Tesfanews.net: ኤርትራዊ ኣይትትሃመል ሓርገጽ‘ውን፡ ክውሕጠካ እንዳደለየ‘ዩ፡ አንዳምብኋቘ ዝነብዕ!!! 1ይ ክፋል

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 11 Jun 2014 21:43:46 +0200

ኤርትራዊ ኣይትትሃመል ሓርገጽ‘ውን፡ ክውሕጠካ እንዳደለየ‘ዩ፡ አንዳምብኋቘ ዝነብዕ!!! 1ይ ክፋል

 

ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፡

ሰነ 11.06.2014

 

ንኤርትራ ዶባታ ኣነጺሩ፡ ከም ሃገር ዝሰረታ ፋሺስቲ ኢጣልያ፡ ብናይ ኪዳን ሓይልታት ኣብ ድሮ ምስዓሩ፡ ሓንቲ ካብተን ሓይልታት ኪዳን ኣባል ዝኾነት እንግሊዝ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰማይ ሰማይ ብዝበራ ነፈርቲ ጌራ፡ ከምዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዘለዎ ወረቓቕቲ ብሰማያት ኤርትራ ናብ መሬት ኤርትራ ዘርጊሓ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝበጽሕ ጌራ ኔራ። ትሕዝቶ መልእኽቲ ናይ ዝተዘርግሐ ወረቓቕቲ ኸኣ ከምዚ ዝብል እዩ ነይሩ፦

 

„ኦ ህዝቢ ኤርትራ፥ ፋሽሽቲ ኢጣልያ ኣብ ልዕሌኻ ዘውርዶ ኣደራዕን ስቓይን ጸበባን ተረዲእና፥ ከም ኩለን ነጻ ዘወጻ ህገራት ኣፍሪቃ ናጽነትካ ንኽትጎናጸፍ ክንትሓባበረካን ክንፈቕደልካን ኢና። እቲ ሕጂ ካባኻ እንጽበዮ ነገር እንተሃልዩ፡ ምሉእ ዓቕምኻን ሃምኻን ጉልበትካን ንብረትካን ኣብ ጎኒ ሰራዊት እንግሊዝ ተሰሊፍካ፡ ኣንጻር ሰራዊት ፋሽሽቲ ኢጣልያ ኢትዓጥቕን ክትቃለስን እዩ። ድሕሪ እዚ ዝተርፈካ የለን። ናጽነትካ ኣብ ጽባህ ስዕረት ፋሽስቲ ኢጣልያ መሪቕና ከነረክበካ ኢና።“

 

ህዝቢ ኤርትራ ግንእንግሊዛውያን ናጽነት ክህብዎ ኢሉ ዘይኮነ፡ ቅድሚኦም ጀሚሩ ኣንጻር ፋሽሽቲ ኢጣልያ፡ ምእንቲ ክብሪ ሓርነቱን ሉኡላዊ ናጽነቱን ሓርነታዊ መሰላቱን ተቃሊሱን ኣቃሊሱን እዩ። ሽዑ እዮም ከኣ ሓርበኛ ተቓላሳይ ደግያት ባህታ ሓጎስ (ኣባ ጥመር ሓው ግምጁ) ከምዚ ዝበሉ፥-……………………[ትሕዝቶ መልእኽቲ]

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

 

ነዚ ጽሑፍ ብሰፊሑ ኣብ`ዚ ታሕቲ እትርከብ ስትርቲ ሕጥበ-ጥቢቆ ጽሕፍቲ ወይ [PDF] ጠዊቕካ ብምኽፋት ኣንብባ። ሰናይ ንባብ።

ብርሃነ ሃብተማርያም

 

????? ???'? ???????

 

ኤርትራዊ ሕጂ‘ውን ኣይትትሃመል!!!

 

 






image003.jpg
(image/jpeg attachment: image003.jpg)

Received on Wed Jun 11 2014 - 15:44:06 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved