ዓጀውጀው ኣይተ ገብሩ ኣስራት *ጽቡቕ ጌርኩም ስምዕዎ፣ ሰሚዕኩም ግን ትም ኣይትበሉ ግብረ-መልሲ ድማ ብሓቂ ዓጸፋ መልሱ።*

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 24 Sep 2014 15:34:24 +0200

ዓጀውጀው ኣይተ ገብሩ ኣስራት *ጽቡቕ ጌርኩም ስምዕዎ፣ ሰሚዕኩም ግን ትም ኣይትበሉ ግብረ-መልሲ ድማ ብሓቂ ዓጸፋ መልሱ።*

 

24.09.2014

v መተሓሳሳቢ ወይ ለበዋ ንኹልኹም ኤርትራውያን ብሓፈሻ ነቶም ነባራት ተጋደልቲ ሕዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ *ነበርን* ከምኡ‘ውን ኣብቲ ውግእ 1998-2000 ዝተሳተፍኩምን ብፍላይ፣ ኣብዚ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ዝጸሓፎ መጽሓፍ መሰረት ብምግባር ምስ ድምጺ ሬድዮ ኣመሪካ ዝገበሮ ቃለ-መሕትትን ንኤርትራ ብዝምልከት ሰረትን ሓቂን ዘይብሉ ሓሶትን ዓጀውጀውን፣ ብስሚዒት ዘይኮነስ ኣብ ታሪኻዊ ሰነድን መርትዖን ሓቅነትን ዝተመርኮሰ ብጽሑፍ ኮነ ብድምጺ ክትምክትዎን እቲ ብቃልሲን ብመስዋእትን ጀጋኑ ኤርትራውያን ነበርያ ነበረ ዝኾነን ዝበርዓነን *ሕልሚ ዓባይ ትግራይ* ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ሕሱርን ፍሹልን ዳግማይ ፈተነ ብተግባር ክትምክትዎ መድረኽ ይሓተኩም ኣሎ። ስለዚ ተባዕ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ነዞም ዝኣረገ ናይ ኣበሓጎታቶም መግዛእታዊ ሕልምታት ዳግም ንምምላስ ትልኽ ዝብሉ ዘሎዉ ባእታታት ንምምካትን ንምብርዓንን ብብዓቕምና ንበገስ። ኣብ‘ዚ ሓቀኛ መርበብ ሓበሬታ ደሃይ ኤርትራን ካልኦት ሃገራውያን ሰኪዔታት ሓበሬታን ድማ ካብቲ ትምታ ንኣደባባይ ወጺእና ድሕሪ ሚእቲ ዓመታት ብመሪር ቃልስን ብኣማኢት ኣሽሓት መስዋእትን ዝመጸት ሃገርና ኤርትራ ክንከላኸለላ ጥራሕ ዘይኮነስ ክንዕቅባን ተሪር ሓድነታ ዝሓለወትን ዝማዕበለትን ኤርትራ ንመጻኢ ወለዶ ንከነረክባ ንጥቅሚ ናይ ሓባር ኣደራሽና ወይ ሳግላና *ኤርትራ* ጉልበትናን ንዋትናን ብርዕናን ንምዘዝ።

 

v ብርሃነ ሃብተማርያም

 

Received on Wed Sep 24 2014 - 09:34:30 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved