Erigazette.org: መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 20 Jun 2014 13:14:22 +0200


 <http://erigazette.org/?p=8066> መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ


ብግርማይ በርሀ (ሽካጎ)


Jun 20, 2014

 

 <http://erigazette.org/wp-content/plugins/post2pdf-converter/post2pdf-converter-pdf-maker.php?id=8066> download as a pdf file Download this page in PDF format

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ክብሉ ንዝተሰውኡን ፡
ንዝተረኽበ ሃገራዊ ናጽነት ከይድፈር ሂወቶም ንዝኸፈሉን ጀጋኑ ፡ ንዝገደፉልና ሃገራዊ ሕድርን
ሓላፍነትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ፡ ከነኽብሮን ክንሕልዎን ምዃና መብጻዓና ነሐድሰሉ፡
ንኽብርን ዝኽርን ሰማእታት ኤርትራ ተባሂሉ ብደረጃ ሃገር ዝኽበር መዓልቲ እዩ ።
ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ንመግዛእታዊ ሓይልታትን ተሓባበርቶምን ካብ ሃገርና
ንምጽራግን ፡ ገዛእቲ ንዕላማኦም ከዕውቱ ክብሉ ዝተኸልዎም መንግስታዊ ትካላትን ከስርጽዎ ዝፈተኑ
ባህልታትን ንምፍራሶምን ንምድምሳሶምን ዝተኸየዱ ጻዕርታትን ዝሓተትዎ ዋጋን ክንዝትየሎም ኣገደስቲ
ይኾኑ ። ቃልሲ ንዝኣረጉን ንዘይኣገልግሉን ምፍራስ ጥራይ ስለዘይኮነ ፡ ንዝፈረሱ ብሓደስቲ
ንምህናጾምን ፡ ብንህዝቢ ዘገልግሉ ፡ ህዝባዊ መንግስታዊ ትካላትን ኣብ ማዕርነት ደቂ ሰባት ሰረት
ዘለዎም ባህልታትን ዝምድናታትን ንምትክኦም ግድን ስለዝኾኑ ፡ ኣብ ዝተሰርሑ ጉዳያት ተገንዝቦታትን
ተዘክሮታትን ምግባር እውን ዘይተርፍ ይኾውን ። ዋጋ እናተኸፍሎም ስልዝተሰግሩ ።
ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ከም ፍሉይን ኩቡርን መዓልቲ ፡ ንኹሎም ዝተፈላለዩ ዝዓይነቶም
ዘጋጥሙ ንዝነበሩ ጸገማትን ተጻብኦታትን ንምጥሓሶምን ንምፍሻሎምን ዝተኸፍለ መስዋእትን ዝፈጠረዎም ሳዓቤናትን ኣብ ጸብጻብ የእቲና ክንዝቲ እውን ግድን እዩ ። ምኽንያቱ ክእለዩን ክሕብሐቡን ዝግበኦም ስድራ ጀጋኑ ፡ ብሕድሪ ዝተገድፉ ኣካላት ስለዘለውና’ ። ሃገራዊ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መደምደምታ መድረኹ ዝተመረጾ ፡ ንሰራዊት ጸላኢ ብብረቱን ኣብ መሬቱን ኣቲኻ ፡ ግፍዕታት ንምክያድ ዝደኮኖም መበገሲ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ትካላቱ ንምድምሳሶምን ንሓዋሩ ካብ ሱሮም ንምምሓዎምን ዝተወስደ ስትራተጅን ትግባሬኡን ፍሉይነት ከምዘለዎ ዓለም ዝምስክሮ ጉዳይ እዩ ። ቅንዕናን ቆራጽነትን ዘለዎ ሓይሊ ዓጋቲ ከምዘይብሉ ከኣ ሓደ ኣብነት እዩ ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ እውን
እንተኾነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣጋጣሚ ብምግባር ፡ ሃገራዊ ወንን ሓላፍነትን ኣብ
ህይወት ኤርትራዊ ዓብዪ ቦታ ክሕዝ ከምዘለዎ ንምግባሩ ሓላፍነት ኣሎና ። ሸለልትነት ብምውጋድ ፡ ነብሰ ተሓድሶን ተበግሶን ንገብረሉን ፡ ብቃልስን ብመስዋእትን ዝተሃንጸ ፡ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ፡ ንዘለኣለም ናይ ምኽባርን ናይ ምሕላውን ኣምንቶ ክሕይል ይግባእ ። ኤርትራ ከምታ ክትኮነላ ንደልያ ክንሃንጻ ግዴታን ሓልፍነትን ኣሎና ። ብፍሉይ ኣተኩሮ ፡ ብተወፋይነት ንሃገርናን ንህዝብናን
ከነገልግልን ፡ ሑሉፍ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብና ከም ተሞኩሮ ወሲድና ፡ ብዛዕባ መጻኢ ክንሰርሕ ኣድላዪ
ይኸውን ። መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ነቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘትረረን ፡ መሬት ኤርትራ
ደይሱ ዋንነት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዝገበረ መስዋእቲ ፡ መሬት ፡ ባሕርን ክሊ ኣየራን ኤርትራ ከምታ
ንፈልጣ ንዝለኣለም ተኸቢራ ንኽትነብርን ፡ ምዕብልትን ብቐጻሊ ትግስግስን ሃገር ክንገብራን ፡
እንታይ ክንገብር ኣሎና ብምባል ነብስና ንሓተሉን ንዅነታት ሃገርናን ዓለምን ንመዝነሉን መዓልቲ
እውን እዩ ።

 

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ነቲ ቀንዲ ንተንኮላት ጸላእቲ ዘፍሸለ፡ ከም ባህሊ
ሓርበኛታት ኤርትራ ንቆጽሮ መትከል ህዝባዊ ሓድነትን ህዝባዊ ቃልስን ፡ ብዝበለጸ ንምምዕባሉ ግዴታን
ሓላፍነትን ከምዘሎና ተረዲኢና ከም ኣድላይነቶም ፍሉይ ተበጉሶታትን ገምጋማታትን ንገብረሎምን
ዓቕምታትና ብዘፍቅዶ ንሃገርን ህዝብን ኣበርክቶ ክንገብር ብፍሉይ ሓላፍነት ንሰርሓሉ ….. መዓልቲ
እውን እዩ ።

ኮይኑ ፡ ኤርትራ ናጻ ንምጻኣን ንምህናጻን ዝተሓልፉን ዘለዉን ጸገማትን ተጻብኦታትን
ውሑዳት ኣይኮኑን ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ግዳማዊ ወራራት ስለዘይተፈልዮ
ብናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ምዕብልናታቱ መሰረት ገይሩ ብሰላም ንቕድሚት ክስጉምን ሃገሩ ከማዕብልን
ዕድል ኣይረኸበን ። ህዝብና ምብዳሉን ኣብ መጻወድያ ኣዝዮም ሓያላት ሓይልታት ተጸሚዱ ምጽንሑን
ኩልና ኤርትራውያን ንሕዝነሉ ጉዳይ እዩ ። እቲ መስረታዊ ግርጭት ኣብ መንጎ ዕምሪ ወረርቲ ከሕጽሩ ዝቃለሱ ሓርበኛታት ኤርትራውያን (ህዝቢ ኤርትራን) ብሓደ ወገን ፡ መግዛእታዊ ሓይልን ተሓባበርቱን
ከኣ ንመግዛእታዊ ህይወቶም ከናውሑን ከስፋሕፍሑን ዝሰርሑ ደመኛታት ከእ በቲ ካልእ ሸነኽ
ብምዃን ፡ እቲ ጎንጽታት ንብዙሕ ዓመታት ቀጺሉ ። ነቲ ህይወት ሕብረተሰብና እውን ዓብሊልዎ
ጸኒሑ ። ኩሉ ዓቅምታት ኣንጻር ወረርቲ ሓይልታት ዘቅነዐ ክኸውን ግድን ኮይኑ ። ኵናት ንዓሰርተታት
ዓመታት ስለዝቐጸለ ሕበረተ ሰብና ከማዕብሉን ሃገርና ክሃንጹን ዝኽእሉ ኣሻሓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ፡
ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ክብሉ ዘድሊ መስዋእቲ ብምኽፋል ንሕብረተ ሰቦምን ንሃገሮምን ዘለዎም
ፍሉይ ፍቅርን ሓልዮትን ገለጹ ።

ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ቃልስን ዝተኸፍለ ዋጋን መዚና ፡ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብቐሊሉ
ኣይተረኸበን ። ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነትውን እንተኾነ ፡ ህዝብና ነዘጋጥሙ ተጻብኦታት ንምምካትን
ሉኡላውነት ሃገር ንምሕላውን ተገዲዱ ካብ መስዋእቲ ምኽፋልን ንተጻብኦታት ካብ ምምካትን ዓዲ
ኣይዋዓለን ። ኮይኑ ግን ከም ውጺኢት ፈረ ቃልሱ ፡ ኤርትራ ብምልእታ ናጻን ንብረት ናይ ኩሉ
ኤርትራውን ኮይና ኣላ ። ብንቕሓትን ብብቕዓትን ምሉእ ሂወቶም ንኤርትራ ከገልግሉ ዝኽእሉን
ድልውነት ዘለዎምን ፡ ብመትከል ቑጠባዊ ነብሰ-ካኣልነትን ፖሎቲካዊ ናጽነትን ዝልለዩ ዜጋታት እውን
ኣጥርያ እያ ።

ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ፍሉይ ኣካል ተባሂሉ ዝውነን ፍሉይ መሬት የለን ።
ኤርትራ ፡ ኤርትራ ክትከውን ዝገብራ መስዋእትን ፡ ንክንህሉ ዝገበረና ቃልስን ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ
ተሳትፎን ድሌትን ዝነበሮን ዘለዎን ቃልሲ እዩ ነይሩ ፡ ሕጂውን ዘሎን ። ኤርትራዊ ዘይተቃለሰሉ፡
መስዋእቲ ዘይከፈለሉን ዘይተቀብረሉን መሬት ኤርትራ የለን ። እዚ ከኣ ነቶም ብሃገራዊ መንፈስን
ሓልዮትን መስረት ገይሮም ብሃገራዊ ጉዳያት ሕቶታት ከልዕሉ ንዝደልዩ ኣፍደገ ክኸፍት ኮሎ ፡ ነቶም
ብተንኮላት ጸላእቲ “ብብሄር ፡ ብናይ መታሕት እባ ብናይ ትግራይ ትግርኚ” ኮነ ፡ ብኻልእ ጸበብቲ
ሃገራዊ መልክዕ ዘይብሎም ፡ ብጸላእቲ ዝሳወሩን ዝቃመሙን ሕቶታት ፡ ዓጽይዎምን ህይወት
ከምዘይህልዎም ገይርዎምን እዩ ። ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ሰማእታትቱን ፡ ብጀካ ኣብ ቃልሲ

እጃሙ ዘይገበረን ቆሎ ጅብኡ ጥራይ ዝጥምትን ኣካል እንተዘይኮይኑ ፡ ክፍንቅሎ ዝደሊ ፡ ኣካል ህዝቢ
ዝኾነ ንጹህ ዜጋ የለን ። በዚ መሰረት ጸቢብ ኣረኣእያ ተጣሒሱን ዝምድናን ርኽክብን ህዝቢ ኤርትራ
ማዕቢሉ እዩ ። ብቃልስን ብመስዋእትን ኩሉ መሬት ኤርትራ ፡ ዜጋታት ብናጻ ድሌቶም ክነብረሉ
ዝኽእሉ ፡ ድዩስን ናይ ሓባር ዋነነትን ኮይኑ ኣሎ ። ስለዚ መስዋእቲ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ሰፉሕ
ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ፡ ሃገራዊ ንብረትን ዋንነትን ፡ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ናጽነትን ዝፈጠረ
ስለዝኾነ ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ዘለዎ ረዚን ቦታ ከይጠቀስናዮ ክንሓልፎ ኣይግባእን ።
ቃልስን መስዋእትን ሓርበኛታት ኤርትራ ፡ ነቶም ጸላእትና ቀዳዳት ክረኽቡ ዝገብርዎ ዝነበሩ
ፈተነታት ዘፍሸለ ፡ ታሪኽ ሓድነትን ጽንዓትን ባህሊ ዝሓዘ እውን እዩ ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ
ጉዕዞ ቃልሲ መመሊሱ እናሓየለ ዝመጸ ኮይኑ ፡ ንብዙሓት ተንኮላት ጸላእቲ ዘፍሸለን ፡ ብቡዙሕ
ፈተነታት ዝሓለፈን ፡ ዓብዪ ሃገራዊ ሓይልን መሳርሕን ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ ። ሓድሽ ወለዶ ክማሃሮን
መርምር ከካይደሉን ዝኽእል መወዳደርቲ ዘይብሉ ፡ ብሓባር ናይ ምስራሕን መስዋእቲ ናይ ምኽፋልን
ጠባያት ዝሓዘ ፡ ኤርትራዊ ታሪኽን ባህልን ተጠርዩን ኣዝዩ ማዕቢሉን እዩ ። ብናይ ሓባር ቃልስን
መስዋእትን ዝውነን ታሪኽን ክብሪ ሃገርን ስለዘሎና ብጉቡእ ክንጥቀመሉ ተኺኢልና ፡ ናይ ዘለኣለም
ውሕስነት ክህብ ዝኽእል ህዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ ታሪኽ ሒዝና ኣሎና ። ብዙሓት ዋናታት ዝከላኸልሉን
ዝሕልውዎን ክህልዉ እውን ግድን እዩ ።

ኣብ መደምደምታ ፡ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ፡ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ፡ ኤርትራ
ምዕብልቲ ክትኮነልናን ዜጋታታ ከኣ ብሰላምን ራህዋን ዝነብሩላ ሃገር ንምህናጽን ስለዝኾነ ፡ ነዚ ዕላማ
እዚ ንምዕዋት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነትን ። ዝተገድፈ ሕድሪ ሰማእታትን ብምዃኑ ፡ ኩሉ ሃገራዊ
ክሰርሓሉን ክዕጠቀሉን ይግባእ ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!!!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

 




image003.png
(image/png attachment: image003.png)

Received on Fri Jun 20 2014 - 07:16:19 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved