Tesfanews.net: ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም [ኣንገሶም ወጅሃይ] ካብ ጭውያን ቅትለትን ወያኔ ንስክላ ድሒኑ።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 1 Jun 2014 21:48:59 +0200

ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም [ኣንገሶም ወጅሃይ] ካብ ጭውያን ቅትለትን ወያኔ ንስክላ ድሒኑ።

 

ብ ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፣

01.06.2014

 

ብወያነ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም [ኣንገሶም ወጅሃይ] ሎሚ መኢዓልቲ ዘካየዶ ናይ ጽውያን ቅትለትን ፈተነ ፈሺሉ። ብ ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፣ እቲ ንመራሕቲ ሃገራት ከይተረፈ፥ ንዘለዎም ክብሪ ሉኡላውነት ሕሉፍ መሰል ጥሒሱ፡ እንተዘይፈረምኩም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትወኩም እዬ ኢሉ ዘፈራርሕ ሰርዓት ወያነ፡ ሎሚ ዕለት 29.05.2014፡ ከባቢ ሰዓት 4፡00 ናይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ሻርዕ ኣልጃዛር፡ ኣብ ኣፍደገ ሞርኒን ጆይስ ካፌን ሬስቶራንትን፡ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ዘሎ ጎደና፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ሓደ ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርከብ ርሕቀት፡ ብስርዓት ወያነ ዝተላእኩ ዑሱባት፡ ኣብ ሓንቲ BMW ዝዓይነታ መኪና ዝተሰውሉ ኣርባዕተ ሸጓጉጥ ዝዓጠቑ ሰባት፡ ንኤርትራዊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም [ኣንገሶም ወጅሃይ] ሒዝዋ ንዝነበረ መኪና፡ ብተድጋጋሚ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ማእከል ጎደና 6 ግዜ ድሕሪ ምግጫዎም፡ ነታ መኪና ድሕሪ ምዕናዎምን፥ ተባዕ ኤርትራዊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም [ኣንገሶም ወጅሃይ]፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ናይ ጭውያን ቅትለትን መደብ ወያን፡ ብእግሩ ሃዲሙ ካብቲ ዝተመደበሉ ውጥን ንስክላ ድሒኑ ኣሎ።

 

ነዚ እከይ ተግባራት ካብ ዝመርሑን ዘዋደዱን፡ ቀንድን ሉኡኻት ወያነን፡ ኣብ ዕዮ ምስግጋር ሰባትን መሸጣ ወዲ ኣዳምን ዝተዋፈሩ ዕሉላት ገበኛታት ከኣ፡ ዑን ዓንዶም ዝዓዱ ዮውሃንስ ማሕራይ ወይ ከኣ ጆን ማሕራይን ኪሮስ ሃይሉን ቀንዲ ተሓተትቲ ምዃኖም ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ነፍልጥ።

 

ወያነ ነዚ ተግባር እዚ ንኸተግብር ዝተገደደሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራን ሶማልን ዝቐረበ፡ ኤርትራዊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም [ኣንገሶም ወጅሃይ]፡ ምስ ብሪጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ [ማንጁስ]፡ ኣብ መሸጣ ደቂ ኣዳምን ዘይሕጋዊ ፍልሰት ደቂ ሰባት ይነጥፉ ኢዮም ኢሎም ዝጸብጸብዎ ናይ ሓሶት ጸብጻብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኤርትራዊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም፡ ካብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ወጻኢ ስለ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝተጻዕነ እገዳ ዝቐርብ ናይ ዓሎቕ መርትዖ፡ ካብ ኢዶም ስለ ዝሞለቕም፡ ነዚ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተኣልመ እከይ ውዲት ምዃኑ ክነረጋግጽ ክኢልና ኣሎና።

 

ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ናይ ዓይኒ ተዓዘብቲከም ዝገለጽዎ፡ አታ በቶም ገበርቲ እከይ ዝዓነወት መኪና፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከም ዝኣተወት፡ ነቲ ኩነታት ንምክትታል፡ ኣስታት 15 ብሞተር ሳይክል ዝተሰነዩ ፖሊስ ትራፊክ፡ ነቲ ጉዳይ ከም ዝተኸታተልዎ ክንፈልጥ ኪኢልና ኣሎና።

 

ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት!!!

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

መዘኻኸሪ፡ ነዞም ግዱሳት ኤርትራውያን ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት ርእይቶኹም ወይ ገለ ጭቡጥ ሓበሬታ ከተካፍልዎም ምስ እትደልዩ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዘመናዊ መራኸቢ ደብዳቤ ክትልእክሎም ይከኣል።

gdusattsenatsenti_at_gmail.com

??? ???? ?? ??? ????? ??? ???? ?? ???? ???ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም ኣብ ካርቱም ፈሺሉ።

 

 

 

        

 

 

 




image001.jpg
(image/jpeg attachment: image001.jpg)

Received on Sun Jun 01 2014 - 15:49:17 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved