Madote.com: ትርጉምን ርዝነትን ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 16 May 2014 19:00:30 +0200

ትርጉምን ርዝነትን ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ


By <http://www.dehai.org/archives/dehai_news_archive/2014/may/att-0280/Significance_and_Meaning_of_Independence_Day.pdf> Yosief Abraha,


May 16, 2014 | 3:04 AM


 <http://www.madote.com/2014/05/the-significance-and-meaning-of.html> 10comments

ትርጉምን ርዝነትን ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ዝግለጽ ኣይኮነን፡፡ ንኽብሪ ማዓልቲ ናጽነት ግንቦት 24 ግን፡ ብዓቕመይ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ከበርክት ተደሪኸ ኣለኹ፡፡ ርሑስ ባዓል ናጽነት እናበልኩ ድማ፡ ከተስተማቕርዋ ተስፋ ይገብር፡፡

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ን23 ዓመት ዘስተማቕሮ ዘሎ ናጽነት ክጎናጸፍ ዝኸፈሎ ዋጋ ከቢድን ሒደት መወዳድርትን ዝርከቦ ምኻኑ ኣእምሮ ዘለዎ ዝኽሕድ ፉጡር የለን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣዝዩ ከቢድ ስለዝኾነ ድማ፡ ብናጽነቱ ዝዋዘ ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ንምምጻእ ኮነ ናጽነት ንምዕቃብን ንምውሓስን ዕጥቁ ዘይፈተሐ፡ ቃልሱ ዘየባተኸ፡ ሓቂ ብዝመስል መታለሊ ፍሕሶ እከይ ነጋሪት ዘይተታለለ ህዝቢ እዩ፡፡ ይትርፍ ሰብ እዚ ሰብሲ፡ መሬት እዛ መሬት እኳ ልሳን እንተዝህልዋ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምመስከረትሉ ነይራ፡፡

ታሪኽ ከምዝምስክሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዓድን ቁሸትን ተጠርኒፉ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቶም መሬቱ ክግብቱ፡ ሃብቱን ጥሪቱን ክዘምቱ፡ ዓዱ ከባድሙ ብናይ ዓመጽ ወራር ዝመጹ፡ ገደል ዝሸውሃቶም ሽማምንቲ፡ ኣማን ሰጊድ ኢሉ፡ ኢድ ነሲኡ፡ ክሳዱ ኣድኒኑ ኣይተንበርከኸሎምን፡፡ እዚ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ንትርጉምን መቐረትን ናጽነት ዝፈልጥን ንህላዌኣን ውሕስነታን ዝተቓለሰን መስዋእቲ ዝኸፈለን ህዝቢ፡ ነቶም ድሕሪ ወራር ነገስታትን ዝመጹ ዘመናውያን መንግስታት’ውን ናጽነቱ ኣሕሊፉ ኣይሃበን፡፡ እነሆ ድማ ክሳብ እዛ ዓመት መጸ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ንጽንብላ ግንቦት 24፡ ከቢድ መስዋእቲ ክኸፍል ተገዲዱ እዩ፡፡

እቶም እንተኾኖሎም ናጽነቱ ክምንዝዕዎ፡ እንተዘይኮኖሎም ድማ ሓድነቱ ዘሪጎም ከንበርክኽዎ ወትሩ ከይደቀሱ ዝሓድሩ፡ ጸረ ሰላምን ርግኣትን ዝኾኑ ሓይልታት፡ ድሕሪ እቲ ንዓለም ዘደነቐ ብብረታዉን ሕጋውን መስርሕ ዘረጋገጾ ልኡላውነት ክግህሱ ካብ ገዚፍን ረቂቕን ምትንኹላታትን ጸቕጥታትን ክሳብ ዝባኑ ዝቐለዕ ወታሃደራዊ ወራራት ፈጺሞም እዮም፡፡ ዕላማ እቲ እከይ ግብሮም ድማ፡ ነታ ኣቦታት ኤርትራ፡ ነዛ ዘንጊ ሓቂ ዝተንከፋ ወይልኡ ኢሎም ዝባረኽሉ ዝፋን ክብሩን ህላዌኡን ዝኾነት ናጻ ኤርትራ ክምንዝዑ እዩ፡፡ ነዚ ገበን እዚ ክፍጹሙ ከለዉ፡ ገመል ሰሪቕካ ጉንብኽ ጉንብኽ ከምዝተባህለ፡ ንምትላል ከምነፋሒቶ ሕብሮም ይቐያይሩ፡፡ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ከዳዓት የዋፍሩ፡፡ ንዞባዉን ኣህጉራውን ሰላምን ምዕባለን ዝቖሙ ትካላት ብብላዕን ምትላልን ይሽፍጡ፡፡ ከም ዓለምቶምን መወልቶምን ንኩምራ ሓሶት ሓቂ ከምስሉ ሓሶት ምዝራው ስራሕና ኢሎም ይተሓሓዝዎ፡፡ ነቲ ብግብሪ ከንበርክኽዎ ዘይካኣሉ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ታሓለቕቲ እምነቱን መቦቆሉን ከምስሉ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ዓሌትን ጎዛዚኻ ኣብ መንጉኡ ዅናት ንምስዋርን፡ ህዝብን መንግስትን ንምኑቛት ድማ ንመንግስታዊ ብቕዓት ኤርትራ ምንእኣስን ኤርትራዊ መንእሰይ ብሃገሩን መንግስቱን ተስፋ ቆሪጹ ናብ ስደት ከምርሕን ኣብ ስደት ድማ ከምተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላቱ ኮይኖም ብምቕራብ ኣብ መርበብ እኩይ ሕልናኦም ክጅልብዎ ኩሉ ግዜ ይህቅኑ፡፡ ንዞቦውን ኣህጉራዉን ዲፕሎማስያዊ ዓወት መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንምቕጻይ ድማ ሕብርን መልክዕን እናቐያይሩ ይመጹ ኣለዉ፡፡ መልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኸደምትን ኣኸደምትን ውይጦታትን ግን፡ ከምቀደሙ ኣቶኩረና ኣብ ልምዓት ንኹሉ ድልዋት እዩ፡፡ እቲምንታይሲ፡ ነገሩ ፡እቶም ኣኽላባት ይነብሑ እቲ ግመል ጉዕዝኡ ይቕጽል ዝተባሃለ ምስላ ስለዝኾነ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ሰላማዉን ፈታዊ ፍትሕን ርትዕን ምኻኑ ኣብ ልዕሊ እቶም ብጥበብ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ምንጻፍ” ኢሎም ከጽንትዎን ካብ ካርታ ዓልም ክሓክዎን ዝመጹ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝገበሮ ምሕረት ምስክሩ እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ፖሎቲካዉን ዕጥቃዊ ሰውራዊ ቃልስን ከካይድን፡ ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ድማ መስዋእቲ ክኸፍልን ዝተገደደ፡ ንፍትሓዉን ሕጋውን መሰላቱ ዘቕረቦ ሕቶ፡ መጋባእያ ዓለም ብቕንዕናን ብዘይ ኣድልዎን ስለዘይዳነዮ እዩ፡፡ ካብ ታሪኽ ህዝብ ኤርትራ ከምንማሃሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓትን ሕግን ዝዳነ፡ ጉዳያቱ ኣብ መጋባእያ ዘትዩ ንውሳነ መገባእያ ኣኽቢሩ ዝኽይድ ህዝቢ ምኻኑ እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ስልጡን ባህላዊ ሕግን ስርዓትን እንዳባ ዘቖመ፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ንሓጺር እዋን እዉን እንቶኾነ ዘመናዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝመረሐ፡ ኣብ ግዜ ብረትዊ ቃልሲ ከምመንግስትን ሰውራዊ ግንባርን ኮይኑ ትካላት ዝሃነጸ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ንሃገራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ልምዓትን ዘገልግል መንግስትን ግንባርን ዘቖመ፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራዉን ጉዳያት ድማ ኣብ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝተመርኮሰ ዝምድናታት ንምፍጣር ዝገበሮ ዘሎ ጻዕሪ ጭቡጥ ምስክር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ምኻኑ የረጋግጸልና፡፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ካብ ንሰላምን ፍትሕን ምዕባለን ዘሎዎም ቅሩብነት ብምብጋስ ዞባውን ኣህጉራዉን ዉዕላት ዝፈሮሙ መንግስትን ህዝብን እዮም፡፡ እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን፡ እቶም ትማሊ መጋባእያ ዓለም ገቢቶም ዝበደልዎ መንግስታት፡ ሕጂውን እዚ ህዝቢ’ዚ ንኻልኦት ህዝብታት ኣብነት ቅሳነትን፡ ስኒትን ምዕባለን ከይኮነ ከሎ፡ እምኒ ወሊዳ እንተበልናውን ሰዓብቲ ኣይንስእንን’ሞ ብኣግኡ ንኽሎፎ ኢሎም ንዳግማይ ታሪኻዊ ውድቀቶምን ውርደቶምን፡ ተንሲኦም ከለዉ ዝሓልሙ፡ ብውነኦም ከለዉ ዘህተፍትፎም ኣለዉ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ በትሪ ሓቂ ይትረፍ’ዶ ክትስበር ከምዘይትነቅዕ’ዉን ካብ ተሞክሮ ዕዉት ቃልሱ ኣረጋጊጹ ይፈልጥ እዩ፡፡ ኣብ ግዕዞ ምርግጋጽ ብልጽግትን ስምርትን ኤርትራ ድማ፡ ክዓግቶ ዝኽእል ሓይሊ ከምዘይየለ፡ ትማል ትማል ዘፍሸሎም ወራርት ወያነን፡ ዘፍሽሎም ዘለዉ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ሓላቓትን ብኹናትን ሽርሕን እገዳን፡ ምስ’ዚ ኹሉ ተጻብኦታት ድማ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣሰላሲልዎ ዘሎ ልምዓታዊ መደባትን፡ ኣብ ዞቦዉን ኣህጉራውን ዝምድናታት ጨቢጥዎም ዘሎ ዓወታት ምስክሩ እዮም፡፡ እዚ ዓወት’ዚ መርኣያ ትርጉምን ርዝነትን ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ እዮ፡፡ ርዝነትን ትርጉምን ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝተኸፍሎ መስዋእትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘስተማቕሮ ዘሎ ምስተርሆን፡ ተረጋጊጹ ዘሎ ብሩህ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራን ክግለጽ ከሎ ድማ ኣዝዩ ክቡርን ዕዙዝን ምኻኑ ንርዳእ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት፡ ሎሚ ድማ ብኽብርን ሞጎስን፡ ጽንዓትን ተስፋን፡ ሓቦን ኒሒን ይጽንብላ ኣሎ፡፡ዓመት ንዓመት ድማ ካብ ዝሓሸ ናብ ዝበለጸ ራህዋን ርግኣትን እናመረሸ ከብዕላ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱ ብደሙን ጉልበቱን እዩ ረኺብዋ፡፡ ባሪኹን ወዲሱን ዝሃቦ የለን፡፡ ከምቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝጨበጣ ድማ ብሓድሕዳዊ ስኒትን፡ ማሕበራዊ ፍትሕን፡ ሃገራዊ ደሞክራስን፡ ባህላዊ ትንሳአን፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ዕብየትን፡ ዞባዉን ኣህጉራውን ምትሕግጋዛት ኣረጋጊጹ ክትርጉማ ከይተሓለለ ይጽዕር ኣሎ፡፡

ኣብ ጉዳይ ሓድሕዳዊ ስኒት፡ ነቲ ብመስዋእቲ ዘጠጠዖ ባህሊ ሕውነትን ምድግጋፍን፡ መሰረት ኩለንትናዊ ህላዌኡ ገይሩ ይሕልዎን የጽንዖን ኣሎ፡፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ንምሕያል ህዝቢ ኤርትራ በብዓዱን ኣከባቢኡን ኣመሓደርቱ ብቐጥታ ይመርጽ ኣሎ፡፡ እዚ ነቲ ዝህነጽ ዘሎ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ራእይ ኤርትራ ባይታ ዘንጽፍ እዩ፡ ዘይከም ስኑዕ ፖለቲካ ዘመና ድማ፡ ብጽኑዕ እምነት መንግስቲ ኤርትራ፡ ህዝብና ወናኒ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገሩ ክኸውን ዝጻዓረሉ ዘሎ እዩ፡፡ ከም’ቲ ኣብያተ ትምህርቲ ሃገርና መምሃሪ ስነፍልጠት ኮይነን ዘለዋ፡ ምምሕዳራት ዓድታትን ኣከባብያትን ድማ መምሃሪ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ክትዓትን ዘተን ኮይነን ንስልጥትን ሕፍርትን ልኡላዊት ኤርትራ፡ ካብ ብርኪ ህዝቦም ዝወጹ ሓላፍነታውያን መራሕቲ ሃገር ዝፈርዩለን ትካላት ኮይነን ኣለዋ፡፡ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ’ውን፡ ሃገርና ካብተን ገለ ሽቶታት ሚሊነም

ዘረጋገጻ ሒደት ሃገራት ኮይና ኣላ፡፡ ኣብ ራእይ ባህላዊ ትንሳኤ እንተመጻና’ውን፡ ህዝቢ ካብ ድሑራት ባህልታት ሓራ ንምውጻእ፡ ሃናጺ ባህሉን ልምድታቱን ንወለዶታት ንምዕቃብ፡ ኣብ መዋእል ዓውለማ ከምዘለና መጠን ድማ ምስ ዞባውን ኣህጉራውን ባህልታት ንምልላዩ ኣብ ዓውድታት ሓበሬታ፡ ትምህርቲ፡ ስነጥበባትን ኣብ ሓጺር ግዜ ተሰላሲሉ ዘሎ መደባት ንኤርትራ ብደረጃ ዓለም ዘወዳድራ እዩ፡፡ እዚ ንሃገሩ መስዋእቲ ሂወትን፡ ንብረትን፡ ገንዘብን ከወፊ ከምባህሊ ዝወረሰን ዘውረሰን ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጻ ኤርትራ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖሎቲካውን ሓርነት ዝረጋግጸሉ ሃገር ክትኮነሉ ዘእኽእሎ ዕጥቅን ብቕዓትን ወኒኑ ኣሎ፡፡ ድሮ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ምዕባለ ድማ ናይ’ዚ ንብሎ ዘላና ትርጉም ናጽነት ጭቡጥ ምስክር እዩ፡፡

ንሰሌዳ መዐቀኒ ምዕበለ ህዝቢ ጥራይ እንተተወከስና፡ ሃገርና ኤርትራ መሰረታዊ ማሕበረ ቁጠባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ሃኒጻ ኣላ፡፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ወናኒት ዓበይቲ ትካላት ክትከዉን ዘኽእላ ባይታ ኣንጺፋ ኣላ፡፡ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ብንግድን ሕርሻን ሽቕለትን ከጉላዕልዓ ዘብቀዐን ፖሊሲ በብግዚኡ ይትግበርን ምስተሞክሮ ይኽለስን ኣሎ፡፡ ህዝቢ ብመትከል ርእሰ ምርኮሳ፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ድሮ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጻዊ መሳለጥያታት ተዋዲዶም ኣገልግሎት ይህቡ ኣለወ፡፡ ህዝቢ ኣካላውን ኣእምራዉን ብቕዓቱ ዝሃንጸለንን ዘሐይለልንን ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ብዝላዓለ ደረጃ ሰሲነን ኣለዋ፡፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታት ድማ ሃገርና እናዓንተረት ትኸደሉ ዘላ እዋን ክንርኢ በቒዕና ኣለና፡፡

ኣብ ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያትና ምስእንምልከት ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጥታዊ መስርሕ ህዝባዊ ሱታፌ፡ በብዓዱን ኣከባቢኡን ኣማሓደርቱ ይመርጽ፡ ኣብ መነባብርኡ ቀጥታዊ ጽልዋ ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ካብ ውጥን ክሳብ ትግባሬ ይዝትይ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ንፍትሕን ሓድነትን ምዕባለን ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓሳባቱ ብዘይስክፍታ ዝገልጸሉን ንትግባረ ሪኢቶታቱን ትጽቢታቱን ብቐጥታ ዝከታተለሉ ሃገራዊ ፖሎቲካ ይሃነጽ ኣሎ፡፡ ሃገርና ኤርትራ ዓይኒ ኣባይ ይድፈነላ እምበር ራህዋን ምዕባለን ህዝባ ከተረጋግጽ ብቕዕቲ ምኻና በሪሁ ይረአ ኣሎ፡፡

 

ናጻ ኤርትራ ካብ ድሕረት፡ ድንቁርና፡ ድኽነት፡ ፍርሒ፡ ኣድልዎን ካልኦት በደላትን ሓራ ንወጸሉ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ድማ ሓርነት ነረጋግጸላ ቅድስትን ክብርትን ኣኽሊልና እያ፡፡ ንትርጉምን ርዝነትን ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብግብሪ ንምውሓስ ድማ፡ ንሃገርና ዘርብሓ እናሓሰብናን እናፈጸምናን፡ ናጽነትና ሓሚማ ከይትማስነና፡ ዓሪቓ ከይትቖረና፡ ጠምያ ከይትዓብረና፡ ጸሚኣ ከይትነቕጸና ከምቀደምና ሕድሪ ሰማእታትና እንፍጽም ህርኩታት ዜጋ ኮይና ንረኸብ፡፡

 

ዘልኣለማዊ ክብርን መጎስን ንስዋትና!

 

ዓወት ንሓፋሽ!

 

ዮሴፍ ኣብርሃ

 

ግንቦት 14፡ 2014 ዓ.ም

 


 <http://1.bp.blogspot.com/-UTRaMzed29w/T_X2wRphhWI/AAAAAAAACZY/i3z8yWd5kF4/s1600/Eritrean+Independence+Struggle.jpg> http://1.bp.blogspot.com/-UTRaMzed29w/T_X2wRphhWI/AAAAAAAACZY/i3z8yWd5kF4/s640/Eritrean+Independence+Struggle.jpg


Eritrean Freedom Fighters





 




image001.jpg
(image/jpeg attachment: image001.jpg)

Received on Fri May 16 2014 - 13:00:34 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved