Tigrigna.voanews.com: ቃለ መጠይቕ ምስ ኣይተ ገብሩ ኣስራት 1ይን 2ይን ክፋላት *ጽቡቕ ጌርኩም ስምዕዎ፣ ሰሚዕኩም ግን ትም ኣይትበሉ ግብረ-መልሲ ድማ ብሓቂ ዓጸፋ መልሱ።*

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 24 Sep 2014 15:34:00 +0200


ቃለ መጠይቕ ምስ ኣይተ ገብሩ ኣስራት 1ይ ክፋል


v መተሓሳሳቢ ወይ ለበዋ ንኹልኹም ኤርትራውያን ብሓፈሻ ነቶም ነባራት ተጋደልቲ ሕዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ *ነበርን* ከምኡ‘ውን ኣብቲ ውግእ 1998-2000 ዝተሳተፍኩምን ብፍላይ፣ ኣብዚ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ዝጸሓፎ መጽሓፍ መሰረት ብምግባር ምስ ድምጺ ሬድዮ ኣመሪካ ዝገበሮ ቃለ-መሕትትን ንኤርትራ ብዝምልከት ሰረትን ሓቂን ዘይብሉ ሓሶትን ዓጀውጀውን ብስሚዒት ዘይኮነስ ኣብ ታሪኻዊ ሰነድን መርትዖን ሓቅነትን ዝተመርኮሰ ብጽሑፍ ኮነ ብድምጺ ክትምክትዎን እቲ ብቃልሲን ብመስዋእትን ጀጋኑ ኤርትራውያን ነበርያ ነበረ ዝኾነን ዝበርዓነን *ሕልሚ ዓባይ ትግራይ* ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ሕሱርን ፍሹልን ዳግማይ ፈተነ ብተግባር ክትምክትዎ መድረኽ ይሓተኩም ኣሎ። ስለዚ ተባዕ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ነዞም ዝኣረገ ናይ ኣበሓጎታቶም መግዛእታዊ ሕልምታት ዳግም ንምምላስ ትልኽ ዝብሉ ዘሎዉ ባእታታት ንምምካትን ንምብርዓንን ብብዓቕምና ንበገስ።

 

v ብርሃነ ሃብተማርያም

 

Wednesday, September 24, 2014 ሰዓት'ቲ ከባቢ 12:34

ገብረ ገብረመድህን

ኣቶ ገብሩ ኣስራት ‘’ልኡላውነትን ዴሞክራስን ኣብ ኢትዮጵያ’’ ዘርእስታ መፅሓፍ ፅሒፎም ኣለው።ኣቶ ገብሩ ኣስራት ካብ 1971 ዓ/ም ክሳብ 1993 ዓ/ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ፖሊት ቢሮን ህውሓት ከምኡውን ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ፤ ካብ 1983 ዓ/ም ክሳብ ካብ ውድብ ህውሓት ዝተባረሩሉ 1993 ዓ/ም ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ ኮይኖም ሰሪሖም እዮም።

 ኣብ መፅሓፎም ብርክት ዝበሉ ኣርእስትታት ዳሂሲሶም ኣለው።ብድምፂ ይስምዑ።

1ይ ከፋል ሕጥበ-ጥቢቆ ሰንሰለት ጽሑፍ፦

http://tigrigna.voanews.com/audio/2455942.html

***************************************************************************************


ቃለ መጠይቕ ምስ ኣይተ ገብሩ ኣስራት 2ይ ክፋል


ገብረ ገብረመድህን

Wednesday, September 24, 2014 ሰዓት'ቲ ከባቢ 12:36

‘’ልኡላውነትን ዴሞክራስን ኣብ ኢትዮጵያ’’ ዘርእስታ መፅሓፍ ዝፀሓፉ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ኣብቲ መፅሓፍ ብዛዕባ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰፊሑ ኣቕሪቦም ኣለው።ርክብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ኣመዓባብላ ግጭት ክልቲአን ሃገራት፣ውዕል ኣልጀርስ ውሳነ ዘ ሄግን፣ምግምማዕን ምብራርን መራሕቲ ህውሓት/ኢህወዴግን ካልኦት ነጥብታትን ዘካየድናዮ ምሉእ ቃለ ምልልስ ኣቕሪብናዮ ኣለና የድምፁ።

 


ምሉእ ቃለ ምልልስ ምስ ኣቶ ገብሩ ኣስራት


http://tigrigna.voanews.com/audio/2460013.html

 <http://gdb.voanews.com/38D9B9E5-B6E2-4A33-B08A-D470052C220C_cx6_cy6_cw94_mw1024_s_n_r1.jpg> Gebru-Asrat

Gebru-Asrat




image002.jpg
(image/jpeg attachment: image002.jpg)

Received on Wed Sep 24 2014 - 09:34:04 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved