VOA: ተቓውሞ ክልል ኦሮሚያ ብዝተዋደደ በለካ ልኽዐካ እዩ ተበጊሱ ኢሎም ቀ/ሃይለማሪያም ደሳለኝ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 11 May 2014 22:38:52 +0200

ተቓውሞ ክልል ኦሮሚያ ብዝተዋደደ በለካ ልኽዐካ እዩ ተበጊሱ ኢሎም ቀ/ሃይለማሪያም ደሳለኝ

May 11, 2014

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈኣላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ተላዒሉ ዝነበረ ተቓውሞ ናይ ቀደም ስርዓት ናፈቕትን ፀበብትን እዮም ኣበገስቱ ክብሉ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኸሲሶም።መንግስቶም ነቲ ህውከት ዝፈጠሩ ፈልዩ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ገሊፆም።
ምስ ዓብየቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትይን ነበርቲ ከተማ ድሪዳዋ ትማሊ ሓሙስ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ኣብ ሰስምዕዎ መደረ ኣብቶም ዝሓለፉ ማዕልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ተላዒሉ ዝነበረ ተቓውሞ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ብዝደልዩ ሓይልታት ብሓሰት ብዝተዋደደ በለካ ለኽዐካ እዩ ኢሎም።

 ብቴለቪዥን ኢትዮጵያ ኣብዝተመሓላለፈ ዜና ከምዝበልዎ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙሪኣን ዝርከቡ ናይ ኦሮሚያ ከተማታት ንምልማዕ ዝተዋደደ ማስተር ፕላን መንቀሊ እቲ በለካ ለኽዐካ እዩ ኢሎም።
ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ናይ ኦሮሞ መሬት ተወሲዱ’ሎ? ንምንታይ ይውሰድ? እዚኮ ሕገ መንግስቲ ዝሃበና መሰል እዩ ኢሉ እቲ ህዝቢ ንኽልዓል ከምዝገብር ምስ ገለፁ ነገር ግን ሓሰት እዩ ኢሎም።ኣስዒቦም ‘’ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ እቲ ህዝቢ ዝወሰኖ ዴሞክራሲያዊ ብሄረተኝነትን ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ሃኒፆም እዮም።ኩሉ ንክልሉ ባዕሉ ንባዕሉ እናመሓደረ፣ኣብ ክልሉ እናወሰነ፣ነገር ግን ናይ ሓባር ሃገር እናሃነፀ ዝኸደሉ ስርዓት እዩ።እንበታተነሉ ስርዓት ኣይኮነን’’ኢሎም።

ናይ ቀደም ስርዓት ናፈቕትን ፀበብትን ዝበሉዎም ነቲ ህውከት ከምዘልዐልዎ ብምሕባር ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ምርግግኡን መንግስቲ ቀንዲ ተዋሳእስቲ እቲ ህውከት ንዝኾኑ ብምፍላይ መንግስቲ ኣዳልዪ ስጉምቲ ክወስድ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኦን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴት ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያዊያን ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ይፍፀም ኣሎ ንዝበልዎ በደል ብምውጋዝ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዋይት ሃውስን ቤት ፅሕፈት ምንስቴር ጉዳያት ወፃእን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣስሚዖም።ዝርዝሩ የድምፁ።

Click Below for Audio

 <http://eastafro.com/Post/wp-content/uploads/2014/05/VOA-Tigrigna-5_10.png> VOA Tigrigna 5_10​Audio VOA Tigrigna: Ethiopia PM on Protest ተቓውሞ ክልል ኦሮሚያ ብዝተዋደደ በለካ ልኽዐካ እዩ ተበጊሱ ኢሎም ቀ/ሃይለማሪያም ደሳለኝ

 




image001.jpg
(image/jpeg attachment: image001.jpg)

Received on Sun May 11 2014 - 16:40:00 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved