Tigrigna.VoaNews.com: ኣሽማት ደገፍትን መወልትን ኣል-ሸባብ ክነቃልዕ ኢና ኢሎም ሰበስልጣን ኬንያ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 7 Apr 2015 22:23:29 +0200

ኣሽማት ደገፍትን መወልትን ኣል-ሸባብ ክነቃልዕ ኢና ኢሎም ሰበስልጣን ኬንያ

ሰሉስ, April 07, 2015 ሰዓት'ቲ ከባቢ 23:12

ኣል-ሸባብ ኣብ ናይ ኬንያ ዩኒቨርስቲ ጋሪሳ ንኣስታት 150 ተምሃሮ ድሕሪ ምቕታሉ መራሕቲ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ደገፍቲ፣ተዋጋእትን መወልትን ኣል-ሸባብ ሽሞም ዕላዊ ክንገብር ኢና ኢሎም።ተንተንቲ ግን ብዓሌት ኣብ ዝተኸፋፈለ ህዝቢ ናይቲ ጉጅለ ደገፍቲ ዕላዊ ምግባር ሓፀጋሚ እዩ ይብሉ።

ምስ ሱማሊያ ናይ ዘዳው መራሕቲ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ሓይልታት ፀጥታ ናብ እስላማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ዝተፀንበሩ መናእሰይ ከምኡ እውን ደገፍትን መወልትን ንምልላይ ቃል ኣቲዮም ኣለው።እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ ህይወት 148 ሰባት ዘጥፍአ ናይ ዝሓለፈ ሰሙብ መጥቓዕቲ ሽበራ እዩ።

 መራሒን ኣባላን ፓርላማ ኬንያ ኣደን ዳውለ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ኣሽማት እቶም ንኣል-ሸባብ ዝድግፉ ንፈልጦም ኢና ኣብ ውሽጢ ዝቕፅል ሓደ ወርሒ ክነቃልዖም ኢና ኢሎም።  

መርመርቲ ኣብዚ ስዓት እዚ ብዛዕባ መንነት ኣርባዕቲኦም ኣጥቓዕቲ ንምርዳ እናፈተኑ እዮም።ነቲ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ተባሂሎም ካብ ዝጥርጠሩ ሓደ ብናይ ሕጊ ትምህርቲ ዝተመረቐ ወዲ ሓደ ከባቢያዊ ኣማሓዳሪ ኬንያ ማንዴራ እዩ።

  ወዶም ምስ ኣል-ሸባብ ተሰሊፉ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ወላዲ ኣብኡ ኣብ 2013 ኣ/ፈ ንሰበስልጣን ኣመልኪቶም እዮም።

  ነፃ ተንታኒ ፀጥታ ዝኾኑ ኣብዲዋህብ ሸኽ ኣብዲሳማድ ግን ኣብ ሰሜን ምብራቕ  ኣብ መንጎ ዓሌታት ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ካልኦት ደገፍቲ ኣል-ሸባብ መንነቶም ንምፍላይ ንዝግበሩ ፃዕርታት ዝተሓላለኸ ክገብሮ እዩ ይብሉ።

 
Received on Tue Apr 07 2015 - 16:23:29 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved