Alenalki.com: ስደት ማለት እንታይ ኢዩ? ሃገር ማለት ከ?

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 15 May 2014 19:11:56 +0200


 <http://erigazette.org/?p=7938> ስደት ማለት እንታይ ኢዩ? ሃገር ማለት ከ?


 <http://erigazette.org/?p=7938> By Eritrea Holland Media Group


May 152014

  

 <http://erigazette.org/wp-content/plugins/post2pdf-converter/post2pdf-converter-pdf-maker.php?id=7938> download as a pdf fileDownload this page in PDF format

21:49:17 05/14/2014 ሃገር ማለት አንታይ ማለት ኢዩ? ንሓንቲ ሃገር ከም ሃገር ከጸውዓ ዝኽእል መለኪዒታት ክህለዋ ኣሎ። ንኣብነት ፍሉይ መለይ ዘለዎ ህዝቢ፣ናይ ገዛእ ርእሳ ባንዴራ፡ መራሒ ሃገር ከምኡውን ልኡላዊ መሬታ ፍሉጥ ዝኾነ ሕንጹጽ ከባቢ ገለ ክፋል ካብ ናይ ሓንቲ ሃገር መለለይ ኢዮም። ተወሳኺ ኣምር ናይ ሃገር ከም ኩሉ ናይ ገዛእ ርእሳ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ቝንቝ፡ ዝተቓራረብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቀማምጣ፥ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ስርዓት፡ ናይ ሓባር ጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ገለ ካብቶም ቀንዲ መለለይ ሃገር ኢዮም።

ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ንኣማጻጽእ ዝምልከት ነናይ ገዛ ርእሰን ታሪኻዊ መስርሕ ኢየን ሓሊፈን። ንኣብነት ደቡብን ሰሜንን ኣሜሪካ ቅድሚ ከልተ ሰለስተ ክፍለ ዘመን ክሎምቦስ ናብ ህንዲ ዝሓሰቦ ብሃንደብት ምስ ዝረኸቦ መሬት በብቑሩብ ሰብ ክሰፍሮ ምስ ጀመረ ናብ ሃገራት ተምሰሪትን። ሃገር ኤርትራ ክኣ ድሕሪ ናይ ሳላሳ ዓመት መሪር ቃልስን ልዕሊ 60 ሽሕ ዝኾኑ ስዉኣት ብምኽፋል ኢያ ኣብ ዓለም ከም ሃገር ማዕረ ዝተሰርዔት። ኣብ 1991 ነጻ ዝወጸት ኤርትር እዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጉንቦት መበል 23 ዓመታ ክትጽምብል ኢያ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ከተማ ኣፍዓበት ሓራ ዝወጸትሉን ከምኡዉን `ናድው እዚ` ናይ ስርዓት ደርጊ ዝሓየለ ግንበር ዝነበረ ካብ ዝድምሰስ 26 ዝገበረሉ ዓመት ኢዩ።

ድሕሪ 30 ዓመት ምድምሳስ `ዉቃው እዚ`፡ ኤርትራ ናይ 100 ዓመት መግዛእትን ናይ 30 ዓመት ሓርነታዊ ቃልስን ልእላውንታ ብምርግጋጽ ነገር ካብ ትኸውን 23 ዓመት ገይራ። ሕጂ 23 ዓመት ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ እተሰላሰለ ልምዓታዊ ማሕበራዊ ፖሊቲካዊ ክምኡዉን ቁጠባዊ መደባት እንተድኣ ተዓዚብና ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። እዚ ግን ባንዴራ ተኺልካ ጥራሕ ዝርከብ እንተዝኽዉን ነይሩ ናጽነትን ካብ ዝርኽባ ልዕሊ 60 ዓመት ዝገበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ማዕቢለን ላዕሊ ተውንጪፈን ምራእናይን ነርና። ግን ብዘይ ማሕብራዊ ፍትሕን ቑጠባዊ ሓርነት ምዕዋት ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብቲ ናይ 30 ዓመት ብርታዊ ቃልሲ ናይ 100 ሽሕ ስዉኣት ንናጽነትን ልኡላውነት ሃገር ንምውሓስ ዝተሰውኡ ዜጋታት ክህልውዋ ከለዉ፥ ብግፍዒ ጸላኢ ዝተቀንጽሉ ድማ ንጹሃት ዜጋታት ኣስታ 40 ሽሕ ዝኾኑ ኢዮም። ዝዓነወን ዝተሰርቐን ንብረት ብቢሎናት ዶላር ዝቑጸር ኢዩ።

ሓንቲ ሃገር ማሕበራዊ ፍትሕን ቑጠባዊ ሓርነት ክትጕናጸፍ እንተኾይና፣ ነጻ መስመርን ሓራ ዝኾነ መርገጽን ክህልዋ ኣለዋ። ክምኡውን ኣብ ቑጠባዊ ልምዓት ንምዕዋት ብርእሰ ምርኮሳ መምርሒ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዓቕሚ ተድሪኻ ኣብ ምዕባላ ክትበጽሕ ትኽእልያ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ወይ ከኣ ዝሰላሰል ዘሎ ምዕባላ መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ከምኡውን ኤርትራ ከም ሃገር ሰላም ዝመልኣን ርግኣት ዝሰፈናን እንኮ ዝኾነት ሓንቲ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኢያ እንተበልና ካብ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

ስደት ማለት ከ እንታይ ኢዩ? ካብ ናይ ዓለም ታሪኽ ከምዝረኣናዮ ደቂ ሰባት ብዝተፈላለይ ምኽንያት ወጺኦም ናብ ካልኦት ሃገራት ይጉዕዙ ወይ ብፖለቲካዊ ቓንቓ “ይስደዱ” እዮም። እቲ መኽንያት ዝተፈላለይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብ ኩናት፡ ካብ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ፡ ንዝሓሸ መነባብሮ ከምኡውውን ምስድራቤት ወይ ምስ ቤተ ሰብ ንምትሕውዋስ ዝኣመሰለ ኢዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኤርትራውያን ስደት ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ምውሓዝ መዘረቢ ኮይኑ ቀንዩ። ስለምንታይ ናይ ኤርትራውያን ምስዳድ ተጋኒኑ ክቐርብ ተደልዩ፡ ናይ ካልኦት ከ ከም ኢትዮጵውያን፡ ሶማላውያን ሱዳናያንን ካልኦትን ዘይተዘከሩ ወይ ዘይተጠቅሱ።

ሓድ ኣብነት ንምቕራብ፥ ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ (ለካቲት፡ መጋቢትን ሚያዝያን) ጥራይ ሓድ ሽሕ ዝኾኑ “ኤርትራውያን” (ገና ኩሎም ኤርትራውያን ምዅኖም ዘይምዅኖም ዘይተረጋገጸ) ኣብ ሆላንድ ዕቑባ ሓቲቶም ተባሂሉ ናይ ዜና ማዕኸናት መዛረቢ ኮይኑ ቀንዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ዕቑባ ሓቲቶም ብምባል ኣብ ጥርጥር ኢዮም እትዮም ቐንዮም ሰበስልጣን ሆላንድ። እታ ናይ ዕለት 3 ግንቦት 2014 ዝወጸት ጋዜጣ ከምዝሓበረቶ፡ ከምዚ ዓይነት ብዝሒ ክእትዉ ናይ “ሰብ ነጋዶ” ወይ ክኣ “ብዝነስ ዝገብሩ ሰባት” ዝፈለጡ ኢድ ከምዘለዎምን ድሕሪ ምጥቃስ መዕገቲ ክግበረሎም ከምዘለዎም ሓቢራ። ካብቶም ክሳብ ሕጂ ብሽም ኤርትራያን ኢሎም ዕቁባ ሓቲቶም ዘለዉ፡ ትዕዝብትናን ገለ መጽናዕትታትን ከምዝሕብሮ ሓደ ሲሶ ጥራይ ኢዮም ኤርትራያን፥ እቶም ክልተ ሲሶ ድኣ መን ኢዮም? ገለ ሃገራትን ትካላትን ንስደት ኤርትራውያን ከተባብዓ እንተተራእያ፥ ጸኒሐን ግን፥ ንኣብነት ከም እስራኤል ከም ጕሓፍ ክድርብይኦም ተበጊሰን ኣለዋ:: ፈለማ ስለምንታይ ንስደት የተባብዓ፥ ጸኒሐን ሰለምንታይ ብኣንጻሩ ይቅየራ። እዚ ስለምንታይ ኢልና ክንመራመን ክንካታዕን ይግባእ።

ናይ ኤርትራዊያን ሰደት ይብዝሑ ወይ ይውሓዱ ንኩሉ ዜጋ ከምዘተሓሳሰቦ ርዱእ ኢዩ። ምንቅስቃስ ስደተኛታት ኣብ ዙርያ ዓለምና ከመይ ኢዩ? ናይ ኣየነቲ ሃገር ዜጋታት ዝንቀሳቀሱ ይብዝሑ? ናይ ኣየነይቲ ሃገር ከ ይውሕዱ? ነዚ ንምጥቃስ ፍሉጥ መጽናዕቲ ዘድልዮ እኵ እንተኾነ ገለ ኣብነት ምጥቅስ ይከኣል ኢዩ።

ብመኽንያት ርዱእ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ንጸገማት ኣጋኒንካ ምግላጽ እንተሎ፡ ከም ሶማላዊያን፡ እትዮጵያውያን፡ ሱዳናዊያን፡ ካልኦት ኣፍርቃውያንን ሶርያውያን ዒራቃውያን; ካብ ዮጎዝላቪያ ነበር ካብ ምዕቡላት ሃግራት’ውን ክውይተረፉ ዘየቍርጽ መስርሕ ኮይኑ ንረኽቦ።

ኣብዛ ዝቕመጠላ ሃገር ሆላንድ ከም ኣብነት ንምጥቃስ እዚ ዝስዕብ ሕቶ ከቅርብ ይፈትው። ካብ ሆላንድ ዓዶም ገዲፎም ናብ ካልኦት ሃገራት ከይዶም ዝስደዱ ወይ ክኣ ቦታ ብምቕያር ዝነብሩ ቁጽሮም ክንደይ ምዅኖም ንፈልጥ’ዶ? ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ እስታስቲክስ (CBS) ካብ እተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ቁጽሪ ሆላንዳውያን ዓዶም ገዲፎም ዝስደዱ ዓመት ካብ ዓመት እንዳወስኸ ይኽይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ንኣብነት ኣብ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን ናይ\ዚ ሕዝናዮ ዘሎና ዓመት 2014 ጥራይ ኣስታት 22,500 ሰባት ካብ ሆላንድ ናብ ካልኦት ሃገራት ብምግዓዝ ተሰዲዶም ወይ ቦታ ብምቕያር ዓዶም ገዲፎም ከይዶም። ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት ቑጽሪ ብዝርዝር እንተሪና ከኣ ኣብ 2010 ጥራይ እስታት 121,000 ሆላንዳውያን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምግዓዝ ሃገሮም ገዲፎም ከይዶም። ቦታ ቀይሮም፡ ግዒዞም፡ ተሰዲዶም ኩሉ ሓደ ዘርካዘርካ ሃገርካ ገዲፍካ ምኻድ ማለት ኢዩ።ኣብ 2010 121,000 ሰባት ካብ ሆላንድ ግዒዞም

ኣብ 2011 133,000 ሰባት ካብ ሆላንድ ግዒዞም

ኣብ 2012 142.772 ሰባት ካብ ሆላንድ ግዒዞም

ኣብ 2013 155,701 ሰባት ካብ ሆላንድ ግዒዞም

ኣብ 2014 ናይ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን ፡ 22,500

ሆላንዳውያንን ናይ ሆላንድ ዜግነት ዘለዎም ዓዲ ገድፎም ዝኸዱ ቁጽሮም ዓመት ካብ ዓመት እንዳወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ዝርዝር ብንጹር ይሕብር። ብብዝሒ ዝኸድወን ሃገራት ከኣ 1. ሰሜን ኣመሪካ 2. ኣውስትራልያ 3. ጀርመን 4 በልጁምን ካልኦትን እየን። ናይ ሆላንዳውያን ስደት ናብ ዱቡብ ኣፍርቃ ኢትዮጵያ፡ ኪንያን ካልኦት ሃገራት ብኣሻሓት ከምዝቅጾሩ ተፈሊጡ ኣሎ። ካብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓ ተመሳሳሊ ናይ ህዝቢ ምቕስቃስ ከምዘሎ ርዱእ ኢዩ። ግን እቲ ዓቢ ሕቶ ዝቐርብ፡ መኽንያት ብብዝሒ ስደት እንታይ ኢዩ? ። ከምቲ ሃገራዊ ማእከል እስታስቲክስ (CBS) ከምዝሓበሮ፡ ሓድ ቁጠባዊ መኽንያት ወይ ክኣ ንዝሓሻ መነባብሮ፡ ጽጥታ፡ ዝሰፍሐ ቦታ ንምርካብን ካልእ መኽንያትን ኢዮ።

ክልተ ዓይነት ስደት ኢዩ ዘሎ። እቲ ፍልልይ ብሕጋውን ዘይሕጋዊን መንገዲ ዝግበር ምንቅስቃሳት ኢዩ። ንኣብነት ኤርትርውያን ናብ ቐጠር፡ ዱባይ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኣንጎላን ድቡብ ኣፍሪቃን ብሕጋዊ መንገዲ ስለዝኸድዎ ናብ ሓደጋ ዝተቓልዔ ኣይኮነን። በዘይሕጋዊ መንገዲ ዝካየድ ስደት፡ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ካብ ግብጺ ናብ እስራኣኤል፡ ከምኡውን ብባሕር ካብ ሊብያ ናብ ገማግም ባሕሪ ጣልያን ዝግበር ምቕስቃስ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ኣብዘን መስመራት ዝተገብረ ናይ ስደት ምቅስቃስ ክንደይ ኤርትራውያን ኣብ በረኻታት ምድረበዳን ባሕሪ ህይወቶ ብምስእን ዝተረፉ ከምዘለዉ ኣቃልልካ ዝርእ ኣይኮነን። ነዚ ግን ስራሕና ኢሎም ዝተዋፈርሉ ትካላት ይኹኑ ወልቀሰባት ከምዘለዉ ዘይካሓድ ሓቂ ኢዩ። ገለ ንፖለቲካዊ ሽርሒታቶም ደገፍ ክኾኖም ገለ ክኣ ናይ ግል ሃብቲ ንምኽዕባት ዝገብርዎ እከይ ስራሕ ኢዩ።

ሰለዚ ኤርትራ ከም ሃገር እንተሪእናያ: ኣብ ምግስጋስን ትስፉው መጻኢን ከምዝላ ከምኡ’ውን ዝተረጋግአ ጸጥታ እውን ምስ ናይ ምዕራብ ሃገራት ዝዳረግ ኢዩ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን። ዝኾነ ዓይነት መኽንያት የሎን ንስደት ዝደፍእ፡ ብዘይካ ናይ ቁጣባዊ ሕቶን ናብራ ምጥጣሕን እንተዘይኮይኑ።

ኣብ መወዳእታ ኩሉ ወዲ ሰብ ኣብ ዝመረጾ ቦታ ይኹን ዓዲ ክነብር መሰሉ እኵ እንተኾነ፡ እቲ ሕቶ ብሕጋዊ ወይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምቕስቃስ ኢዩ እቲ ናይ ሕቶ ምልክት። እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ናይ ኤርትራዊያን ናብ ኣውሮፓ ስደት ንሓደጋ ዘቓልዕ ስለዝኾነ ኣተሓሳሳቢ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ።

ኤርትራውያን ንህሉው ኩነታት ሃገሮም ብውድዓዊነት ምግምጋምን ምስ መንግስቶምን ህዝቦምን ብምርድዳእ ከምኡውን ነት ናይ ሓጸኢር እዋን ጸገማት ብምጽዋር ትራይ እዮም ሽግሮም ክፈትሑ ዝኽእሉ። እንተዘይኮይኑ ንህልው ጸገማትካ መዝሚዞም ንረብሓኦም ክጥቀሙልካ ካብ ዝደልዮ ክንጥቕቕሉን ክንነቕሓሉን ይግባእ።

ስለዚ ክለተ ዓይነት ስደት ኢዮ ዘሎ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ሰላም መንገዲ ወይስ ብዘይሕጋዊ መንገዲ እቲ ኣዝዮ ሓደገኛ መንገዲ ዝኾነ።

ዓወት ንሓፋሽ

ሆላንድ

 

 




image003.png
(image/png attachment: image003.png)

Received on Thu May 15 2014 - 13:12:57 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved