Fwd: Aesop Fables (zantatat Aesop: A Tigrigna Translation) Introduction

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 10 Sep 2014 22:58:29 -0400

 


 
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡-
እዝከረኒ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ “ ኣነ ንእሽቶ ቦኹሪ ወዲ
ኣሎኒ። ትግርኛ ክምህሮ ኣዝየ ኢየ ዝደሊ። እንታይ’ሞ ንዕኡ ዝኸውን መጽሓፍ ክረክብ
ኣይከኣልኩን። እዞም ትሸጦም ዘሎኻ መጽሓፍቲ ናይ ዓበይቲ ኢዮም” በለትኒ። ብቋንቋ ዕድሜ
ዝደፍኡ ኤርትራውያን ማለታ ኢያ። ልዕሊ ኹሉ ግና ብንያም ኣርኣያ ከም ኣቦ ቆልዑን ግዱስ
 ኤርትራዊን ከም ዝደፋፋኣኒ ወትሩ እዝክር።
ልክዕ ኢዩ… ቆልዑ መጽሓፍቲ ክገዝኡ ስለ ዘይክእሉ፡ ልዑል ኣቃልቦ ኣይተዋህቦምን።
ስለዚ ዝዀነ መጽሓፍ ነቶም ክገዝኡ ዓቅሚ ዘለዎም ሰባት ዝዓለመ ይመስል። ኣብ ርእሲ’ዚ
ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ሃገር ስለ “ዋሕዲ መጽሓፍቲ ቆልዑ” ክንገር ዝጸንሔ ኢዩ።
ሓተታኡ ሰፊሕ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ዝተማልኤ ናይ ሰብ ዓቅሚ (human power): ስርዓተ-ትምህርቲ
ህየሳ (curriculum development) ከምኡ ተሳትፎ ወለዲ (parental involvement) ዘድልዩ
 ብምዃኖም።
ብመሰረቱ እዚ መጽሓፍ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለው ዝዓለመ ኢዩ። ንመጀመርያ እቶም ናብ
ብዙሓት ቋንቋታት ዓለም ዝተተርጐሙ “ ዛንታታ ኤሶጵ” (Aesop Fable)፡ ብኹሉ ዝርድኦ
ትግርኛ ተተርጒሞም ኣለው። ከምኡ ንምርድኦም ምእንቲ ክጥዕም ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ምስናይ
ድሙቅ ስዕሉ (engraved picture) ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ክኸውን ከሎ፡ ዛንታ ምንባብ ጥራይ
ከይኰነስ፡ እንታይድኣ ቆልዑ ነቶም መሰጥቲ ስዕልታት ብምርኣይ ብሃንቀውታን ብትግሃትን
“ኣሳኣእላ ንምምሃር” ኢዩ። እዚ መጽሓፍ ብድምሩ ካብ ተስዓ ንላዕሊ ሓጸርቲ ዛንታታት
ኣለዎ። ብፍላይ ወለዲ ደቆም ብዝርድእዎ ቋንቋ ነቶም ዛንታታት ብምንጋር
(rewording/adaptation)፡ ንዓታቶም ዝመሳሰሉ ጽውጽዋያት ብዝቀለለ መንገዲ ብምግላጽ ካብ ብቃል ብግብሪ
 ክሳተፉ የድሊ። ምኽንያቱ ቆልዑ ካብ እንብሎ፡ እንገብሮ ዘበለ ምስዓቡ ስለ ዝቀለሎም።
 Children are realistic by nature; and for this, teach them by example
እኳ’ድኣ ይበሃል።
ብመሰረቱ ዕላማ ናይ’ዚ መጽሓፍ’ዚ ኣብ ኤርትራ ንምሕታም ኢዩ። እወ ፍልጠት
ምትሕልላፍ (transfer of knowledge) ዝብል መትከል ብምግባር። ስለዚ ዝዀነ ዜጋ ኣብዚ ዕማም
 ክትሓባበረና ንደሊ። ልዕሊ ኹሉ ግና ኣባላት ወይ ሓለፍቲ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ስደት (
ዲያስፖራ) ዘለው።
“ደቅና ቅድመና” ወይ our children come first ዝብል መርሖ ብምኽታል ንቅድሚት
ንገስግስ። ዮሃና ማሕተም ኣብ ዝስዕብ ንቖልዑ ኤርትራውያን ዝዀነ መጽሓፍቲ ዘቅርብ ምዃኑ
 ነፍልጥ።
ዋጋ ኣብ ኣሜሪካ ምስ መስደዲኡ $15.00 ኢዩ። ንወጻኢ $25.00። እዚ መጽሓፍ ብpay
pal ወይ ብቸክ/ማኒ ኦርደር ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ብምልኣኽ ክጥለብ ይከኣል።
Haile Bokure
P.O. Box 1395
Powder Springs, GA 30127
USA
HBokure_at_aol.com
Received on Wed Sep 10 2014 - 22:58:30 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved