Tesfanews.net: ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ (ቀዳማይ ክፋል)

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 9 Apr 2015 15:32:04 +0200

ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ (ቀዳማይ ክፋል)

ኣንጻር ኤርትራን ኤርትራውያንን መሳርሒ ናይ ስነ-ኣእምራዊ ኩናት ወያነ ኣተግበርቲ ብምዃን ተዓጢቆም ንዘለዉ ከም ብዓል ኣሰና፣ ኤሬና፣ ድምጺ ኤርትራ ሂሊፋክስ፥ ዓዋተ … ወዘተ ህዝቢ ክነቅሓሉ ይግባእ።

ግርማይ የማነ

April 09 April 2015.

ዜጋታት ብኩነታት ሃገሮምን ህዝቦምን ኢሂን ሚሂን ክብሃሃሉ ንቡርን ጽቡቅ ባህልን እዩ። እዚ ጽቡቅ ባህሊ ክጥጥዕን ክስስንን ኣብ ሓቅነትን ቅንዕናን ወድዕነትን እንተዘይተመርኩሱ ኣዕናውን ንድሕሪት ዝጎስስን እዩ። ሰውራ ኤርትራ ካብ ዝብገስ ክሳብ ሕጂ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ውድባትን ነዚ ሓቀኛ ባህሊ ብምጥምዛዝ ኣብ ረብሓ ውልቀሰባትን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምውዓል ብቀጻሊ ፈተናታት ኣሎ። ውድብ ህዝባዊ ግንባር ነዚ ናይ ኢሂን ሚሂን ባህሊ ኣብ ሓፋሽ ህዝቢ ብምስራጽ ንህዝቡ ሓቊፉ ንመላእ ኤርትራ ሓርነት ኣልቢስዋ።

ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝኣተዎ ማሕላ ከይረሰዐ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር ክሳብ ሕጂ ደኺመ ረብሪበ ተወጽዔ ከይበለ ነዛ ሃገር ይሃንጻ ኣሎ። ምህናጽ ሃገር እሞ ድማ ከም ናይ ኤርትራ ትሕቲ ባዶ ጀሚርካ ምስ ብዙሕ ተጻብኦታትን ምስ ዓለምካ ክትደላደል ክሳብ ክንደይ ሓያል ጻዕሪ ከምዘድሊ እዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ሚሂሩና እዩ። 

ዓለም በቶም ገበትን ዓመጽትን ተዓብሊላ፣ ንሶም ዝብሉኻ፣ ንሶም ዝኣዘዙልካ “ፈውሲ” (መርዚ) እንተዘይቀሲምካ፣ ናቶም ተላኣኣኺን መሬትካን ሃብትካን ከምድላዮም ንክጉሕጉሑ እንተዘይኣፍቂድካን ዝወርደካ ተጻብኦ ኤርትራን ገለ ውሑዳት መወከሲ ናይዚ ኢኪት ሃጸያዊ ውዲታት ክኾና ይኽእላ።

ህንጸት ሃገር ካብ ሰማይ ማና ዝወርድ ኣይኮነን። ንእትምነዮን እትደልዮን’ውን ሰብ ገጸ-በረኸት ከቅርበልካ ወይ ክህበካ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ደኺምካ ጺዒርካ ሰሪሕካ ዝርከብ ፍረ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ክብርታትና ክብል እንከሎ ቃል ብቃሉ ሰብ ከኽብረና ማለት ኣይኮነን። ክብርታትና ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዘዐወተናን ዘጥረናዮን ባህሊ ተወፋይነት፣ ተጻዋርነት፣ ባህሊ ስራሕን ጻዕርን ምክብባርን ሓልዮትን እዩ። እዚ ባህሊ እንተተዓቂቡ ድማ ንሕና ንስስን ንሕይል ብኡኡ መጠን ድማ ንኸብር።

ኣብ’ዚ 24 ዓመታት ህዝባዊ ግንባር ነዚ ክቡር መርሖን ኣምርን ሒዙ ተጓዒዙ ሃገራት ኣፍሪቃ ንልዕሊ 60 ዓመታት ዘይሰርሖኦ ስርሓትን ታኣምርን ኣብ ሓጺር እዋን ኣተግቢርዎ። እዚ ጽቡቅ ኣብነት ንምዕራባውያን ብቀንዱ ድማ ንሃጸያዊት ኣሜሪካ ባህ ኣየበሎምን። ንኤርትራ ድማ ከም “ሕማቅ ኣብነት ናይ ጽቡቅ ስራሕ” ወሲዶም በቀጥታን ብተዘዋዋርን ክዋጋእዋ እዮም መሪጾም።

ክብርታትና ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተሰረቱ እዮም። ጉዕዞ ህንጸት ሃገርና ድማ ኣብ ኣዕኑድ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተተኽሉ እዮም። ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ማለት ሃገራዊ ሃብቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝረብሓሉ፣ዝተረሰዐ ከባቢታትን ህዝብን ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ማለት ትምህርቲ ዝስተ ጹሩይ ማይ፣ ሕክምና፣ መጎዓዝያን መሳሊጥታትን ዝረኽበሉን ኣብ መንጎ ከተማን ገጠርን ዘሎ ጋግ ዘጽብብን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብስራሕን ብግብርን ዝረጋገጸሉ እዩ።

ኣብ ውሽጢ 24 ዓመታት ኤርትራ ንሽድሽተ ዓመታት ጥራሕ እያ ንቡር ዳግመ ህንጻዊ ስርሓት ኣካይዳ። እዘን ውሑዳት ሽድሽተ ዓመታት “ሕማቅ ኣብነት ናይ ጽቡቅ ስራሕ” ስለዝገበራ ሃጸያውያን ብዶብ ኣሳቢቦም ኩናት ኣዊጆምልና፣ ብሕግን ኩናትን ድማ ተሳዒሮም። ሕግን ኩናትን’ውን ስለዘይማሃሮም መሊሶም ብእገዳ ብቁጠባ ክሓንቁና ወሲኖም። እዚ’ውን ስለዘይተዓወትሉ ናይ መወዳእታ መጣሊዒት ካርቶኦም ሰብ ካብ ሃገሩ ከመይ ይስደድን ይወጽእን ብድሑር ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ንክፈላለ ሕጂ ዝሰርሑሉ ዘለዉ ሜላ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መግዛእታዊ ዓመጽ ኤርትራ ከም ኩለን ጉዙኣት ሃገራት ኣንጻራ ዝቀንዐ ንዕላማታት መግዛእቲ ዝሕግዝን ዘተባብዕን ትካላትን ስነ-ሓሳብን ምንባሮም ንኩሉ ቡሩህ እዩ። ሕጂ ድማ ኤርትራዊ ሃገርነት ባሕጒግካ ንምድርባይ ዝካየድ ዘሎ ፈተናታት ብዘይ ኤርትራውያን ኢና ባሃልቲ ከዳዓት ሂወት ክረክብ ኣይክእልን እዩ። ኤርትራዊ ሃገርነት ግን ብደምን ኣዕጽምትን ኣሽሓት ሰማእታት ዝተሰረተ ስለዝኾነ ዝመጸ እንተመጸ ግዝያዊ ጸገማት ክፈጥር እምበር ክዕወት ዝኽእል የለን።

ኣብ’ዚ ሕጂ ዓለምና ብስም ሰብኣዊ መሰላትን ነጻ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ዝብል ጉልባብ ንሱሉስ ዓለም ኣይስሩር ኣይህሉው ጌርዎ ዘሎ እዋን ኣንጻር ኤርትራን ኤርትራውያንን ተዓጢቆም ዘለዉ መሳርሒ ሲ.ኣይ.ኤን ወያነን ከም ብዓል ኣሰና፣ ኤሬና፣ ድምጺ ኤርትራ ሂሊፋክስ … ወዘተ ከም ቀንዲ ኣተግበርቲ ናይዚ ኣዕናዊ ስነ-ኣእምራዊ ኩናት ምኻነን ህዝቢ ክነቅሓሉ ኣለዎ።

2ይ ክፋል ይቅጽል …

 
Received on Thu Apr 09 2015 - 09:32:04 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved