VOAnewscom. ምርጫታት ኣብ ኣፍሪካ ዴሞክራሲ ሱር ክሰድድ ኣይሐግዙን ተባሂሉ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 6 Jun 2014 13:46:05 +0200


ምርጫታት ኣብ ኣፍሪካ ዴሞክራሲ ሱር ክሰድድ ኣይሐግዙን ተባሂሉ


ዓርቢ, ሰነ 06, 2014 ሰዓት'ቲ ከባቢ 11:12

 

 ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ 90ታት ጀሚሩ ምርጫታት እንተተኻየዱ እውን ንኣፈላላያት ብምንብድባድ ካብ ምፍርራሕን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድን ብዝዘለለ ዴሞክራሲ ሱር ክሰድድ ኣይሓገዙን ተባሂሉ።

 ሳልሳይ ናይ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ምምሕዳራዊ ፀብፃብ ሎማዕንቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዕላዊ ኮይኑ’ሎ። ምርጫን ኣተኣላልያ ፍልሊን ብዝብል ናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚክ ኮሚሽንን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ልምዓትን ኣብዘዳለውዎ ፀብፃብ ካብ 1990ታት ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝተወሰኑ ዓመታት ዙር ምርጫታት ናይ ምክያድ ልምዲ እናተጠናኸረ መፂኡ’ሎ።

 ይኹን እምበር እዞም ምርጫታት እዚኦም ኣብ ክንዲ ባህሪያዊ ለውጥታት ምንጪ ግጭታት ኮይኖም ኣለው ይብል።

 ነቲ ሪፓርት ብዝርዝ ዘቕረቡ ኣብ ናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚክ ኮምሽን ዳይረክተር ልምዓት ማክሮ ኢኮኖሚ ኣዳም ኤል-ሂራይካ ኣብ ሰናይ ምሕደራ ምዕባል ምህላው ፅቡቕ ዜና’ዃ እንተኾነ እቲ ከይዲ ግን ዝሕቱል እዩ ኢሎም።

ኣብዝተፋለለያ ሃገራት ኣፍሪካ ግጭታት ይርኣዩ ከምዘለውን ዝተረኽቡ ለውጥታት ዴሞክራሲን እውን የንቆልቁል ከምዘሎን ዝጠቐሱ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ልምዓት ኣማኻሪ ብሪያን ካጋሮ እዮም።ናይ መንነት ፖለቲካ ናብ ምፍርራስ ተቛማት ፣ምጥሓስ ሕገ መንግስቲትን ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝተመዝገቡ ዴሞክራሲያዊ ይኹን ናይ ልምዓት ገስጋሳት ኣንፈቶም ክስሕቱ የገብር ኣሎ ኢሎም።

 ብርክት ዝበሉ ፓርላመንታውን ፕሬዝዳንታዊ ምርጫታት እንተተኻይተዱ እውን ዴሞክራሲ ክዓሙቕን ሱር ንኽሰድድን ግን ኣይሓገዙን ይብል እቲ ፀብፃብ።

 

Received on Fri Jun 06 2014 - 07:47:31 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved