ብምክኒያት መበል 10ይ ዓመት ምምስራት ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ስፊሕ ቃለ መሕተት ምስ መስራቲ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ስንበት 12 ሚያዝያ 2015 ...

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 10 Apr 2015 18:10:19 +0100

ብምክኒያት መበል 10ይ ዓመት ምምስራት ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ስፊሕ ቃለ መሕተት ምስ መስራቲ ኣዳል ድምጺ
ኤርትራዊያን ምስ ጋዜጠኛ አኽሊሉ አብርሃም ካብ ስንበት 12/04/2015 ስዓት 11:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ስዓት
GMT (ለንደን) አብ ሬድዬ ኣዳል ክቀርበልኹም ክጅምር’ዩ እቲ ካብ ስንበት 12 ሚያዝያ 2015 ጀሚሩ ብተከታታሊ
ዝቅጽል ሰፊሕ ቃለ መሕተት ብቀጥታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል *https://adalvoice.wordpress.com/
<https://adalvoice.wordpress.com/>*ከምኡውን ኣብ ተለቪጅን Channel 8 free-view ብዘይካዚ
ኣብ ተለቪጅን Virgin Media Channel 159 ብቀጥታ ምክትታል ይካኣል።


 ተዳልዬም ካብ ዘለው ሕቶታት1. ኣመሰራርታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ዝተሓልፊ ተመክሮን2. አብ ሜዲያ ( Media ) ዘለካ
ተመክሮን ፉልጠትን ምገለጽካለይ’ዶ3. ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ኣተክሮ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ኣብ ምንታይ ዘተኮረ
ነይሩ?4. ምስ ካልኦት ሃገዊያን ሜዲያ ( Media ) ርክባትኩም ከመይ’ዩ ርክባት አለኩም’ዶ?5. ኣብ’ዚ ሓያል
ሃገራዊ ዕማም ተጻብኦታት ወይ ብድሆታት ይገጥመኩም’ዶ?6.ዓቅሚ ሰብኩምን ቁጠዊን ነገራውን ዓቅኩም ክብ ንምባል እንታይ
ዝተታሕዘ መደብ አሎ?7. ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ምስ ሃገዊ ሽማግለ ዓ/ብሪጣንያ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ሐበሬታ አሎ
ብዛዕባዚ እንታይ ትብሎ አለካ?8. ኣገዳስነት መራከቢ ቡዙሓን ንዓና ኤርትራዊያን ረብሑኡ ብከመይ ምገለጽካለይ?9. ናይ
ተለቪጅን መደብ ኣብ ቀረባ ግዜ ክጅመር ምኳኑ ሰሚዕና ኣሎና ኣብ’ዚ አርእስቲ እንታይ ትብል?10. ኣብ ወጻኢ ዝርከባ
ኤርትራዊያ መርበባት ሓበሬታን ሜዲያን ( Media) እንታይ የበርክታ ኣለዋ?11. ሜዲያ ( Media ) ክንብል ከለና
እቲ መምዘኒ እንታይ’ዩ?12. ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ዝምርሓሉ መትከል እንታይ’ዩ?13. ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን
ዝረክቦ ምንጪ ሓገዛት አሎ’ዶ?14. ኣንጻር ሃገርን ሕዝቢ ኤርትራን ዝሰርሓ ብኤርትራዊያን ዝካየዳ ሜድያ ( Media ) ኣለዋ
ሜድያ ኢልና ክንገልጸን ይክኣል’ዶ?15. ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ኣብ’ዚ ሕጅ እዋን ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ?16.ሾሻል
ሜድያ ( Media ) እንታይ’ዩ ብከመይከ ይሰርሕ ጥቅሙን ጉድአቱንከ ብከመይ ይግለጽ መረዳእታ ሕብረተሰብና ከመይ ኣሎ?17.
ኣብ’ዛ ብሜዲያ ( Media )ዝተናወጸት ዓለምና ኣተሓሕዛና ንሜድያ ከመይ ክከውን ይግባእ?18. እተን ዘለዋና
ሃገራዊያን ሜድያ ( Media) ንዘለውና ብድሆታት ይገጥማን የድምዓን አለዋ’ዶ?ብዘይካዚ ተራ ኤርትራዊያን ሃገዊያን
ሜዲያ ( Media )ኣብ ወጻኢ አብ መከተ, ባህሊ, ህንጸት ሃገር, ቁጠባ, ፓለቲካ, ምዕቃብ ኤርራዊ ክብርታትን
ታሪክን,ጉዳይ ሕጻናትን ስድራቤታትን, ተራ ሜዲያን, ኣብ ዝብሉ ዛዕባታትን ካልእን አተኩርና ምስ መስራቲ ኣዳል ድምጺ
ኤርትራዊያን ምስ ጋዜጠኛ አኽሊሉ አብርሃም ሰፊሕን ተከታታልን ቃለ መሕተት ከነካይ ኢናኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን


1e4jUHaFfGbQ101.jpg
(image/jpeg attachment: 1e4jUHaFfGbQ101.jpg)

Received on Fri Apr 10 2015 - 13:10:19 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved