ከም መንእሰያት ሃገርና ካባና እንታይ ትጽበ ኮምኡውን ሐጺር ጸብጻብ ናይ ዑውት 10ይ ዋዕላ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ II ሰሜን ኣሜርካን፡ Video clip poem( ግጥሚ)

From: Samuel Igbu <igbu.samuel_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 7 Sep 2014 21:45:53 -0400

​​​
 PoemAtconferencebyCanadianHidri&YPFDJChairman.wmv
<https://docs.google.com/file/d/0B5q0u3IhN65PUmRZNU14c2JYdzQ/edit?usp=drive_web>
​ዕድሜና ዘሰከመና ሃገራዊ ሓላፍነት ምግንዛብ፡ ምስካም: ዕላማ ታ ት ኣብ ግብሪ ም ው ዓል፡ኣብ ዘዘለናዮ ንጡፋት ናይ
ኮማትና፡ ኣምበሳደራት ሀገርና ሙካንን፡፡ ንጹር ዕላማን እምነትን ምህላዉ( እምነት ኣብ ዕላማ ገጥ ምባልን)፡ ንሃገራዊ
ረብሓታትና ልዕሊ ኩሉ ምስራዕን፡ ንሸውሃት ትምህርትን መሃዝነትን ምትብባዕ ነዚ ንክትግበር ከአ፡ ብትምህርቲ፡ ፍቅሪ
ሃገር፡ ተወፋይነትን መሃዝነትን ጥራይ ዝፍትሑ ምኻኖም ምስትውዓልን፡ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር ዝሓቶ ጻዕሪን ግዜን ኣገዳሲ ሙካኑ
ከኣ ሐያል ግንዛበ የድልዮ፡ ሃገር ንምህናጽ፡ ድልዱል ማሕበረ ሰብ(community)’ን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብርቱዕ
ጻዕሪ ዘድልዮ ሙካኑ መረዳእታ ምህላው፡ ምትብባዕን፡ ምጽናዕን ከም ዝሓትት ምስትውዓል የድሊ፡ ጻዕርን ስራሕን ካባና
ዘይሓልፍ ምኻኑ ምእማን፡፡

ኩሎም መንእሰያት ብፍላይ ከአ ኣብ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍን፡ ሕድርን ተጠርኒፎም ዝርከቡ፡ መንእሰይ ኤርትራ አብ ዝሃለውና
ሃሊና ሓላፍነት መንእሰያትናን፡ ኣብ ጥርናፈ ሕብረተሰብና(ኮማትና) ንሸባሸብ ከምዘለና የረጋግጽ፡ ንሃገርና ኤርትራ ውፉያት
ዜጋታት ክንኸውን ስለዘሎና፡ ካባና ናባና ስለዝኮነ ማዕንጣና ሸጥ ኣቢልና ሓያላት ኣበርከቲ ሃገርና፡ ብርእሲ ተአማንነት፡
ርእሰ ሙርከሳን፡ ሃገርና ከነዓቢ ብትምህርትን፡ ፖሎቲዊ ንቅሐትን ልቦናን ግስጋሳትና ነዕቢ፡፡

ቀጺለ ኣብ ዝሓለፈ ዑውት ዋዕላ መንእሰይት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ II ሰሜን አሜርካ ዝተካየደ፡ በማኢት ዝቁጸሩ
መንእሰያትና ካብ ኩለን ሑቡራት ህገራት ሰሜን አሜሪካ፡ ካናዳን አውሮፓን ዝተሳተፍናዮ ሃናጺ ዋዕላ ብፍላይ ከአ ናይሎሚ
ዓመት ፉሉይ ዝገብሮ፡ ዝበለጸ ናይ ሕድሪ ፕሮግራ ተዳልዩ ምንባሩ እዩ፡፡ ታሪክ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራን ካብጥንቲ ክሳብ
ዘሎናዮ እዋን ዝዓለመ ሙካኑ፡ ንወረስቲ ሕድሪ ክእ ሩኡይ ዕግበት ተገንዚበ፡ ተወሳኪ ፉሉይነት ሎሚ ዓመት መበል 20
ዓመት ሳዋ ካብ ዝጅምር፡ ኮሙኡ ድማ ማሐዙት ኤርትራ ኣቶ ግልን ፎርድ፡ ዳ/ሮ ቻርለስ ካንታሎፖ፡ ኣቶ አሚልዮ ደሉቺ፡
ወ/ሮ ሮሲዳ ሻቦዲን'ን ዳ/ሮ ሳሙኤል ማሃፊን ኣብዝ ሃቡዎ መረዳእታን፡ ቡዙሕ ካል ዝተፈላለየ ሙዚቃዊ ድራማታት፡
ማሕበራዊ ፍልጠት ከሙኡውን ፕረዘንተሺን ተካይዱ፡፡

ብተዛማዲ መንእሰይት ህ.ግ.ደ.ፍን፡ ሕድርን ካናዳ(Canada)'ን፡ (U.S.A)'ን ብሕጽር ዝበለ ሓያላ መልእክቲ ብ
ግጥሞምን ኣቃራርባን ንኹልና ተሳተፍቲ ፍናን የሕዲሮሙልና፡ ገለ ካብቶም ግጥሚ ዘቅረቡ ብጾት እንሆ ናይ ሰላም ሃይለ
ኣባል ቶሮንቶ ሕድሪ፡ ኮሙኡውን መንእሰይ ወልደትንሳኤ ምሕረትአብ ኣባል መሪሕነት መ/ህ.ግ.ደ.ፍ ውንፐግን ኣብ ዘስምዑዎ
መደረ ኣብ ናይሎሚ 10ይ ዓመት ዋዕላና ነዛ ሐጻር ቭድዮ ንትዓዘብ፡፡



ዘልአለማዊ ክብርን ሞጎስን ንሰማእትና!

ዓወት ንሓፋሽ!
Received on Sun Sep 07 2014 - 21:45:54 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved