትዮጵያ እንኮላይ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቅድሚ ምስ መሪሕነት ኤርትራ ዘተ ምጥላቦም እንታይ ክገብሩ ከም ዝግብኦም ካብ ካልኦት ንላዕሊ ይፈልጡ እዮም።

1- ካብ’ቲ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ናይ 13 ሚያዝያ 2002 ዘነጸሮ ሃገራዊ መሬት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ምውጻእ።

2- ሉኣላውነት ኤርትራ ምኽባር።

3- ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ዘይምእታው።

4- ካብ ወተሃደራዊ ተጻብኦታትን ካልእን ምቁጣብ።

5- ብኣህጉራዊ፡ ክፍለ-ዓለማውን ዞባውን ሕግታት ምምእዛዝ።

6- ንዝኸተሞ ስምምዓት ምምእዛዝ ምኽባር። እዚ ምስ ተፈጸመ ጥራይ ከኣ’ዩ ክዝረበሉ ዘለዎ ጉዳያት እነተሎ ክዝረበሉ ዝኽእል።

ሕቶ፡ ኣህጉራዊ ባህሪ ናይ’ቲ ውሳነ ምገለጽካልናዶ?

ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ: ውሳነ ኮምሽን ዶብ በዚ ዝስዕብ ምኽንያታት ኣህጉራዊ ውሳነ እዩ።

1- ካብ ኣካል ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝኾነ ኮምሽን ስለዝወጸ።

2- ኣብ ኣህጉራዊ ሕጋዊ ባይታ ስለዝምርኮስ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን በቲ ኣብ መጨረስታ 19 ክፍለ ዘመንን መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመንን ዝወጸ መግዛእታዊ ውዕላትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣህጉራዊ ሕግታትን ዝተመልከተ ብምዃኑ።

3- እቲ ዶብ ንምሕንጻጽን ንምምልካት ሕጋዊ መወከሲ ዝኾነ ስምምዓት ኣልጀርስ ብተሳትፎን ውሕስነትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ማለት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ወኪል ኣቦ መንበር ሕብረት ኤውሮጳን ዝተኸተመ ስለዝኾነ።

4- ባይቶ ጸጥታ ነቲ ናይ መጨረስታን ቀያዲን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ብዘይቅድመ ኩነት ከውሕስን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ክቅበልኦን ክትግብርኦን ከስገድድን ሓላፍነት ተሰኪሙ እዩ።

5- ኩሉ ሰነዳት ኮምሽን ምምልካት ዶብ እንኮላይ’ቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝወጸ ውሳነኡን ከም ኣካል ሰነዳት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ፡ ከም ኣካል ሰነዳት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ማ ኣብ ዘሄግ ተዓቊቡ ኣሎ።

6- ስርዓት ኢትዮጵያ ንምምልካት ዶብ ኣብ ባይታ ድሕሪ ምንጻጉ፡ ከም’ቲ ኣቀዲመ ዝገለጽኩዎ ኮምሽን ዶብ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቨርችዋልን ካርታታትን ኣመልኪቱዎ እዩ። ቅዳሕ ናይ’ዚ ሕጋዊ ሰነድ ድማ ንኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሂቡ። መስርሕ ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝተወድአ ኣዊጁ። ኣቦ መንበር’ቲ ኮምሽን ኣልያሁ ሉተርበኽት ብ7 ጥሪ 2008 ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሞን ናይ መጨረስታ ጸብጻብ ቅድሚ ምቅራቡ ድማ ዕማሙ ከም ዝወድአ ብምግላጽ፡ ህላወኡ ባዕሉ ሰሪዙ። ኣቦ መንበር ኮምሽን ዶብ ኣብ ጸብጻቡ ብኸምዚ ዝስዕብ ንኩሉ ጉዳያት ኣነጺሩዎ ኣሎ።

ሀ- ኣህጉራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብንቁጣታት ዶብ ብምንጻር ናይ መጨረስታ

መልክዑ ሒዙ ኣሎ። እዚ ድማ ምስቲ ብ27 ሕዳር 2006 ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ

ሕቡራት ሃገራት ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣተሓሒዙ ልኢኹዎ ኣሎ።

ለ- ዶብ ብመሰረት ውሳነ 13 ሚያዝያ 2002 ክምልከት ከሎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት

ኣብ ጉዳይ ዶብ ሕጋዊ መወከሲ ድማ ንሱ ጥራይ እዩ።

ሕቶ፡ እቲ ውሳነ ከምቲ ዝገለጽካዮ ኣህጉራዊ ባህሪ ዘለዎ ካብ ኮነ፡ ስርዓት ወያነ ነቲ ውሳነ ኣኽቢሩ ንኽትግብሮ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ስለምንታይ’ዩ ጸቅጢ ዘይገበረሉ?

ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ: እቲ ዘገርም ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይካ ኢትዮጵያ ኩለን ሃገራት ዓለም ይድግፍኦ እየን። ብክለሳ ሓሳባዊ መዳይ ድማ ግድን ክትግበር ኣለዎ ይብላ። እንተኾነ ግን ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ ብመሰረት ዓንቀጽ 14 ”ሀ” ናይ’ቲ ብ18 ሰነ 2000 ዝተኸተመ “ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ንኢትዮጵያ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ንኽትትግብር ምእንቲ ከይቀጽዓ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዓንቂጹዎ ይርከብ። ስለዚ ከኣ ተራ ባይቶ ጸጥታ ነቲ ውሳነ ንምትግባር ናብ ክልቲአን ሃገራት መጸዋዕታታት ጥራይ ምትሕልላፍ ምዃኑ ዘገርም ኣይኮነን። ኤርትራ ግን ነቲ ኣብ ኣልጀርስ ብ18 ሰነን 12 ታሕሳስን 2000 ዝተኸተመ ስምምዓት ካብ ዘለዋ ተማእዛዝነት ብምንቃል ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ተቀቢላቶ እያ። ኣቦ መንበር ኮምሽን ዶብ ኣልያሁ ሉተርበኽት ዶብ ኣብ ባይታ ንምምልካት ምእንቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ባይቶ ጸጥታን ንምዕጋብ ሓያል ጻዕሪ’ኳ እንተ ኣካየደ ብሰንኪ ሓጋዚ መርገጺ ኣሜሪካ ንስርዓት ኢትዮጵያ እወታዊ ምትሕግጋዝ ክረክብ ኣይከኣለን። ስርዓት ወያነ ናይ’ቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ንምምሕዳር ኣሜሪካ ብምውካል ዝጻወቶ ኣሉታዊ ተራ’ዩ ደገፍ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝረክብ ዘሎ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ መጨረስታ ታሕሳስ 2006 ንዝሰፍሐ መሬት ሶማል እንኮላይ ዋና ከተማ መቓድሾ ወሪራ ምስ ሓዘት ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ ኣስቂጡ’ዩ ሓሊፉዎ። እዚ ድማ ባይቶ ጸጥታ ክሳብ ክንደይ ለሚሱ ከምዘሎ ዘረድእ ጭቡጥ ኣብነት እዩ። እቲ ዘገርም ድማ እቲ ጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት ምስ ዝኸውን ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ውሳነታት ንምሕላፍ’ዩ ዝቀዳደም። ንኣብነት ፈደራላዊ ውሳነ ኣብ 1950ን ብመሰረት ምዕራፍ ሸውዓተ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ውሳነ እገዳ ኣብ 2009 ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ድማ ንተራን ባህርያትን ባይቶ ጸጥታ ዝሓብእ ዘይኮነስ ዝያዳ ዘቃልዕ ርኩስ ተግባር እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ባህሪ ባይቶ ጸጥታ ብዝምልከት ገለ ፖለቲካውን ታሪኻውን ሓቂታት ንምንጻር ጥራይ እዩ።

በዚ ዘሎ ህልዊ ኣህጉራዊ ኩነታት ባይቶ ጸጥታ ካብ’ቲ ዝተወልደሉ ግዜ ጀሚሩ ምስ ኩሉ’ቲ ዘለዎ ድኽመታትን ጸገማትን ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተራኡ ክጻወት ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ነብስኻ ምትላል ወይ ምዕሻው ጥራይ እዩ።

ሕቶ፡ ጠንቂ ወይ ድሕረ ባይታ ናይ’ቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝሓለፈ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ቁጽሪ 1907 እንታይ’ዩ?

ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ: ብመጀመርታ እቲ ብ23 ታሕሳስ 2009 ዝሓለፈ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ቁጽሪ 1907 ኣብ ሕጋዊ ባይታ ዝተሰረተ ወይ መርትዖታት ዘለዎ ከም ዘይኮነ ምንጻር ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብኡ ዝዋስኡ ወገናት ብምውሳን ብመገዲ ባይቶ ጸጥታ ኣንጻር ኤርትራ ብዓመጽ ዘሕለፎ ውሳነ እዩ። ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ሱዛን ራይስ ንፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩሪ ሞሰፊኒ፡ ንድፊ ውሳነ ቁጽሪ 1907 ብኡጋንዳን ቦርኪነፋሶን እንተ ድኣ ቀሪቡ ኣብ ርእሲ ናይ ኣሜሪካ ሓገዝ ናይ ብሪጣንያ ደገፍ ክረክብ ከም ዝኽእልን ፈረንሳ ድማ ርእሳ ክትሓብእ ከም እትኽእል፡ ሩስያን ቻይናን’ውን ንምዕንቃፉ ናይ ቀውፊ መሰል ከይተጠቅማ ክሓልፍ ተኽእሎ ኣሎ ክትብል ከም ዝሓበረቶ ኤለክሮኒካዊ መርበብ ውክሊክስ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣቃሊዑ። እቲ ዘጋጠመ’ውን ንሱ’ዩ ነይሩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣሜሪካ ኣብ 1950 መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ገይራ ከም ዝገፈፈትን ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1962 በይናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ዘፍረሰቶ ፈደረሽን ብመገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከመይ ገይራ ከምዘሕለፈቶን ዘዘኻኽር እዩ። እቲ ፈደራላዊ ውሳነ ንምውሓስ ብወግዒ ሓላፍነት ዝተሰከመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብጩቅ ኣይበለን። ንቃልሲ ህዝቢ

ኤርትራ’ውን ጎስዩዎ እዩ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ጸኒዑ ብምቅላስ ኣሽሓት ስዉኣት ብምኽፋል ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምዕዋት ናጽነቱ ኣረጋጊጹ። ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብ23 ታሕሳስ 2009 ብመገዲ ባይቶ ጸጥታ ዘይፍትሓዊ ውሳነ ቁጽሪ 1907 ኣንጻር ኤርትራ ኣሕሊፉ። ካልኦት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ’ውን እንተኾኑ ነቲ ብጉጉይ ሓበሬታን ውጹእ ሓሶትን ዝተዳለወ ጸብጻብ “ተቆጻጻሪ ጉጀለ ሶማልን ኤርትራን” ከጻርይዎ ኢሎም ኣይፈተኑን። እቲ ናይ ሓሶት ጸብጻብ፡

1- ኤርትራ 2000 ወተሃደራት ናብ ሶማል ልኢኻ።

2- ብባሕርን ኣየርን ናብ ሶማል ኣጽዋር ሰዲዳ።

3- ኣብ ራስ ዱሜራን ደሴት ዱሜራን ንጂቡቲ ወሪራ ዝብል ይርከቦ።

እንተኾነ ግን ባይቶ ጸጥታ ብመሰረት ምዕራፍ ሸውዓተ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ኤርትራ ውሳነ እገዳ ቁጽሪ 1907 ምስ ኣሕለፈ ብቐጥታ፡ ጸብጻብ “ተቆጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን” ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ንኩሉ ብሩህ ኮይኑ። እቲ ጉጅለ ንባዕሉ፡ ሓሶቱ ዓለም ምስ ፈለጠቶ ኣብ’ቲ ዝሰዓበ ጸብጻቡ ነቲ ኤርትራ 2000 ወተሃደራት ናብ ሶማል ልኢኻ ክብል ዝሰረቶ ክሲ ሰሪዙዎ። ከምኡ’ውን ነቲ ኤርትራ ብኣየርን ባሕሪን ናብ ሶማል ኣጽዋር ልኢኻ ክብል ዘቅረቦ ጸብጻቡ ጭብጢ ዘይብሉ ቅሉዕ ሓሶት ምዃኑ ምስ ተፈልጠ ኣብ’ቲ ዝሰዓበ ጸብጻቡ ሰሪዙዎ። ኤርትራ ንጂቡቲ ወሪራ ዝበሎ’ውን ሓሶት ምዃኑ ብግብሪ ተረጋጊጹ። ከም ዝፍለጥ ባይቶ ጸጥታ ብ12 ሰነ 2008 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኤርትራ ንጂቡቲ ወሪራ ብምባል ኮኒኑዋ እዩ። ብ25 ሰነ ማለት ድሕሪ 13 መዓልቲ ድማ ብዛዕባ’ቲ ዝተባህለ “ተጻብኦ ኤርትራ ንጂቡቲ” ዘጻሪ ልኡኽ ሰዲዱ። እቲ ፍርዲ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ” ስለዝኾነ ግን ኤርትራ ከም ዘይወረረት ምስ ተረጋገጸ’ውን ካብ ኮነኔ ናጻ ኣይተባህለትን።

ሕቶ፡ ውሳነ ቁጽሪ 1907 ኣብ ምፍራስ ገጹ ምዃኑ ዝርአ ገለ ምልክታት ኣሎ። ኤርትራ ንምእጋድ ብዝምልከት ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ወይ ድሌት ባይቶ ጸጥታ መብራህካልናዶ?

ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ: ውሳነ 1907 ኣብ ዋሽንግቶን ብምምሕዳር ኣሜሪካ ዝተሃንደሰ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማታት ለንደን፡ ፓሪስ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ካምፓላን ካልኦት ከተማታት ኣፍሪቃን ተቀባልነት ምስ ረኸበ ብመገዲ ኣምባሳደር ሱዛን ራይስ ናብ ባይቶ ጸጥታ ቀሪቡ ዝጸደቀ ምሉእ ብምሉእ ናይ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ። እዚ ውሳነ’ዚ ኣብ ሕጋዊ ባይታ ዝተሰረተ ዘይኮነስ፡ ኣብ’ቲ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝተቃልዐ ናይ ሓሶት ጸብጻብ “ተቆጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን” ዝምርኮስ’ዩ ነይሩ። ብናተይ ግምት እዚ ውሳነ’ዚ በኒኑ ዝተርፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ ዘሕፍር ታሪኻውን ፖለቲካውን ስነ-ምግባራውን ፍጻመ ኮይኑ ክነብር እዩ። ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ከኣ ኣብ መጨረስታ እቲ ቅኑዕ ጥራይ’ዩ ሓቂ። እዚ ውሳነ’ዚ ከም ፈደራላዊ ውሳነ ኣብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ክድርበ’ኳ እንተኾነ፡ ንኩሎም’ቶም ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ምውጽኡ ኢድ ዘለዎም ከም ናይ ውርደት ምልክት ኮይኑ ክቅጽል እዩ። ሎሚ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት እዚ ውሳነ’ዚ ከምቲ ብሓሶት ንዒራቕ ኣዕናዊ ኣጽዋር ኣለዋ ተባሂሉ ምስ ኣዕነውዋ፡ እተን ነቲ ውሳነ ዝደገፋ ገለ ሃገራት ምጉሃየን ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ጸልማት ተሓቢኦም ውሳነ 1907 ዝኣለሙ ወገናት ጨረርታ ሓቂ ከቃጽሎም ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

ሕቶ፡ እዚ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ሰላምን ጸጥታን ዞባና እትኽተሎ ዘላ ድርብ ዝመለክዒታቱ ፖሊሲ ሓደገኛነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ?

ዶክቶር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ: ህዉኽን ዕሸላውን ፖሊስታት ኣሜሪካ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ ሽግራትን ምፍራስ ሃገራዊ ሉኣላውነትን እናስዓበ ንዓለም ናብ ሓደጋ ዘእቱ ዘሎ እዩ። ንኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕ፡ ሊብያ፡ ሶማል፡ የመንን ካልኦትን ኣጋጢሙወን ዘሎ ሽግራት ከኣ ጭቡጥ ኣብነት እዩ።

ብዝኾነ እዚ ኣብ ዝተፈላለየ መኣዝናት ዓለም ዝርአ ዘሎ ምልክታት ዓለምና ኣሃዱዊ ግሎባዊ ሓይሊ ናብ ዘብቅዓሉ ሓድሽ ታሪኻውን ፖለቲካውን መድረኽ የምርሕ ከም ዘሎ’ዩ ዘረድእ። ኩሉ እንተታት ዘለዎ ሓደ ታሪኻዊ መድረኽ ናይ ዝውለደሉ ቅልውላው ግዜ ኢና ዘሎና። ምንቅስቓስ ታሪኽ ብስነ-ሞጎታዊ መንፈስ ዝግዛእ ዳይናሚካዊ መስርሕ ስለዝኾነ ቀቢላዊ ወይ ድርቅናዊ መልክዕ የብሉን። እዚ ድማ ምስ’ቲ “ጉንጓ ሚኒርቫ ኣብ ዕራርቦ ጥራይ’ያ ትዝንቢ” ክብል ዝገለጾ ጀርመናዊ ፈላስፋ ፍረደሪክ ሄግል ዝሳነ ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ።

ኣሕመድ መሓመድ ዑመር:

Received on Mon Apr 13 2015 - 12:43:00 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved