Festival Eritrea 2014 In Winnipeg and its environs, Manitoba Canada Concluded successfully with patriotic zeal.

From: Samuel Igbu <igbu.samuel_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 23 Sep 2014 14:59:14 -0400

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ዊኒፐግ ካናዳ ብድምቕ ዝበለ ኣገባብ ብዕለት 20 መስከረም 2014 ተባዒሉ

ኣብ’ቲ ዓመት መጸ ብፍቕርን ስኒትን ተሰንዩ ናይ ሎሚ ዓመት (2014) ፈስቲቫልና “ንርሁው-ጽባሕ ሎሚ-ንስርሕ” ኣብ
ትሕቲ ዝብል ቴማ ከምኡው’ን መበል 53 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኢርትራ ዝኾነን፡ ዝኽሪ ብምግባር ብልዑል
ኣገባብ ተባዒሉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቦ ወንበር ሽማግለ ብዓላት ኣት መድሃኔ ሃብተ ናይ እንቛዕ ድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምስምዑ፡ ኣቶ
ላምብሮስ-ክርያካኮስ ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ዊኒፐግ ካናዳ ብወገኑ፡ ንኣዳለውቲ ኮሚተ ብዓላት፡ ንመንግስቲ
ማኒቶባን መንግስቲ ሃገረ ኤርትራን በቲ ዝተገብረ ሓገዝ ምስጋና ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብቲ ብዓል ብኣካል ንዝተሳተፉን ሰላምታን
መልእኽቲ ምሕዝነት ንዝለኣኹ፡ ወከልትን መሓዙትን ዓሰርተ ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን መንግስትን የዕሩኽ ካናዳውያን ኣብ
ጎድንና ብምዃን ሰናይ ትምኒቶምን ምትሕግጋዞምን ንዝገብሩ መጉሱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካናዳውያን ኣዕሩኽ ኤርትራውያን ኣብ
ዝልኣኹዎን ኣብ ዘስምዕዎን መደረታት ነፍስ ወክፎም ንሓያል ኣወዳድባ ኤርትራውያን ካንዳውያን ማሕበረ-ኮማት ኣድናቖቶም
ገሊጾም።

ብድሕሪ’ዚ ሓላፊ ህዝባውን ቆንስላውን ጉዳያት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ፡ ኣቶ ኣሕመድ-ኢማም ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ
ኤርትራ ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ እቲ ልዑል ተራ ፈስቲቫላትና ኣብ ሓድነት ሕዝብና ኣትሪሩ ድሕረ ምዝኽኻር ታሪኻዊ ኣመጻጽእ
ፈስቲቫላትና ገሊጹ። ኣስዒቡ ኣቶ ኣሕመድ ኤርትራውያን ካናዳውያን ንዘጓንፎም ዘሎ ብድሆታት፡ በቲ ኣብ ህዝብና ሰሪቱ ዘሎ
ሓያል ሃገራዊ ሕልና ክብድህዎ ኣቲባቢዑ።

ዕብየት ባህላዊን ሃገራዊን ምስሌነ ህዝብና ኣብ ካናዳ ምስ ዝዓዝዝ ህዝብን መንግስትን ካናዳ ንሃብታም ታሪኽናን
ባህልናን ብግቡእ ከለልዮን ከምዘተባብዖን ንኣምን ብምባል ንህዝቢ ዊኒፐግ ንዘቕረቡዎ መደብ ፈስቲቫል ኣሞጊሱ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ጉጂለ ባህሊ ሕድሪ ናይ ዝተፈላለዩ ብሄራትና ዘንጸባርቕ ሳዕሲዒት ድሕሪ ምቕራቦም፡ ብህቡባት ድምጻውያን
ኣክሊሉ ፎቶ (ተፈኖ)፡ ምሕረት ዘርአሓንስ፡ መብራህቱ ሕድራይ ተሰንዩ ብዝተፈላለይ ቛንቛታት ንሕሉፍ ገድሊ ዘዘኻኽር
ሃገራዊ ዝኾነ ደርፍታት ብምቕራብ ድማ ንመኸተን ጽምዶን ዝገልጽ ሓያል ወኒ ብምልዕዓል፡ ብድምቀት ተባዒሉ። ውህደት ቅኒት
ባህልታትና ሕላገት መንነትና ብምዃኑ ቀጻሊ ዕብየት ፈስቲቫላት ኤርትራውያን ካናዳውያን ናብ ዕብየት የምርሕ ከምዘሎ
ኣረጋጊጹ።



ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና


ዓወት ንሓፋሽ!​
 P1100231.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PcjFNYUFjZGRORkk/edit?usp=drive_web>
​​
 P1100177.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PSUNJWWc1cEdSSGM/edit?usp=drive_web>
​​
 P1100184.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PcU1EMVdjbU8wWWs/edit?usp=drive_web>
​​
 P1100191.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PWkx6UEo5VXlhN2M/edit?usp=drive_web>
​​
 P1100193.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PVjlnRndWRHNjQUk/edit?usp=drive_web>
​​
 P1100196.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PN0pBZjk1TTN5WVk/edit?usp=drive_web>
​​
 P1100201.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PV1JWelpLbnhHTDg/edit?usp=drive_web>
​​
 P1100202.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65POVFLRHlYQ1d2RHc/edit?usp=drive_web>
​​
 P1100205.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PeWMxN0dhZjFvZlE/edit?usp=drive_web>
​​
 P1100211.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PLTdhVXJIMnBtUUE/edit?usp=drive_web>
​​
 P1100230.JPG
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PWG5qZ0JpN01TWkU/edit?usp=drive_web>



P1100230.JPG
(image/jpeg attachment: P1100230.JPG)

Received on Tue Sep 23 2014 - 14:59:15 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved