Tesfanews.net: ክትራ ብቐትሪ -ሽፍትነት ጎዶቦ, ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ!!! ብጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት-5ይ ክፋል [ ናይ ስትርቲ ሕጥበ-ጥቢቆ ወይ [PDF] መኣረምታ]

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 2 Jun 2014 16:34:35 +0200

፠ክትራ ብቐትሪ -ሽፍትነት ጎዶቦ, ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ!!! ብጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት-5ይ ክፋል

 

ብ ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፣

02.06.2014

 

ክቡራት ትኸታተልቲ ጽሑፋትና፥ ኣብ`ዚ ናይ ሎሚ መበል 5ይ ክፋል ኢልና እነውጽኦ ዘለና ጽሑፍ፡ ብቐደም ትኸተል ክንከይድ ዝግበኣና‘ኳ እንተነበረ፡ ምስ`ቲ ካብ ብዙሓት ተኸታተልቲ ጽሑፋትና ዝመጸና ዘሎ መልእኽትን ሓበሬታን ሪእይቶን ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ከሰተ ጠዓመ ኣከሎም [ወጅሃይ] ዝንዛሕ ዘሎ ጸለመታትን፡ ብስርዓት ወያነ ናይ ዝተኻየደ ፈተነ ጭውያን ቅትለትን ብምትእስሳር` ኣብ`ዚናይ ሎሚ መደብ 5ይ ክፋል ጽሑፍና፡ ነቲ ናይ ቀደም ተኸተል ኣገባብ ጥሒስና፡ ኣብ ጥብቆ ቁጽሪ 4 ክቐርብ ዝግብኦ ዝነበረ መርትዖ ሰነድ፡ ኣብ`ዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ከነቕርቦ ኢና።

 

መሰረት ናይ`ቲ ጽሑፍ ከኣ፥- ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም [ወጅሃይ]፡ ከመይ ኢሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ በቲ ፈጺምዎ ተባሂሉ ዝተኸሰሰሉ ሰባት ብዘይ ሕጊ ኣብ ምስግጋርን ምሻጥን [Human trafficking and Smuggling] ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓደ ካብኣቶም ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ [ማንጁስ] ሓቢርካ ትሰርሕ ኔርካ ኢሉ ንዝቐረበሉ ክሲ፡ ነጻ ናይ ዝተለቐቐሉ ናይ ቤት ፍርዲ ሰነድ፡ ጽሩይ ቅዳሕ ሰነድ ኩሉ ኤርትራዊ ብጉቡእ ክርድኦ ብማለት ከኣ፡ ካብ‘ቲ መበቆላዊ ሰነድ ቅዳሕ ሰነድ ብቛንቛ ኣምሓርኛ፡ ናብ ቛንቛ ትግርኛ ኣተርጒምና ንዝርግሖ ኣለና።

 

እቲ ብቛንቛ ኣምሓርኛ ዝቐርብ ዘሎ መበቆላዊ 38 ገጽ ዝሓዘ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ መርትዖኡ ዝተሰነየ ክኸውን ንከሎ፡ እቲ ትርጉም ቛንቛ ትግርኛ ከኣ፡ ምስ መበቆላዊ መርትዖ ናይ‘ቲ ሰነድ፡ ኣብ 39 ገጻት ቀሪቡ ኣሎ። ብድምር ኣብ‘ዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፥ ንዘለና ሰነዳዊ መርትዖ ብዝምልከት ብኽልተ ቛንቛታት ኣምሓርኛን ትግርኛን፡ ኣብ 79 ገጻት ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣሎና። ብጽሞና ክትነብዎ ኸኣ ነተሓሳስብ። ሰናይ ንባብ ን5 ክፋል።

 


ነዚ ጽሑፍ ብሰፊሑ ኣብ`ዚ ታሕቲ እትርከብ ስትርቲ ሕጥበ-ጥቢቆ ወይ [PDF] ኣንብቦ። ሰናይ ንባብ።

ብርሃነ ሃብተማርያም

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

      ??? ??? ???? (????)? ??? ?? ?? ?? ????? ?? ???? ???? ???? ?? ??? ??? ??? ???? ???

 

ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም [ወጅሃይ]፡ ከመይ ኢሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ክልቀቕ ክኢሉ? መርትዖ ቤት ፍርዲ ሰነድ ሒዝና ቀሪብና ኣለና።

 

መዘኻኸሪ፡ እቲ ሕጥበ-ጥቢቆ ወይ [PDF] ኣብ‘ቲ ትማሊ ዘመሓላለፍኩዎ መልእኽቲ ስለ ዝይወጸ ዳግማይ ይሰዶ ኣለኹ። ምሰናይ ይቕሬታ!

 

ብርሃነ

 

 






image001.jpg
(image/jpeg attachment: image001.jpg)

Received on Mon Jun 02 2014 - 11:02:59 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved