Erigazette.org: መበል 40 ዓ መት ፈ ስ ቲ ቫ ል ቦ ሎኛ ኣ ዳ ላ ዊ ት ሽ ማግ ለ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 17 May 2014 21:20:27 +0200


 <http://erigazette.org/?p=7949> መበ ል 40 ዓ መት ፈ ስ ቲ ቫ ል ቦ ሎኛ ኣ ዳ ላ ዊ ት ሽ ማግ ለ الذكرى 04 للمهرجان بولونيا اللجنة المنظمة 40th Anniversary Festival Bologna Organising Committee ቦሎኛ! እታ ካልእ ኣደ ጽንዓት፡ ትእምርቲ ማእከል ሓድነት 1974-2014


17.05.2014


ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣብ ምዕዋት ቃልሱ ካብ ንዋት ክሳብ ህይወት ብምውፋይ፡ ነታ
ወትሩ ዝሓልማ ዝነበረ ዘውዲ ናጽነቱ ዝደፍአ ህዝቢ እዩ። ኣብ ሓርነታዊ ቃልስታት ከኣ፡ ከምኡ ዝጸንዐ፡
ከምኡ ዝመከተ፡ ብዘይ ምግናን፡ ከምኡ ገይሩ መስዋእቲ ከፊሉ ናጽነቱ ዝጨበጠ ህዝቢ የለን። ክብርን
ሞጎስን ንዘንቱ ዕለት ንዕኡ ይኹን።

ኣብ መዝገብ ታሪኽ ተሰኒዱ ከም ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ተበራረይቲ መግዛእቲታት፡ ዓዱ ገዲፉ
ንስደት ዝተቐሰበን ተጣባቒ ዝሰኣነን ህዝቢ እዩ። እንተኾነ ተሰዲዱ ህይወቱ እናመርሐ፡ ዋኒኑ ኣብ
ምኽታት ጥራይ ኣይተደረተን። ኣኳ ድኣ፡ ኣውራ ሃምን-ቀልቡን ምስቲ መግዛአቲ ኣብ ምስጓግ ዝቖሻመድ
ዝነበረ ሰውራዊ ውድቡ እዩ ነይሩ። ኣብ’ተን ተሰዲዱ ዝነብረለን ሃገራት ከኣ፡ ሓድነቱ እናኣትረረ፡ ዓበይቲ
ሰላምዊ ሰልፍታት ብምውዳብ ኮኔንኡ ንመግዛእቲ ደርግ ይገልጽን ጠለቡ ተሰማዕነት ክረክብ ጥርዓናት
የቕርብን ክሳብ ከቲቱ ይዓጥቕን ነይሩ።

ኣብ ምትእኽኻብ’ቲ ሓያል ሓድነታዊ ውዳቤታት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዝነበሮ ቃልሲ፡ ከም ሕመረት
ወይ ማእከል ስሕበት ሓድነት ኮይና ንኣስታት 20 ዓመታት ዘገልገለትን ታሪኽ ኣደነት ዝሰነደትን
ኢጣልያዊት ከተማ ቦሎኛ እያ። እዛ ከተማ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኤርትራውያን ብምጥርናፍ፡
ባህሎምን መንነቶምን ኣብ ምልላይን ምዕቃብን፣ ሓድነቶም ብምትራር ደገፎን ንሰውራኦም ኣብ
ምርግጋጽን ባይታ ሓድነትን መኸተን ኤርትራዊ ኮይና ኣገልጊላ።

ቦሎኛ፡ ሪም ተስፋን ብሩህ መጻኢ ሓርነትን ልምዓትን እያ። ከተማ ቦሎኛ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ
መታን ኪጸንዕን ዘይተርፍ ዓወቱ ከም ዝጭበጥ ሓቦን ኒሕን ዘስነቐት፣ ኣደ ጽንዓት ኮይና፡ ጽንዓት ህዝቢ
ዘመስከረት ትእምርተ-ትእምርቲ ከተማታት ዓለም እያ። ብሓፈሻ፡ ከተማ ቦሎኛ፡ መድረኽ ውርሻ
ኤርትራዊ ባህልን መንነትን ጅግንነትን ዝሓዘለት እያ።

ስለዚ ከኣ፡ ሎሚ ከተማ ቦሎኛ፡ ኣብ ምጽንባል ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምጅማር ሓድነታዊ
ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ትርከብ ኣላ። ዮሃና ንከተማ ቦሎኛ! ዮሃና ነቶም ኣብ ቦኽሪ ፌስቲቫል ቦሎኛ
ዝተሳተፉ ሓርበኛታት ኣቦታትን ኣዴታትን! ዮሃና ነቶም ናይ ሽዑ መንእሰያትን ናይ ሎሚ ኣያታት! ዮሃና
ነቶም ኣብቲ ግዜ፡ እግሪ ተኽልን ተመሃሮን፡ ናይ ሎሚ ሃገራውያን መንእሰያት! ዮሃና ንሓርበኛታት
መበ ል 40 ዓ መት ፈ ስ ቲ ቫ ል
ቦ ሎኛ
ኣ ዳ ላ ዊ ት ሽ ማግ ለ

الذكرى 04 للمهرجان
بولونيا
اللجنة المنظمة
40th
Anniversary Festival Bologna Organising Committee
ኣዴታትን ወይዘራዝርን! ብሓፈሻ፡ ዮሃና ነቶም ኩሉ ከም ዝከኣልን ክውን ከም ዝኸውንን ብምእማን፡
ንርጉጽነትን ዓወትን ፌስቲቫል ቦሎኛ ሽግ ዝወላዕኩም ኣምባሳደራት ቃልስን ሓርነትን ኤርትራውያን!!

በዚ ኣጋጣሚ’ምበኣር፡ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ጽንብል 40 ዓመት ምጅማር ፌስቲቫል ቦሎኛ፡ ኩሉ
ኤርትራዊ ተዘክሮታት ዝሓለፉ ፌስቲቫላት ከሐድስ፣ ብራሕቂ ቦታ ንነዊሕ ግዜ ዝተራራሓቓ ሓድነታውያን
ገጻት ኪራኸባን ተመስጦታተን ከዘንትዋን… ኣብዚ ተዳልዩ ዘሎ ዝኽርን ንጥፈታቱን ኪሳተፉ ብኽብሪ
ትዕድም።

እቲ ምንታይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ውራዩ ኣብ ምድማቕን ምክብባርን ፍሉይ ባህልን ክብርን ስለ ዝውንን፣
ዝኽሪ ምትሕቝቋፍ 40 ዓመት ፌስቲቫል ቦሎኛ ድማ፡ ውራዩ ስለ ዝኾነን ሕድሪቶም እግሪ ኣትኪሎም
ዘሳገምዋ ብህይወት ዘየለዉ’ውን ስለ ዝኾነን ቤት ወግዒ ዳሳት ተኺላ፡ መጎዓዝያታት ኣዳልያ፡ መዕረፊ
ኣጋይሻ ሓዚኣ ዕድሜኹም ትብል ኣላሞ፡ ኩሉ ግዱስ፡ መርሓባ ኪብላን ኪገሻን ትጽውዕ።

ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ፌስቲቫል ቦሎኛ፡ ካብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ደረፍትን
ሙዚቀኛታትን፡ ወሃብቲ ሰሚናራት፡ ኤግዚብሽናትን ካልእን ዘጠቓለለ መደባት ተሰሪዑሉ ኣሎ። ዝኽሪ
ፌስቲቫላት ንምሕዳስ፣ ሓድነትን ባህልን መንነትን ንምንጽብራቕ፡ ጉዕዞና ናብ ከተማ ቦሎኛ ይኹን።
ብሰላም ምጹ።

መተሓሳሰቢ፡ ብኩሎም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ቦሎኛ 2014 ዝምላእ መዝገብ/ፎርም ተሳተፍቲ ተዳልዩ ኣሎ። እዚ መዝገብ ንኣዳለውቲ
ፈስቲቫል ይኹን ንኹሉ ምቅርራብ ክሕግዝ ኢሉ ዝተዳለወ ፎርም እዩ። ስለዚ ኩሉ ተሳታፋይ ነዚ ፎርም ክመልእ ይሕተት (ኩሎም
ትሕቲ ዕድመ እውን ነፍስወከፎም ክምልኣሎም ይግባእ)። መዝገብ ንምምላእ ዝስዕብ ሊንክ ጠውቑ።

https://hagger.wufoo.eu/forms/eritrean-festival-bologna-participant-registration/

ዓወት ንሓፋሽ!!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት!!
ዝኽሪ ነቶም ፌስቲቫል ቦሎኛ ክውን ዝገበሩ!!
ኣ/ሽ/ጽንብል መበል 40 ዓመት ምጅማር ፌስቲቫል ቦሎኛ።


 


 

Received on Sat May 17 2014 - 15:20:40 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved