መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ አብ ቶሮንቶን ከባቢአን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ዝክሪ ሰማእታት ጽንብል ከቢሩ ዊአዕሉ፡፡

From: Samuel Igbu <igbu.samuel_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 22 Jun 2014 02:44:11 -0400

ብመጀመርታ መደባትና ከምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ተፈሊሙ፡ ኣገባብ ማዓልቲ ሰማእታትና ብእግሪ ግዕዞ፡ ብህጻናት፡ መርሓቲ
ሃይማኖት፡ ውከልቲ መንግስትን ቀጺሉ ኩሉ ሓፍሽን እግሪ ግዕዞ ንልዕሊ ፍርቂሰዓት ተካይዱ፡ ኣብቲ እግሪ ግዕዝ ኩሉ
ተሳታፊ ካብ ዕላልን ወኻኻዕን ተቆጢቡ ብጽሞና ሰማእታቱ እንዳ ዘከረ ተጋዒዙ፡ ድሕሪ እግሪ ጉዕዞ ብዝክሪ ሰማእታትና
መድባትና ቀጺሉ።

ብጻይ አሕመድ ኢማን ጠቅላሊ ካንስል ኤርትራ ንካናዳ ቃል ኣስሚዑ፡ ብአጋጣሚ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ በዛ ልዕሊ
ንኾነ ጽምብላትና እንሰርዓ ክብርቲ ማዓልቲ፡ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ9 ሕብረተ -ብሄራትን ዝተፋላለያ እምነትታ ዝቆመ
ሓይሊ፡ ከም ሐደ ልቢን ህርመትን፡ ሓደ ህዝብን ኮይኑ፡ ሰንሰለታዊ መግዛእትታን ወራራታን፡ ብተወፋይነትን ተበጃውነትን፡
ከቢድ ምስዋእቲ ዝኽፈለ ብሓፈሻ፡ ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ ድማ ብፍላይ፡ ኣንጻር መግዛእቲን ወራርን፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት
ክቡር ደሙ ዝኽፈለ፡ ብብረታውን ሕጋዊን ወግዓውን መንገዲ ናጽነቱ ዝተኃናጸፈን፡ ልዕላውነቱ ዘረጋገጸን፡ ንጹር ራእይን፡
ጽኑዕ መብጸዓን ሰረት-እምነት ስለ ዝገበረ እዩ።

ኤርትራ ን23 ዓመት ተስተማቅሮ ዘላ ናጽነት፡ ውጽኢት ከቢድ መስዋእቲን ስንክልናን ዝተኸፍሎ ህያው ሓወልቲ ታሪኽና ኢዩ።
ሰማእታትና ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓታትን ድሕንነትን። ረብሓ ሃገር ቅድሚ ውልቃዊ ረብሓታቶምን፡ ስድራ ቤቶምን ሰሪዖም በጃ
ህዝቦም ዝሓለፉ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን፡ ብልጽግናን ራህዋን ከሰፍኑ ዝተቃለሱ፡ ኣብ ኩሉ ልቢ ኤርትራዊ ሓወልቲ
ኣንቢሮም ይርከቡ።



ብለን ዓይንና ዝኾነት ሰላም ምዕቃብ፡ ሓድነትን ስኒትን ህዝቢና ምሕላው፡ ትሕቲ ሃገራዊ ኣጠማምታን ዝንባሌታትን፡ ረብሓ
ሃገር እናሃሰኻ ውልቃዊ ጥቅሚ ንምርካብ ምጉያይ ዝረኤ ምብዳህ፡ ከም ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ህንጸት ሃገር’ውን፡
ዘይሓልፍ ዝመስል ሽግራትን ፈተነን ሰጊርና ክንዕወት፡ ኣብ ግዜ ሰውራ ዘማዕበልናዮ ያታን ክብርታትን፡ ድልዱል ባይታ
ኣንጺፉልና እሎ። ሕድሪ ሰማእታትና ካብ ወለዶ ንወሎዶ ዝሰጋገር ሽግ ዓወትና ስለ ዝኾነ፡ ጀጋኑና ንድሕሪት ዝገደፍዎም
ስድራ ቤቶም ክንጥውሮምን ክንሕብሕቦምን ናይ ኩላትና ሓላፍነትን ግደታን ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ሃገራውያን ዜጋታት፡
እምነታትን ነዚ ቅዱስ ተግባራት ዘተግብሩ ዘለው ምስገና ይብጻሓዮም።

መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ኩላትና ሃገራውያን ኤርትራውያን፡ ክብደት ሰማእታትና ኣዕሚቅና ብምርዳእ፡ ስንኩላትና ከነኽብሮምን
ክንርድኦምን፡ ኣብ ሞንጎና ዘሎ ፡ ናይ ስራሕ ምውህሃድ፡ ብዝላዓለ ክንሰርሕ፡ ብነኣሽቱ ጉድለታት መኣዝና ከይንስሕት፡
ብክፉት ልቢን ቅንዕናን ክንሰርሕ ይግባእ። ድሕሪ ሓያልን መሳጥን ቃል ብጻይ አሕመድ ምስማዕ መደባትና ብፍናን ቀጺሉ፡፡
ስዒቡ ብጻይ ኤፍረም ወልደሳሙኤል ሽማግለ ስድራቤት ሰማእታት ቃል ኣስሚዑን፡ ንተቀማጦ ቶሮንቶን ከባቢአን ብዝገብርዎ
ዘለው ንጥፈት ከሙውን ምሕብሓብ ሰማእታት ኣመስጊን፡ ሕጂውን ከም ትማል እቲ ቁድስ መንፈስ ክቅጽል ተላብዩ፡፡

መደባትና ብምንባር ዕንበባ ኣብ ሓወልቲ ቀጺሉ፡ ድሕሪ ናይ ውኪል መንግስት፡ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ሃ.ማ.ድ.አ፡መ.ህ.ግ.ደ.ፍን
ኩለን ኣብያተ በተክርስትን ኣብቶሮንቶን ከባብአን ዝርከባ ብስነስርዓት ዕንበባ ኣንቢረን፡፡ ቀጺልና ዝተፈላለየ ሓያልን
መሳጥን ዝኮነ ግጥምታት፡ ካብህዝተፈላለዩ ሀገራውያ ሓያል ገጠሚ ኣቅሪቦም፡ ልዕሊኩሉ ክእ እቶም ህጻናት እዩ መሳጥን
አሐባንን እቲ ግጥምታት እቲ ራኢን ናይ ምውርራስ መንፈሶምን፡፡

ቅድሚ መደባትና ምዝዛም፡ ዝተፈላለዩ ሃገራውያን ተሳተፍቲ ንምሕብሓብ ስድራ ቤት ስውአት፡ ደቂስውአት ሎሚውን ከም ትማሊ
ድልዋት ምካኖም ኣብኩሉ መዳያት ካብ ምንባይ ፈሊምካ፡ ሕድሪ ሰማእታት ንምፍጻም ድሉዋት ምካኖም ኣረጋጊጾም፡፡

ኣብቲ ዝክሪ ሰማእታትና ዘካየኦ አዴታት ጎስጋስ ናይመሸጣ ዝተፈላለ ነገራት ኣታዊ ብምሉኡ ንስድራ ወይ ደቂ ስውአትና
ከምወፈያ ኣካይደን ብርክት ዝበለ ከአ ኣበርኪተን፡ መደብና ብዝክሪ ሰማእታትናን ሃገራዊ መዝሙርን ተዛዚሙ….



ቀጻሊ ዝክርን ሞጎስን ንሰዋእትና



ዓወት ንሐፋሽ!!


IMG_7369.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7369.JPG)

IMG_7383.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7383.JPG)

IMG_7398.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7398.JPG)

IMG_7432.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7432.JPG)

IMG_7444.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7444.JPG)

IMG_7504.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7504.JPG)

IMG_7533.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7533.JPG)

IMG_7550.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7550.JPG)

IMG_7678.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7678.JPG)

IMG_7697.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7697.JPG)

IMG_7698.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_7698.JPG)

DSC_0429.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0429.jpg)

DSC_0584.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0584.jpg)

DSC_0732.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0732.jpg)

DSC_0771.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0771.jpg)

DSC_0783.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0783.jpg)

DSC_0935.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0935.jpg)

DSC_0965.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0965.jpg)

Received on Sun Jun 22 2014 - 02:44:21 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved