Inddpendence day Celeberation in Las Vegas

From: hadnet keleta <hadnetina_at_yahoo.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 24 May 2014 02:57:53 -0700 (PDT)

merHaba Btsot, Please see below for independence day celeberation in Las Vegas. Thank you Hadnet ጽምብል መበል 23 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ላስ ቬጋስ ሕመኣ ግንቦት 21, 2014   መበል 23 ዓመት በዓል ናጽነት ኣብ ላስ ቬጋስ ሕመኣ “ንርሁው ጽባሕ፡ ሎሚ ንስራሕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብረቡዕ 21 ግንቦት ብዉዕዉዕ ሃገራዊ ወኒን ናይ መኸተ መንፈስን ተጸምቢሉ። ኣብቲ ኣስታት 300 ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ጽምብል ኣቦ መንበር ህግደፍ ኣቶ ግርማይ ኢሳቕ፡ ሃገራዊ መደባትና ንምኹላፍ፡ ውህደትና ንምዝራግን ራኢና ንምጥምዛዝን  ዘይተሓልመን ዘይተፈተነን ውዲት እኳ እንተዘየለ፡  ደርማስ መኸተ ህዝቢን ምንግስትን ኤርትራ ግን ከከም ኣመጻጽኡ ብምብርዓን ናብ ዝሓሸ ጽባሕ ይምርሹ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣብ ቅድመ ግንባር መኸትን ህንጸትን ሃገር ደውን ክብሉ ኣዘኻኺሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ሰነተር ዲስትሪክት ሓደ ላስ ቬጋስ ሰነተር ኣሮን ፎርድ ምስ በዓልቲ ቤቱ ምስ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ላስ ቬጋስ በዓል ናጽነት ከብዕል ምብቅዑ ከምዘሖጎሶ ምብምግላጽ፡ “ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተኸፍሎ ናጽነትኩም ንምዕቃብ ተርእይዎ ዘለኹም ስራሕ ንኻልኦት ማሕበረኮማት ኣብነት’ዩ” ብምባል ምስ ኤርትራን ማሕበረኮም ኤርትራን ንምስራሕን ጥቡቕ ምሕዝነት ምፍጣርን ምንዮት ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ። ብዘይካ’ዚ፡ ከንቲባ ከተማ ላስ ቬጋስ ካሮሊን ጉድማን፡ 24 ግንቦት 2014 መዓልቲ ኤርትራ ኮይና ክትዝከር ኣዋጅ ኣውጺኣ (ጥብቆ ንመልከት)   ብምቕጻል፡ ቃል ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ምስተሰምዐ፡ ሃገራዊ ወኒ ዝቕስቅሱ መሰጥቲ ምርኢታት ብመንሰያት ህግደፍን ሕድርን ንተሳተፍቲ ጽምብል ፍሉይ ጦብላሕታን ተምሳጥን ዘሕደሩ መዛሙር፡ ዜማታትን ትልሂን ኣቕሪቦም። እቲ ምሸት ብድምጻዊት ሄለን ጳውሎስ ንወኒ ህዝቢ ዘለዓዕል ጣዕመ ዜማታትን ቐሪቡ።     ዓወት ንሓፋሽ ሓድነት ቀለታ


dance_1.jpg
(image/jpeg attachment: dance_1.jpg)

Ford.jpg
(image/jpeg attachment: Ford.jpg)

merhawit.jpg
(image/jpeg attachment: merhawit.jpg)

hidri-cake.jpg
(image/jpeg attachment: hidri-cake.jpg)

dance_7.jpg
(image/jpeg attachment: dance_7.jpg)

dance_kid.jpg
(image/jpeg attachment: dance_kid.jpg)

Received on Sat May 24 2014 - 05:57:59 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved