ሞረባዕ (Zink House-ዚንጎ ገዛ)፡ ግዝያዊ ልበ-ወለድ

From: <hbokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 17 May 2014 09:18:52 -0400 (EDT)

እዛ ሓጻር ልበ-ወለድ ብልማድ ዝጸንሐ ገዛ ንምውናን ክሳብ ክንደይ ድልየትናን ትምኒታን ሕልምናን ከም ዝኾነ ትገልጽ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እነካይዶ ጻዕርን እነሕልፎ ሰንከልከልን መዘና የብሉን። ምኽንያቱ መትከልናን መምዘኒናን ኣብ ሕብረተ ሰብና ስለ ዝኾነ። በዚ ዝተላዕለ ድማ ኣብዚ ዳግመ-ህንጻ ሃገርና፡ ገዛ ንምጥራይ ዝርኤ ህንደዳ ካብዚ ብኽብሪ እንርእዮ ባህሊ (value) ኣይፍለይን።



                                                                   
                                                                                             ሞረባዕ
        ኣብሓደ ዓዲ ጥምቀት ቆልዓ እዩ ነይሩ። ግዚኡ ድማ መስቀል ብራቅ። ኣብቲ ብሕርዶትን ብሰቲን ዝሽትት ዝነበረ ህድሞ ሓደ ቀሺ ነቶምኣብኡ ዝተዓደሙ ኣባጽሕ “ ግራት ዓድና ዝዝርኦ ስኢኑ፡ ኹሉ ናብ ኣስመራ ኻብ ወሓዘ” በሉ። ተኽላይ ዝበሃል ጐበዝ “ ሓቅኹም ኣቦቀሺ። ኹሉ መርዓቱ፡ ግራት ዓደቡኡ ገገዲፉ ናብ ኣስመራ ከይዱ። እወ ኣብኡ ገንዝብ ሓፊሱ ኣብ ዓዲ ሞሮባዕ ከስርሕ ግዲ። እንትርፎሰብኣይሲ በዓል እዝገሃርያ እናኸደማ ህድሞ ኣፍሪሰን ንበዓል ኣቡኤን ሞሮባዕ ኣስርሔን። ዓድና ድማ ምድረ ሰማይ በጣዕጣዕ ክብልከሎ፡ ብቀረባ ኾነ ብማዕዶ ብልጭልጭ ትብላ ኣላ” በሎም። ኣቦ ቐሺመስቀሎም ወስ እናበሉ “ ብዘይ ሽሻይ ዘራእቲ መሮባዕ ኣይሞምቆኳን’ዩ። ግን ኣስርሔ ክትብል የርውየካ ይኸውን” በሉ።
        ከምዝጠቀስናዮ ተኽላይ ሓለንጋይ እቲ ዋና መልዓሊ ኣርእስትና ኢዩ። ኻብ ዝምርዖ ዳርጋ ኽልተ ወርሒ ሓሊፉ። እዛ “ሞሮባዕ” እትብልቃል ኣብ ኣእምሮኡ ኻብ እትስረጾ ጀሚራ ድቃስ ከልኣቶ። ሓደ ግዜ መርዓቱ ገዲፉ ናብ ኣስመራ ኸደ። ኣብ እንዳ ሑጻ ብውሑድ ደሞዝስራሕ ጀመረ። ስለዚ’ውን ንኽራይ ገዛን ንመጋቦን ክኸፍል ክብል ንሞሮባዕ ዝኸውን ተረፍ ገንዘብ ከዋህልል ሸገሮ። ብሓቂ ብሓቂ ናብራከተማ ኣሽንኳይዶ ንውልቁ ንስድራ ከቢድ ምዃኑ ክግንዘብ ከኣለ። ይኹን እምበር ጽባሕ ድሕሪ-ጽባሕ ዘርብሕ ስራሕ ክረክብ ካብ ምሕላምዓዲ ኣይወዓለን። በዚ’ውን ዘይፈተኖ ስራሕን ዘይለወጦ ቦታን ኣይነበረን። ከም ኦፐራዮ ( ዘይሰልጠነ ሰራሕተኛ) ዶሞዙ ብሳንቲምክልተ ሳንቲም ይፈላለ ድኣ እምበር፡ ወትሩስ ከምዘይተጸበዮ ውሑድ ኢዩ ነይሩ። በዚ ዝኣክል ብዙሕ ኣስቆርቆረ።
        ሓደመዓልቲ ወዲ ዓዱ ንእግረ መንገዱ ምስ ረኸቦ “ ክሳብ ሎሚ በይንኻ እትነብር ከም ዘሎኻ፡ በዓል ደቂ ሃብቲት ነጊሮሙኒ። ናብራ እስኮቡሊኣይምነወካን ድዩ? ነታ ኣብ ዓዲ ዝገደፍካያ መርዓትካ ዘይተምጽኣ” በሎ። ተኽላይ “ ቅድም ቀዳድም ኣብ ዓደይ ሞሮባዕ ከየስራሕኩኣየምጽኣን’የ” በሎ። ንሱ “ ኣንታ ካባይ ጀሚርካ መዓስ ኩላ ብዓዳ ሞሮባዕ ኣስሪሓ! ቀስ ኢልካ ተርክበሉ ዓርከይ ተኽላይ! ግድ የብልካን መርዓትካ ኣምጽኣያ። ለድ ደኣ ለድ (ውለድ)” በሎ። ተኽላይ“ ከምታ መውጽኢተይ ቅድም ቀዳድም ሞሮባዕ ኢየ ዘስርሕ” በሎ ። እቲ ዓርኩ እናተጸወገ “ ወዲ ኣትዬ! ካን ንቅጽ ኢልካ ሞሮባዕእናበልካ!” ኢልዎ ኸደ።
        ተኽላይስለ ዝጽምዎ፡ ዳርጋ መብዛሕትኡ ኣብ እንዳ-ሰዋ ኢዩ ዘሕልፎ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ንዕኡ ዘይፈልጥ ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ ሓደመሳትይቱ፡-
 
                                                        2
“ ኣንታ ተኽላይ ወዲ ዘወልዲ’ዶ ትፈልጦ’ዶ?”
“ እቲ ወዲ ጐዶቦና ድዩ?”
 “ እወወዲ ጐዶቦና!”
 “ ሞሮባዕኣብ ዓዲ ኣስሪሑ’ዶ?”
 “ ኣየስርሔን።ግን እታ ሓብቱ ኣስሪሓ!”
 “ ካንቀዲማቶ! እዚ እቶናይ!”
“ እንታይ ማለትካ ኢኻ?”
“ ወሪኡ ኣሎኒ! ኣይ ቦኽሪ ገዛ እንድዩ!”
“ በል ናይ ሞሮባዕ ይጽንሓልና። ወዲ ከም ዝወለደ ክነግረካ ኢለ’የ ዝሓተትኩኻ።”
“ መርዓትካ ኣምጽእኻያ’ዶ?”
“ ኣይምጽኣኽዋን!”
“ እባእ እንታይኮንካ ተኽላይ! ኣምጽኣያ ድኣ! ደሓን ትለድ ትለድ!”
ከምዚ ኢሉ ከዕልል ከሎ እታ ኮማሪት ጽን ኢላ ትሰምዕ ነበረት። ሓሳብልቡ ብዛዕባ መረባዕ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠት ክትድልሎ ጀመረት። ስለዚ ክሰትየላ ክመጽእ ከሎ “ ደሓን ደኣ ሓንቲ መዓልቲስ መረባዕከተስርሕ ኢኻ” ክትብሎ ከላ፡ ተሓጉሱ ኣብ ክንዲ ስዋ “ ኣረቂ ስተዪ” እናበለ ይኸፍለላ ነበረ። ዳርጋ ውሽሙኡ ኾይና ተሰመዓቶ።ኸይተፈለጦ ድማ “ሞሮባዕ” ዝብል ሳጓ ኣውጽኣትሉ። ካብ ሕጂ ጀሚርና ኣብ ክንዲ ተኽላይ “ሞሮባዕ” እናበልና ክንጠቅሶ ኢና።
        ኣብቲገዛ ቀዳመ-ሰንበት ክኸውን ከሎ ሓደ በዓል ዋጣ ይመጽእ ነበረ። ኩሉ ግዜ ክደርፍ ከሎ ንሞሮባዕ ጭንቀቱን ሽግሩን የረሳስዖ ነበረ።በዚ ድማ ሓንሳእ የስትዮ ሓንሳእ ከኣ ንመተባብዒ ኣቅራሽ ኣብ ገጹክጥቀዓሉ፡-
                ለለየ!ለለየ! ለለየ!
                እም!እም! እም በሉ….
                                                 3
ሞሮባዕ ዓዲ ኣይትተሃወኸሉ
                ቀስኢልካ ተርክበሉ።
        እናበለይደርፈሉ ነበረ።
 
        “መዓስየ ሞረባዕ ዘስርሕ” እናበለ ወትሩ ካብ ምሕሳብ ኣይዓረፈን።ሓደ ግዜ ካብ ብርቱዕ መስተ ዝኣክል ከቢድ ድቃስ ስለ ዝሰዓሮ ኣብ ዓዲ ምስ የዕርኽቱ ኾይኑ ሓደ ግድግዳ ክሰርሕ ከሎ ሓለመ። ምስተንስኤ “ ኣነ ሞሮባዕ ከስርሕ እናበልኩ ስለምንታይ ብሕልመይ ግድግዳ ክሰርሕ ሓደርኩ” እናበለ ኣስቆርቆረ። ሕልሙ መን ይፍትሓሉ።ናብታ ጐራሕ ኮማሪት ከይዱ ዝሓለሞ ክነግራ ከሎ ኣዝዩ ከም ዝጐሃየ ተረድኤት’ሞ “ ንኢታይ ምሕረት ብዛዕባ ዝሓለምካዮ ኣካፍለን፡ክፈትሓልካ ኢየን። ከምኡ ገንዘብ ሰው ኣብለለን” በለቶ። ኢታይ ምሕረት ንዕኣ ቀረባ ዘመድ ኢየን ነይረን። ብዕላል ዝመጸ እታ ኮማሪትብዛዕብኡ ተዕልለን ነይራ። ከም ዝሓበረትሉ ድማ ናብኤን ይኸይድ’ሞ፡-
        “መዓልክንኣደ ኢታይ” ይብለን’
       “ እግዚኣብሄይ ይመሰግን። ኮፍ በል ኣብቲ ኩርሲ።”
       ጸንሔን “ ብደሓንካ ዲኻ? እንታይ ድኣ ኣምጽኣካ?”
        “ ትማሊ ናብ ሰኑይ ዘውግሕ ዘይተጸበኽዎ ሓሊመ።”
         “ ደሓን ኣይትጨነቅ። ሕልሚ ኩሉ ግዜ እትትምነዮ ብኣንጻሩ ኢዩ ዘርእየካ።ንኣብነት መርዓ ለይቲ ሞት ክኸውን ይኽእል ወይ ሞት ለይቲ መርዓ ክኸውን ይኽእል። ሓዊ ማይ ወይ ማይ ሓዊ ክኸውን ይኽእል። ንምዃኑእንታይ ኢኻ ሓሊምካ?”
        “ኣብ ዓድና ግድግዳ ክሰርሕ ከሎኹ ሓሊመ።”
“ ደስ ይበልካ። ኣብ ክንዲ ብዕንጨይቲብእምኒ መረባዕ ክትሰርሕ ሓዲርካ ማለት ኢዩ።”
“ ሓቅኽን ዲኽን?” እናበለ ብሓጐስተፈንጭሔ። ዝነበሮ ገንዘብ ነጊፉለን ከደ።
ንጽብሒቱ ከም ልማዱ እንዳሰዋ ምስ ከደ እታ ኮማሪት እናተፈሸኸት “ እታይምሕረት ሕልምኻ ፈትሔናልካ’ዶ? ናይ ደሓን ድዩ?” ኢላ ሐተተቶ። ሞሮባዕ “ ወዮ ክሰርሖ ዝሓደርኩ
                                                3
ግድጊዳ ከም ዝትምነዮ ሞሮባዕ ኰይኑ። ኣምላክ ይመሰገን። ሓዲኣስ ኣላ!ቅድሒ” በላ። ንሳ ሕራይ “ ኣረቂ’ዶ ክቀድሓልካ?” ሞሮባዕ “ ሕራይ! ንዓኺ’ውን” ኢሉ ኣቅራሽ የሕቁፋ።
        ኣብቲእንዳሰዋ ሓደ ደርገፍገፍ እናበለ መጺኡ፡-
    “ ኣታ ሞሮባዕ! ጉድ ተረኽበ” በሎ።
    “ እንታይ ኣታ?”
    “ ኣይልማድናን ኣይባህልናን!”
    “ እንታይ ትብል ኣታ?”
    “ ርኤኻ ኣደይ ዝፋን ዘይርኹብ ረኺባ። ትዝክራ’ዶ እታ ዓባይ ሓብታ ሰይቲ ጥልያን ዝነበረት? ንሳ ምስ ሞተት ክልተዓበይቲን ክልተ ንኣሽቱ ገዛውቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝኸውን ወረሰቶ።ብድሕሪዚ ዝዓበዩ ንኣሽቱ ደቂ ሓብታ፡ ስለምንታይ እቶም ገዛውቲ ምስ ዝሞተት ኣደና ተማቅልኪ ዘይትወርስዮ። ከም ሓብቲ መጠን ይግብኣእዩ። ከምኡ’ውን ንሕና ከም ደቃ መጠን ኢሎማ። በዚ ዝተላዕለ ንሓትኖኦም ቆመና ክሳብ ኣብ ቤት-ፍርዲ ኣብጺሖማ። ኣብ ርእሲ’ዚንዓሰርተ ዓመታት ዝኣከበቶ ክራይ ገዛውቲ ተጸብጺቡ ክኽፈሎም ሓቲቶም። ግናኸ ንሳ ንኸለቅልቆም፡ ሓጹር ክገብረሎም ክብል ብዙሕ ገንዘብኣውጽኤ’የ በለቶም። ኣብ መወዳእታ ግና ሓሓደ ዓቢይን ንእሽቶን ገዛን ክማቀልዎ ተፈርደ”
        “እንታይ ትብል ኣታ? ከምዚ ኣሎ ድዩ’ኸ?”
        “ብርስቲ ዝመጸ ክንደይከ ዘይተጻልኤ፡ ሓሊፉ ተሪፉ ኣብ ፍትሕን ደም ምፍሳስን ዘይበጽሔ”
        ሞሮባዕገጹ ጸማልያ መሲሉ እንዳደነነ “ ስተ” ይብሎ። ወዮ ኮማሪት ቡን ዝተክኽ መንከሽከሽ ኣምጽኣ ከተጭንዎ ከላ “ ሞሮባዕ እንታይድኣደኒንካ?” እናበለት ኣብ ገጹ ከሽ-ከሽ ኣበለትሉ። ከምዚ ክትገብርሓሳቡ ኣዘሮቶ። በዓል ዋጣ ትቅብል ኣቢሉ፡-
         ከም ግድጊዳ ነዲዱ ዘይብል ባዕባዕ
       ኣንታወባዕባዕ! ባዕባዕ…….
       ኣይኮነንዶሞረባዕ። ኢሉ ደረፈ።
        
                                                4
እታ ኮማሪት “ትሰምዖ’ዶ ለኻ ዝደርፎዘሎ? ሞሮባዕ ብእምንን ዚንጎን ስለ ዝስራሕ ኣይነድድን ኢዩ” በለቶ። ንሱ “ እወ ሓቅኺ! እንታይ ኢኺ ትሰትዪ” በላ። ንሳ “ኣረቂ”ኢላ ኣብ ክንድኡ ግን ብምትላል ኣብ ኒከሊ ማይ መሊኣ ክተሰቲ ጀመረት።
        ብድሕሪዚሓደ መዓልቲ ኣብ ማእከል ከተማ ሰለይ ኢሉ ክዛወር ከሎ ሓደ መታዕብይቱ ረኸቦ’ሞ፡-
 “ ኣንታ ተኽላይ ዓቢርካ እምበር” በሎ።
 “ ሓቅኻ ንሞሮባዕ ዝኸውን ገንዘብ የዋህልል ስለ ዘሎኹ’የ።”
 “ እንታይ ትብል ኣታ! ክሳብ ክንድ’ዚ ንሞረባዕ ክትብል ነብስኻ ወዲእኻ!”
“እንታይ ይገበር ኢልካ ኢኻ!”
 “ ክንደይ ቆልዑ ወሊድካ?”
        “ ኣንታ ኣይወለድኩን። ቀደም ሞሮባዕ ከስርሕ ኢለ ንመርዓተይ ኣብ ዓዲ ሓዲገያ ምስ መጻእኹ’የ። ካብ ዘይርእያ ብዙሕዓመታት ሓሊፉ።”
        ብድሕሪዚመታዕብይቱ “ በል ብደሓን የራኽበና። ንኹሎም ሰላም በለለይ” ኢሉ ከደ።
        ቀጺሉሞሮባዕ ካብ ማእከል ከተማ ወጺኡ ናብ እንዳስዋ ክኸይድ ከሎ ብማዕዶ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ዋና ገዛ ክትቋዮቅ ረኣያ። ምኽንያቱ ንሹዱሽተወርሒ ዝኣክል ክራይ ገዛ ስለ ዘይኸፈለታ፡ ሓደ መዓልቲ ሓስያ “ ከለቅልቆ’የ ኣቅሑኺ ኣውጽእለይ ” ምስ በለታ ኣውጽኣቶ። ብድሕሪዚእናረኣየት ካልእ ቤተ-ሰብ ጸዊዓ ኣካረያቶ። በዚ ዝኣክል እታ ሰበይቲ ምስ ዛሕዛሕ ዝበሉ ኣቅሑታን ደቃን ኣብ ደጋ ተደርብያ ተረፈት።
        ሞሮባዕነዚ ክርኢ ብጣዕሚ ሓዘነ። ከምዚ ምእንቲ ከይወርዶ ኣብ ዓዲ ዘየስርሔስ ኣብ ከተማ ገዛ ከስርሕ ተመነየ። ሓቃቶም ኢዮም እንግሊዛውያን“Every man’s house is his castle” ማለት “ገዛኻ ዕርድኻ ኢዩ” ክብሉ። ብሕልፊ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተ-ሰብእቲ ዘገድስ ሞሮባዕ ምስራሕ ከይኮነስ፡ እንታይድኣ እቲ ብኣኽብሮት ዝሪኦ ጣቋ (value)እዩ። ነዚ ረቂቅ ባህሊ(immaterial culture) [1] ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሃርኮትኮት ምባሉ ኣይተርፍን።
                                                5
ብድሕሪ’ዚ ኣብቲ እንዳስዋ ከሎሓደ በዓል ሎቶርያ መጸሞ ንሞሮባዕ፡- “ እንተድኣ ብሓደ ቅርሺ ሓደ ትኬት (ወረቀት) ገዝእኻለይ፡ ብዕድል ዓሰርተ ሽሕ ክበጽሓካይኽእል ኢዩ”
 “ሓቅኻ ዲኻ” በሎ።
“ ስጋደማርያም ሓቀየ!”
ንሱ “እንተድኣ ዓሰርተ ሽሕ በጽሑኒ፡ ሞሮባዕ ኣብ ዓድን ኣስመራን ከስርሕ እኽእልማለት እዩ ” ኢሉ መዓት ሎቶሪታት ገዝኤ። ግን ኣይበጽሖን። በዚ ኣዝዩ ተባሳጨወ። ሓሊፉ ተሪፉ ብዙሕ ገንዘብ ክበልዕ ክጣላዕ ጀመረ።ሓደሓደ ኣሻጢራት ድማ እናሓባበሉ ገንዘቡ ኣባኸንዎ።
ጥራሕ ኢዱ ተረፈ!
ኣብ መወዳእታ ሞረባዕ ብጣዕሚ ሓመመ።ኣብታ ጽምዋ ገዝኡ ስኣን በጻሒ ሞይቱ ተረኽበ። ፖሊስ መጺኦም ገዝኡ እንተፈተሽዎ እዚ ዘይበሃል ሎቶርያታት ወረቀት ረኸቡ። ሓንቲወረቀት ቁጽራ ዓሰርተ ሽሕ ከም ዝበጽሖ ተርኢ ነበረት። ካልኦት ቁጹራ ከንብብሉ ስለ ዝረስዓ ኣምለጠቶ። ብድሕሪዚ ቤተ-ሰቡ ብሓደወገን ብዘይ ሓድጊ ተፈልዩና ኢሎም ክሓዝኑ ከለው፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ሎቶሪ ከም ዝበጽሖ ዘበስር ወረ ሰምዑ። በዚ ዝኣክል ኣብዛ እንነብረላ ግዜያዊት ዓለም ሓጐስን ጓሂን ተፋራሪቆም ክወርዱና ምድንጻውናኣይተርፍን።
                                  ተፈጸመ።



 
Received on Sat May 17 2014 - 09:18:56 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved