ሃገራዊ መዝሙርና መግለጺ መንነትና ክቡር ታሪኽናን ራኢናን’ዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ከኣ ንግጥምን ዜማን ሃገራዊ መዝሙርና ብግቡእ ከነጽንዖን ብዓውታ ክንዝምሮን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ትርጉሙን መልእኽቱን ክንርድኦ ይግባእ፡፡ ሃገርዊ መዝሙር ክዝመር ከሎ የማናይ ኢድካ ናብ ኣፍልብኻ ኣልጊብካ  ብዓውታ ድኣዩ ዝዝመር እምበርካልኦት እናዘመሩ ርእስኻ ኣድኒንካ ዝስማዕ ኣይኮነን ብሓጺሩ ሃገራዊ መዝሙር ይዝመር ብግቡእ እንፈልጡ ክንደይ’ኮን ትኾኑ? ነቶም እትፈልጥዎ መዘኻኸሪነቶም ብግቡእ ዘይትክእልዋ ከአ ንከተጽንዑዋ ምእንቲ እንሆ ግጥሚ ሃገራዊ መዝሙርተገዲስኩም አንብቡዎ!!

(ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ:

ብዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ

መስዋእታ ብሐርነት ተደቢሱ፡፡ (2))

መዋእል ነኺሳ ኣብ ዕላማ

ትእምርቲ ጽንዓት ኮይኑ ስማ

ኤርትራ’ዛ ሐበን ውጹዓት

ኣመስኪራ ሓቂ ከም እትዕወት

ኤርትራኤርትራ

ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ፡፡

ናጽነት ዘምጽአ ልዑል ኒሕ

ንህንጻ ንልምዓት ክንሰርሕ

ስልጣኔ ከነልብሳ ግርማ

ሕድሪ ኣሎና ግምጃ ክንስልማ

(ኤርትራ ኤርትራ ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ፡፡ (2))

 

ግጉይን ቅንዕን ኣበሃህላ ቃላት ሃገራዊ መዝሙር

ትምህርቲ ጽንዓት ኮይኑ ስማ (ግጉይ)

ትእምርቲ ጽንዓት ኮይኑ ስማ (ቅኑዕ)

ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ግብራ (ግጉይ)

ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ (ቅኑዕ)

ናጽነት ዘምጽኦ ልዑል ኒሕ (ግጉይ)

ናጽነት ዘምጽአ ልዑል ኒሕ (ቅኑዕ)