A Beautiful Tigrigna Poem By Girmay Asfha (ዓንቂ)

From: <hbokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 16 May 2014 07:01:20 -0400 (EDT)

Dear Friends,

Girmay Asfaha is a highly gifted poet in our modern literary world. Some of his best poems had been compiled into a full blown book: ንገንዘብ ኢየ ዝምርዖ። He is very observant as manifested in his poems characterized by imagery, personification, simile, and richness of word usage. I would be glad to share with you one of his piece that appeared in Hadas Eritrea journal, dated May 14, 2014.

Haile Bokure


ንኽብሪ’ዛ ዕለት

 

እቲ ኩርኳሕ፡ ነቲ ገያጽ ታባ

እቲ ኳዕናን ጎቦ፡ ነቲ ረዚን እምባ

እቲ ገፋፍን . . . ነቲ ዚግዛግ ሩባ

ደላዪ ናጽነት፡ ንያት ዝተጓዕዞ

ኪኖ ዛራ ማይ፡ ደምና ዝዋሓዞ

ዋላ ነዛ ካልኢት፡ እንተዝውንን ልሳን

እንታይ’ኮን መውከአ፡ ናይ ጥበቡ ድርሳን?

እቲ በራሕ ጎላጉል፡ ከውሊ ኣልቦ ቀላጥ

እቲ ኣሿኽ ተኾርባ፡ ቁጽሪ ኣልቦ ቆጥቋጥ

እቲ መስፈ ጎነቕ’ወ. . . እቲ ሓንኳል ቀንጠብ

እቲ ጸዳፍ ቁልቁል፡ እቲ ጠላዕ ዓቐብ!

ንባህጊ ናጽነት፡ ናይ’ዛ ልቢ ትምኒት

ኣፉ እንተዝኸፍት፡ እንተዝመልኽ ቅኒት

ንኣልፋን ኦሜጋን፡ ጸብጻብ’ቲ ፍጻመ

ንውዕሎ ናጽነት፡ ድምር ዝተደኽመ

ንኽብሪ’ዛ ዕለት፡ እንታይ’ሉ መዝየመ?

እቲ ጸዋግ ኣጻምእ፡ ንቑጽ ምድረበዳ

   እቲ ጸማም ኣድማስ፡ ንሞት ወዲ ዓዳ

እቲ ባዶ መዋእል፡ ሩፍታ ኣልቦ ዘመን

ንርግቢ ረጊሙ፡ ዝመረቐ ንተመን

ቃላት እንተዘውክእ፡ ረኺቡ ስልጣነ

እንታይ’ኮን ምበለ፡ ኣብ’ዚ ፍሱህ ቅነ

እቲ ባሕሪ ከብዲ፡ በጨቕ ኣልቦ ዓቕሊ

እቲ ኩምራ ጽንዓት፡ ናይ ምጽማም ሓይሊ

ነቲ ሕልፈት’ወ. . . ዕላጅ ድሕሪ ዕላጅ

                                                                              ነቲ ዝናብ ቃንዛ. . . ኩርማጅ ድሕሪ ኩርማጅ

ነቲ ካዕቦ ምስጢር፡ ዝሰተሮ ልቢ

ሰነዳ ገንጺላ፡ ስቕታ እንተትኣቢ

እንታይ እናበለት’ኮን ምነበበት ግንቢ?

እቲ ኻምሲን’ወ. . . ‘ቲ ሸባቢ ንፋስ

እቲ ጨካን ስንጭሮ፡ ዝሓተተ ትንፋስ

ቆጥቋጥ ገዲፉ፡ እንተዘብቁል መልሓስ

ወኑ እንተዝህምህም፡ እንተዘጥሪ ህዋስ

ካርካር ምስተሰምዐ፡ ሰሓቕ ህቦብላ

ኣብ ልቢ ከበሳ፡ ኣብ መትኒታት ቆላ

ብናይ ሓባር ኣውታር፡ ተዝትከል ጓይላ

ናቕፋን ሳሊናን፡ ‘ተዝፍተላ ኣዂዲደን

                                                                                    እንታይ’ኮን ምመሰለ፡ ሰቐጥቐጥ ናይ ደንደን?

ኣብ’ዚ ጽፍሒ ሰማይ’ወ፡ ምስ ሰረበ ጸዳል

ደሃይ’ታ ቦኽሪ ናጽነት፡ መሰረት ምግዳል

እንታይ’ኮን ምጠዓመ፡ እልልታ ናይ ኣዳል?

. . . ንኽብሪ’ዛ ዕለት . . . !

ባህሪ እንተዝግደፍ፡ ባዕሉ ገለ ክብል

እንታይ’ኮን ምመሰለ፡ ናይ ናጽነት ጽንብል?

                                                                                              ግርማይ ኣስፍሃ (ዓንቂ)
Received on Fri May 16 2014 - 07:01:22 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved