Alenalki.com: ሪፖርታጅ በዓል 24 ግንቦት ኣብ ስቶክሆልም

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 5 Jun 2014 00:13:41 +0200


 <http://alenalki.com/index.php/alenalki-news/348-%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%8C%85-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-24-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%8A%AD%E1%88%86%E1%88%8D%E1%88%9D> ሪፖርታጅ በዓል 24 ግንቦት ኣብ ስቶክሆልም


Published on Tuesday, 04 June 2014 21:03

Stkhl 2014 (3)"ንሕና ሃገር! ንሕና ማእገር! ንሕና’ወ ሰናድር! ንሕና በተኽቲ መዋጥር!" ተሳተፍቲ በዓል 24 ግንቦት

ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከብወን ሸውዓተ ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ ማስተርን ዶክትረይትን ማዕረገ ተመሪቖም። ወለድን ሃገርን ቀዳማይ ሓላፍነቶም፡ ንደቆም ምምሃር ምዃኑን ተገሊጹ፣ ኩሎም ተመሃሮ ድማ፡ ኣርኣያ’ዞም ብልዑል ማዕረግ ዝተመረቑ ኪኽተሉ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

Stkhl 2014 (4)ኣብ ወቕቲ በረድን ዛሕልን ዝወርሐ ክሊማ ሽወደን፡ ንምእታው ሓጋይ (ሳመር) ከበስር’ኳ እንተቐነየ፡ ናይ ህርፋን ግዲ ገይርዎ፡ ዋር ዋር ዘብል መቐት’ዩ ዝዝርግሕ ነይሩ። ብርግጽ፡ ጨርቅኻ ዘደርቢ’ዩ ዝመስል። ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሃገራዊ በዓላት ኣብ ስቶክሆልም፡ በዓል 24 ግንቦት 2014 ኣብ ”ቀጽሪ ቁሸት ሓደ ልቢ” ከም ዝካየድ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ህዝቢ ነዚ ሓበሬታ ተቐቢሉ፡ ”ግርም! መሕጎሲና ይግበሮ!” ብምባል፡ መደባቱ ብምስራዕ’ዩ ክሸባሸብ ቀንዩ። ኣባላት ሓይሊ ዕማም ስልማት፡ ካብ ድሮ በዓል ጀሚሮም፡ ነቲ ስታድዮም ክትብሎ ዘድፍር ስርሓት ቴንዳ ኣዳራሽ፡ ክስልምዎ ውዒሎም፡ ኣምስዮምን ሓዲሮምን። ውዕሎን ሕድሮን ኣብ ስራሕ፣ ኣገናዕኩም እቱም ኣጸበቕቲ በዓሎም፣ በዓል ናጽነት። እቲ ኣብ ማእከል ለምለም መሬት ብጻዕዳ ቴንዳ ዝተደኮነ ኣዳራሽ፡ ጻዕዳ ልባስ ተሓዊስዎ፡ መናብሩ ኣዳልዩን በሪታቱ ኣርሕዩን ንጻዕዳ ’ዝልቦም ህዝበ-ኤርትራ ከእንግድ ”እተዉ፣ ምልኡኒ” ይብል ነበረ። ብሓቂ ከኣ፡ ቦታ ሓድነትን መኸተን፣ ቦታ ባህልን መንነትን ቦታ መውጽኢ ናፍቖት ”ቀጽሪ ቁሸት ሓደ ልቢ”…

ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣዳራሽ እትው ምስ እትብል፡ ናይ ስቶክሆልም ዘይመስል ሓያል ሙቐት ይቕበለካ። ኮታ፡ ጸሓይ ባርካ ደቃ ደልያ፡ ሰላምታኣ ከተብጽሕ ዝመጸት ከኣ፡ ይመስል። ደቡባዊ ሸነኹ ምስ ተኸፍተ ግና፡ መጻኢ ተስፋ፡ ሓጎስ፡ ባህልን ሓድነትን ዝሓቖፈ ንፋስ ናጽነት ክነፍስ ጀመረ። እቲ ፍስሃ ዝሓዘለ ንፋስ ከኣ፡ ንፋስ መን ምዃኑ ይስወጠካ፣ ናይ’ቲ ን30 ዓመታት ብብረታዊ ቃልሲ ብምክያድ ናጽነቱ ዝጨበጠ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ! እወ፡ ንፋስ ተስፋ ጎላጒልን ባሕርን ኤርትራ…

ሰዓት ምጅማር ሓሊፉ’ኳ እንተ ነበረ፡ ሓለፍቲ ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት፡ ብዝሒ ህዝቦም ብምግምጋም፡ ውራይ ክኽፈት ትእዛዝ ምስ ኣመሓላለፉ፡ ተዳልየን ዝጸንሓ ዞባታትን ማሕበራትን ስቶክሆልም፡ ባንዴራታት ብዝሓዙን ካባን ዝተዓጥቁን ኣባላተን ተዓጂበን፣ ኣባላት ሃ.ማ.ደ.ኤን ኣዴታትን ”ናጽነተይ ክብረተይ! ናጽነተይ ክብረተይ!” እናበላን ዕምባባ እናነጸጋን ናብ ኣዳራሽ ኣተዋ። ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ህዝቢ፡ ንኽብረን ብምትንሳእ፡ ብዕልልታን ሓጎስን ተቐበለን። ኩሉ ዕዱም በቦትኡ ምስ ሓዘ፡ መራሕቲ መደብ መንእሰይ ኖህ ሃይለን ወ/ሮ ሪሓብ በሽርን ናብ መድረኽ ቀሪቦም ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ሰላምታ ናጽነት ምስ ኣብጽሑ፡ ህዝቢ ሰማእታቱ ክዝክርን ሃገራዊ መዝሙር ክዝምርን ዓደሙ። በዚ ከኣ፡ ምኽፋት በዓል 24 ግንቦት 2014 ኣብ ስቶክሆልም ተበሰረ። ጣቕዒትን ዕልልታን ተቓልሐ ”ግራቲስ! ታክ! ግራቲስ! ታክ! ኮንጉራ…!” ዝብሉ ቃላት ክደጋገሙ ተሰምዑ። እንቋዕ ሓጎሰና’ወ! መብሩክ!…

Stkhl 2014 (5)ቀጺሉ፡ ህቡብ፡ በሃር ድምጻዊ በረኸት መንግስተኣብ ኣብ መኽፈቲ፡ ”ንሕና ሃገር!” ብእትብል ደርፉ ከፈቶ። ህዝቢ’ውን ተቐቢሉ፡ ”ንሕና ሃገር! ንሕና ማእገር! ንሕና’ወ ሰናድር! ንሕና በተኽቲ መዋጥር!” እናበለ፡ ተላሃየ። ስዒቡ፡ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሃገራዊ በዓላት ኣብ ስቶክሆልም ኣቶ ኣለም ተኽለጊዮገርግሽ፡ ንሕሉፍ መስተንክራዊ ቅያታት ገድሊ ኤርትራ ዝትርኽ፡ ናጽነት ብኸመይ መጺኣ? እንታይ መስተንክራትን መስዋእትን ተኸፊልዋ? በየናይ ዓቕሚ ኸ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣብ መደረኽ’ዛ ዕለት ከም ዝምለሱ ዝሕብርን መንእሰይ ወለዶ ድማ፡ ወራስን ክብሪታት ናጽነት ኣብ ምዕቃብ ወትሩ ድልዊ ኪኸውን ዝጽውዕን ቃል ኣቕሪቡ።

Stkhl 2014 (6)ኣቶ ኣለም ቃሉ ምስ ዛዘመ ንኣቶ ዮናስ ማና ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንድናቪያ ቃል መንግስቲ ኤርትራ ኬቕርብ ዓደሞ። ኣቶ ዮናስ ብግዲኡ፡ ናጽነት ብበረኸት ወይ ብዕድል ከም ዘይመጸትን፣ ብሳላ ብሉጻት ደቂ ህዝቢ ክውንቲ ከም ዝኾነትን ብምሕባር፡ ነዚ ናጽነት ከስተማቕር ዝበቕአ ህዝቢ ”ዮሃና!” ኢሉ። ቀጺሉ፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ንዘጋጠሞም ወራራትን ተጻብኦን መኪቶም ልኡላዊት ሃገሮም ከየድፈሩን ከይተጻዕዱን ኣብ ሃገራዊ ልምዓቶም ተጸሚዶም ምህላዎም ብምሕባር፡ ኪኖ’ቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ተደጋጋሚ ተጻብኦታት፡ ንጽባሕ ኣማዕድዮም ስለ ዝጥምቱ፡ ናይ ጽባሕ ርህውትን ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፈና ኤርትራ፡ ቀረባን ዘይተርፍን ምዃኑ ሓቢሩ።

Stkhl 2014 (2)ዓበይትን ህጻናትን ሕጉሳት ኮይኖም በዓሎም የሕልፉ ምንባሮም፡ እቲ ሃዋህው ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ካብ ተሳተፍቲ በዓል፡ ኣቶ በረኸተኣብ ኣብርሃ (ቓዛፊ)፡ ነፍስ ወከፍ በዓል ኣብ ስቶክሆልም ብጸጥትኡን ኣተኣላልይኡን ዘሕጉሶ ምዃኑ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ”ቅድሚ 1991 ዝሕበነሉ ናጽነት ስለ ዘይነበረኒ፡ ሎሚ ናጽነት ንዓይ፡ ማንም ዘየሕድገኒ መንነተይን ሓበነይን እያ” ክብል ገሊጹ። ምስ ብጾታ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ተጸሚዳ ትርአ፡ ወ/ሮ ሰናይት ዮውሃንስ’ውን ብግደኣ፡ ናጽነት ፍልይቲ ህያብ ሰማእታትን ናይ ሕድሪ መንነት ምዃናን ብምጥቃስ፡ ”በዓል ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቶም ንስለ ናጽነት ዝሓለፉ ጀጋኑ ደቁ ዝዝክረላን ሃገራዊ መብጻዓኡ ዘሕድሰላን ክብርቲ ዕለት’ያ” ኢላ። ንሳ፡ ኣብዛ ዕለት፡ ተሓጒሳን ናይ ክብሪ ልባሳትን ለቢሳ ከም እተሕልፋ ትገልጽ።

Stkhl 2014 (1)በዓል 24 ግንቦት፡ ኣሎ በረከት! ኣሰና! ዘብል ፍሉይን ድርብ ሓጎስ ወለዲ ዝተንጸባረቐሉን ፍሉይ ፍጻመ መመረቕታ ተመሃሮ እውን ኣአንጊዱ ነይሩ። ካብ’ቶም ልዕሊ 100 ተመሃሮ፡ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከብወን ሸውዓተ ኤርትራውያን ማለት፥ ቴድሮስ ሃብተጽዮን ብጥዕና ሕብረተሰብ ማዕረግ ማስተር (Master Folkhälsa)፡ ሄለን ካሕሳይ ብማዕረግ ማስተር ባዮ ቴክኒክ (Master bioteknik)፡ ሰምሃር ተኽለኣብ ብማዕረግ ናሽናል ኢኮኖሚን ስታስቲክስን (Nationalekonomi med inriktning på statistik)፡ ሊሊ ተኽለ ንግዳዊ ምምሕዳርን ሎጂስቲክስን (Business administration with logistics)፡ ማክዳ መስፍን ብሓበሬታ ኢንሹራንስ (Försäkringstådgivare och skadereglerare)፡ ሰገን ብርሃነ ሲቪል ኢኮኖሚ (Civilekonom MBA)፡ ዳኒኤል ፍስሓጽዮን ድማ፡ ብማዕረግ ዶክተር ዶክተሬይት (Läkare D) ከም እተመረቑ፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምምራቕ ተሓቢሩ።

ወለድን ሃገርን ቀዳማይ ሓላፍነቶም ንደቆም ምምሃር ምዃኑ፣ ኩሎም ተመሃሮ ድማ፡ ኣርኣያ’ዞም ብልዑል ማዕረግ ዝተመረቑ ኪኽተሉ ዝተፈላለዩ ወለዲ መዘኻኸሪ ኣቕሪቦም። ቅቡል! ንኹሉ ዝምልክተ መዘኻኸሪ ይመስለና። ከምዚ ጌርካ ንደቅኻ ምትብባዕ፣ ክሳብ’ቲ ኪኾንዎ ዝግብኦም ምክትታል ተራ ወለዲ ይዓዝዝ ከኣ፡ ንብል። ንኹሎም ምሩቛትን ተመሃሮን ድማ፡ ዮሃና እናበልና፣ ኣብቲ ዓመታዊ ተመሃሮ ኣብ ዝምረቕሉ እዋን ዝርአ ምትሕውዋስን ብዝሒ ህዝብን ኣብ ኣወሃሃድት እቲ መመረቕታን ምስናድን፡ ብተደጋጋሚ ዕንቅፋት ኪፈጥር ይርአ ኣሎ’ሞ፡ ይተሓስበሉ። ንዓመታ ድማ፡ ካብ’ዞም ዝተጠቕሱ ብዝሒ ምሩቓት፡ ዕጽፊ-ዕጽፉ ኪምቀረቑ ትጽቢት ኩልና እዩ።

Stkhl 2014 (9)ካልእ፡ በዓል ናጽነት ኣብ ስቶክሆልም ከም ወትሩ፡ ስፖርታዊ ውድድራት’ውን ዘጠቓለለ እዩ። ብቐዳም 17 ግንቦት’ ውን፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት፡ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከባ ጋንታትት፡ ዞባታት፡ ንህጻናትን ሽማግለታትን ዘጠቓለለ ዝተፈላለዩ ውድድራት ስፖርት ከም እተኻየዱ፡ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ስፖርት ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ስቶክሆልም መንእሰይ ጎይትኦም ግደ ሓቢሩ። ንሱ፡ ካብ’ቶም ሓያል ግጥማት ዝተኻየደሎም ውድድራት ሓደ፡ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ምንባሩ ይጠቅስ። እቲ 6 ጋንታታት ዝተሳተፍኦ ግጥማት፡ ኣቐዲመን ኣብ 18 ሚያዝያ መጻረይ ውድድር ኣካይደን ብምንባረን፣ ኣብ መወዳእታ ንመወዳድርተን ስዒረን ናብ ዋንጫ ዝበጽሓ ጋንታታት ኣዝማሪኖን ሃሎምበሪን ነይረን። ጋንታ ሃሎምበሪ ድማ፡ 6ብ4 ምዕዋት ተዓዋቲት ዋንጫ በዓል ናጽነት ኮይና። ብሓፈሻዊ ውህሉል ነጥቢ ድማ፡ ዞባ ደቡብ ስቶክሆልም ጎብለል ብምዃን ተዓዊታ። ዕዉታት ካብ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ዞባታት፡ ስነ-ጥበበኛታትን ስፖርተኛታትን ዋንጫን መዳልያን ከም እተዓደሉ መንእሰይ ጎይትኦም ወሲኹ ብምሕባር፡ ጋንታ ሃሎምበሪ ተዓዋቲት ክነሳ፡ ኣብ ምዕዳል ዋንጫ ብዘይ ምንርካብ፡ ዘይ-ስፖርታዊ ስነ-ምግባር ከም ዝኾነ ቅሬትኡ ገሊጹ። ኣብ መጻኢ፡ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ከይድገም ድማ፡ ኣተሓሳሲቡ።

Stkhl 2014 (10)ኣብ መወዳእታ ድማ፡ መንእሰይ ጎይትኦም፡ ኣብ ኤርትራ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዝነበሩን ሓደስትን ብምጥርናፍ፡ ብስም ሬድ ሲ (RED SEA) እትፍለጥ ጋንታ ኣቚሞም፣ ኣብ ዓመተ 2015 ኣብ ሽወደን ምስ ዝርከባ 7ይ ዲቪዥን ንምጽዋት ምድላዋት ይገብሩ ከም ዘለው ብምሕባር፡ ነዚ ተበግሶ ንምዕዋት፡ ኩሉ ዜጋ አእጃሙ ከበርክት ተማሕጺኑ።

ኣብቲ ካብ ስቶክሆልምን ከባቢኣን ዝመጹ ህዝብን ህጻናትን ዝተሳተፍዎ በዓል፡ ህቡባት ድምጻውያን በረኸት መንግስተኣብ፡ ተስፋይ መሓሪ (ፊሒራ)ን ከድጃ ኣደምን ሙዚቀኛታትን ነቲ በዓል ድምቀት ብምሃብ፡ ምስ ናፍቖቱ ንህዝቢ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ኣዘናጊዖሞ።
Stkhl 2014 (7)ፊሒራ፡ ምስ ህጻናት ብምዃን፡ ነታ ህብብቲ ”ዝመጸ ይምጻእ ወራሪ፡ ናብ ባርዕ ሰውራ ሓራሪ” እትብል ደርፉ ብምድግጋም፡ መንፈስ ሃገራዊ ወኒ ተሳታፊ በዓል ጥርዙ ኣብጽሖ። ፍረ ናጽነት ዝኾኑ፡ ህጻናት ስቶክሆልምን ከተማ ኡሮብሮን፡ ጉጅለ ባህሊ ፍቕርን ራህዋናን ድማ፡ ምስ በዓል ናጽነትን ቃልስን ዝተኣሳሰረ ትልሂትን ምርኢትን ኣቕሪቦም።

ብኸምዚ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ስቶክሆልምን ከባቢኣ ንመጻኢ ራህዋ ኣብ ምዂላዕን ንኹሎም ተጻብኦታት ኣብ ምምካትን ድልውነቶም ብምርግጋጽ፡ ኣብ ትሕቲ ”ንርህው ጽባሕ፡ ሎሚ ንስራሕ!” ዝብል ቴማ፡ በዓል 24 ግንቦት ብድምቀትን ክብ ዝበለ ማዕረግን ኣብዒሎም። ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣደራዕ ተጻብኦታት ንመንገዱ ዘይኣልዮ ህዝቢ’ንተሎ፡ ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ እዩ! መን ከምዚ ህዝቢ! እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ዓለም እንተጸመመት፡ ታጻብኦታት እንተተበራረይሉ፡ ብከድዓት እንተተጠልመ ኣብ ቃልሱን መኸተኡን ዘይሰዓር፣ ወትሩ ሰዓራይ ዝኾነ ህዝቢ፣ እወ፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ!

Stkhl 2014 (8)ኣብዚ ከይጠቐስናዮ ክንዛዝም ዘይግብኣና፡ ሓዳ ኣገዳሲ ዛዕባ ኣሎ። ከምቲ ኣቶ ዮናስ ማና ኣብ መዛዘሚ ቃሉ ዝጠቐሶ፣ ብሓቂ እቶም ምእንቲ ህዝቦም ኣብ ምቹእ ቦታ፡ ድሙቕ በዓል ከብዕል፡ ጉልበቶምን ግዚኦምን ብምውፋይ፡ በዓል 24 ግንቦት፡ ብምዕሩግ ኣገባብ ክበዓል ዝተዋስኡ ማሕበራትን ዞባታትን ብፍላይ ድማ፡ ውልቀ ሰባት ዓብን ናይ ክብርን ምስጋና ዝግብኦም እዮም። እቲ ምንታይ፡ ንሶም ድኻሞም ከይጸብጸቡ፡ ዕዉት በዓል ንኽሓልፍ ሕመረት ክውንነት፡ ጽባቐን ስርዓትን ንሶም ስለ ዝኾኑ። በወገንና፡ ሞጎስኩም መንፈሳዊ ዕጋበትን ሞጎስ ህዝብን እዩ’ሞ፡ ኣብ ምድማቕ ፌስቲቫል ሓደ ልቢ 2014 እውን፡ ህዝቢ፡ ዕዉት ተወፋይነት ዕዮኹም ከም ዘይፍለዮ ትጽቢትና እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ምስጋና፡ ሃ.ማ.ደ.ኤ ንኡስ ጨንፈር ስቶክሆልም’ውን፡ ኣብ ምድማቕ በዓል 24 ግንቦት ዓቢ ተራ ብምጽዋተን ፍሉይ ምስጋና ይብጽሓየን ንብል፡ ብዘይ ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ዓወት ክውን ስለ ዘይከውን፡ ቅናት ቀደምክን፡ ሸጥ ከም ቀደማ ንብል።

Stkhl 2014 (11)ኣብ መወዳእታ ሪፖርታጅና ድማ፡ ዋላ ነቲ ቖጸራ ዘየኽብር ይሰከፎ፡ ሓደ ኣብ ቖጸራ ዘተኮረ መተሓሳሰቢ ከነመሓላልፍ። ኣብ ቖጸራኻ ዘይምርካብ፡ ለሚድናዮ፣ ወረ ሎሚስ ተሰቢሉና’ምበር። ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት፡ በዓል 24 ግንቦት ዝጅመረሉ ግዜ ሰዓት 12፡00 ምዃኑ ሓቢሩ ክነሱ፣ ”ቖጸራ ሓበሻ” እናበልና፡ መደባት’ቲ ኣብ ልክዕ ሰዓቱ ዝርከብ ዜጋ፡ ንሰብረሉን ንሓማምሰሉን ኣለና። ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ ነዚ ዘይፍወስ ሕማም ኮይኑ ዘሎ ምጒንዳብ ቖጸራ፡ ብግቡእ ተገንዚቡ ሓደ ፍታሕ ከናድየሉ በዚ ኣጋጣሚ መዘኻኸሪ ነቕርብ። ቖጸራ ክቡር እዩ፣ ቖጸራ ዘይምኽባር ከኣ፡ ከም ፍርቂ ምጥላም’ዩ ዝቑጸር። ከም’ዞም ሰዓት 4፡00 (16፡00) ቖጺርካዮም፡ ካብ ገዝኦም ሰዓት 4፡00 ዝነቕሉን ”ዶንጉየ ዶ!?” ኢሎም ዘመኽንዩን ኣይንኹን።

Stkhl 2014 (12)ካልእ’ውን፡ ኣቐዲሙ ብጌጋ ከይተሓምየ ዝምድንኡ ምስ ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት ተሳንዩ ዝኸይድ፡ ሽወደናዊ ትካል መሳርሒን ምውህሃድን ሙዚቃ፡ ኣብ በዓል 24 ግንቦት 2014፡ ኣብ ድምጺ ተደጋጋሚ ምቊራጽ ከጋጥም ተዓዚብና። ስራሕን ዕዱማትን ክቡራት’ዮም’ሞ፡ ኣብ መጻኢ ክሕሰበሉ ንልቦ። ንዓመታ ኣብ ጥርዚ ብራኸ ፍቕርን ሰላምን፣ ምዕባለን ቅሳነትን ዝዓሰሎ በዓል ናጽነት የብጽሓና፣ የራኽበና!!

ኤርትራን ህዝባን፡ ምስ ዘውዲ ናጽነቶም ተኸቢሮም ንዘለኣለም ይንበሩ!!!

bereina estifብርዕና ዜናን ሓበሬታን - ስቶክሆልም
ስእሊ፡
1.ሰሎሞን ኣማኑኤል
2. ሰለሞን ብርሃነ
3. ቲቪ ራህዋና

 




image001.jpg
(image/jpeg attachment: image001.jpg)

image002.jpg
(image/jpeg attachment: image002.jpg)

image003.jpg
(image/jpeg attachment: image003.jpg)

image004.jpg
(image/jpeg attachment: image004.jpg)

image005.jpg
(image/jpeg attachment: image005.jpg)

image006.jpg
(image/jpeg attachment: image006.jpg)

image007.jpg
(image/jpeg attachment: image007.jpg)

image008.jpg
(image/jpeg attachment: image008.jpg)

image009.jpg
(image/jpeg attachment: image009.jpg)

image010.jpg
(image/jpeg attachment: image010.jpg)

image011.jpg
(image/jpeg attachment: image011.jpg)

image012.jpg
(image/jpeg attachment: image012.jpg)

image013.jpg
(image/jpeg attachment: image013.jpg)

Received on Wed Jun 04 2014 - 18:13:55 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved