20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ሃሪስበርግ ፐንስልቫንያ ስተይት ብኽብሪ ተጸንቢሉ።

From: Kidane Dayer <kmdayer_at_verizon.net_at_dehai.org>
Date: Wed, 25 Jun 2014 22:20:03 -0400

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ሃሪስበርግ ፐንስልቫንያ ስተይት ብኽብሪ ተጸንቢሉ።

ኤርትራውያን ኣብ ሃሪስበርግ ፐንስልቫንያ ብዕለት 6/22/2014 ጀጋኑ ሰማእታቱ ብኽብሪ ዘኪሩ ውዒሉ። እዚ ዓበይትን መንእሰያትን ዝተሳተዎ ዝክረ ሐርበኛታት ስውኣትና ሽምዓ ብምውልዕ፤ ዝክረ ሰማእታት፤ ሃገራዊ መዝሙር፡ ግጥሚ፡ ተዘክሮ ጀጋኑና ዝመልኦ መደረታትን ልዑል ሃገራዊ ወኒን ተጸንቢሉ። እቲ ኣብ ሐንቲ ካብተን ናይታ ከተማ ፓርክ ዝወዓለ ስነስርዓት ብባንደራን ናይ ስውኣት ደርፍታትን ማዕሪጉ ሐበን ወሲኹ ውዒሉ።

ገለ ካብቲ መደረ ህዝቢ "ቅሰኑ ጀጋኑና እቲ ሕድሪ ተኸቢሩ'ዩ። ነዛ መሪት ስውኣት፡ መሬት ሕድሪ፡ እግሩ ዘንብረላ ጸላኢ የለን። "ኣይንተሃመል፡ ሕሉፍ ተንኮላት ጸላእትና ኣይንረስዕ፡ ሐይልና ኣብ ሐድነትና'ዩ፡ ነትርሮ" ዝብል ነበረ። ብምቅጻል ህዝቢ ሃሪስበርግ በቲ ዓመት ዓመት ዝኣተዎ መብጽዓ "ምእላይን ምሕብሐብን ስድራ ቤት ስውኣት ሐላፍነትና" ብዝል መሰረት $1050.00 ኣበርኪቶም። ከምቲ ሎሚ ቅነ ኣብ ኤረ ቲቪ ሐንቲ ኣደ ጅግና ስውእ "ንዕኦም እንተሰኣና ህዝቢ ኣሎና" ኢላ ነይራ። በዚ መሰረት ኩሉ ህዝቢ ሃሪስበርግ ኣብዚ ቅዱስ ዕላማ ክሳተፍን መብጽዕኡ ኣኽቢሩ ኣብ ምእላይን ብሕብሐብን ስድራ ቤት ስውኣት ንኽሳተፍ በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ።

 

 

ዓወት ንሙሉእ መኸተ

ክብርን ሞጎስንን ንሰማእታትና

ስውኣትና ውትሩ ይዘከሩ

ዓወት ንሓፋሽ!

ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት - ሃሪስበርግ ፐንስልቫንያ

ሰነ 22 2014

IMG_2832 IMG_2817

IMG_2816













IMG_2838

SAM_0066

 

 






image001.jpg
(image/jpeg attachment: image001.jpg)

image002.jpg
(image/jpeg attachment: image002.jpg)

image003.jpg
(image/jpeg attachment: image003.jpg)

image004.jpg
(image/jpeg attachment: image004.jpg)

image005.jpg
(image/jpeg attachment: image005.jpg)

image006.jpg
(image/jpeg attachment: image006.jpg)

image007.jpg
(image/jpeg attachment: image007.jpg)

image008.jpg
(image/jpeg attachment: image008.jpg)

image009.jpg
(image/jpeg attachment: image009.jpg)

image010.jpg
(image/jpeg attachment: image010.jpg)

Received on Wed Jun 25 2014 - 22:20:41 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved