Tesfanews.net: ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን (ህ.ግ.ደ.ፍ) መሰረት ኤርትራዉነት አዩ::

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 3 Jan 2015 13:44:39 +0100

ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን (ህ.ግ.ደ.ፍ) መሰረት ኤርትራዉነት አዩ::

ህ.ግ.ደ.ፍ ታሪኽ  ህዝቢ ኤርትራ አዩ። ህላወ ኤርትራ ምስ ህላወ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተኣሳሰረ አዩ። ዝኮነ ሓይሊ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዝጻባአ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድምሳስ ድልየትን ሕልምን ዘሎዎ አዩ። ህዝበይ ኣይትተሓመል!

ህ.ግ.ደ.ፍ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ አዩ። ህላወ ኤርትራ ምስ ህላወ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተኣሳሰረ አዩ። ዝኮነ ሓይሊ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዝጻባአ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድምሳስ ድልየትን ሕልምን ዘሎዎ አዩ። ህዝበይ ኣይትተሓመል!

ዘርኦም ሃይሉ

Posted on 03 January 2015.

ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ አዋናት ፖሊቲካዊን ወታሃደራውን ጥርናፈታት ዝነበረን ሃገራዊያን ምንቅስቓሳት ኤርትራ  አዩ።  ካብ ምንቅስቓስ ማሕበር ሸውዓተ ጀሚሩ ብድሕሪኡ ተ.ሓ.ኤ ቀጺሉ  ህ.ሓ.ሓ.ኤ ኣብ መወዳአታ ቅድሚ ናጻነት ድማ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኮይኑ  ዝወጸ ፖሊቲካዊ ሓይሊ አዩ።

አዘን ኩለን ከም ሰንሰለት ታኣሳሲረን  ንህ.ግ.ደ.ፍ ዘፍረያ ፖሊቲካዊያን ሓይሊታት ኣብቲ ንናጽነት ኤርትራ ንምምጻአ ዝተገብረ መሪር ቃልሲ ነናተን ኣወንታዊ ኣበርክቶ ገረን አየን። ኩላተን ድማ ድኽመታተን ብዘየገደስ ዓላምአን ናጽነት ኤርትራ ኩዉን ንምግባር እዩ ኔሩ።

መስርሕ ምዕባለ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክርአ ከሎ ባህሪያዊ ኣመዓባብላ ሒዙ ኢዩ ተጓዒዙ። ኣማዓባብሉኡ ከኣ ካብ ተሞኩሮ ዘይነበሮ ድኹም ሓይሊ ናብ ኣዚዩ ሙኩር ብርትዕ ሓይሊ አዩ ማዕቢሉ።  አቲ ቀቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ዝነበረ ሓይሊ ህ.ግ.ሓ.ኤ ክኣ ዘደንቕ ጥርናፈን  ወታሃደራዊን ፖሊቲካዊን ብቕዓት ዘጥረየ ሓይሊ አዩ ኔሩ። ከምኡ ስለዝነበረ ከኣ፡ ንጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ሲዒሩ ንኤርትራ ናጻን ሉዑላዊትን ሃገር ከም ትኸዉን ጌሩዋ።

ድሕሪ ናጻን ሉዑላዊትን ኤርትራ ምቛማ፡ ንቲ ሲዒቡ ዝመጸ ኩነታት ዘንጸባርቕ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ክቐዉም ስለ ዝነበሮ ህ.ግ.ሓ.ኤ  ብህ.ግ.ደ.ፍ ተተኪኡ። ህግደፍ ድማ ንኹሉ ተመኩሮታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሒዙ ነታ ብሰንኪ አከይ ተግባራት ጸላአቲ ዝዓነወት ኤርትራ  ከም ኣካል ህዝቢ ኤርትራ መጠን መሪሕ ተራ ተሰኪሙ ናይ ምህናጻን ህላዊኣ ኣዉሒስካ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ማሕበረ ቁጠባዊ ፍትሒ ረኺቡ ዝነብረላ ሃገር ናይ ምግባር ሕድሪ ተሰኪሙ ኣብ ስራሕ ሕድሩ ንምትግባር አናተጓዕዘ ከሎ ካኣ፡ ስርዓት ወያነ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ቃል ምሕዝነት ጠሊሙ ምስቲ ታሪኻዊ ተጻባኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕዳር ኣሜሪካ ተንኮል ብምእላም ንሉዑላውነት ኤርትራ ኪግህስ ኣንጻር መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ኲናት ወሊዑ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብሰንኪ አከይ ተግባራት ወያነን ኣመሓደርቱን ዝተወለዐ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲን ብዘተን ንምፍታሕ ቡዙሕ ጺዒሩ አዩ። ይኹን አምበር፡ ስርዓት ወያነን ኣማሓዳሪኡ መንግስቲ ኣሜሪካን ካልአ ዕላማ ስለ ዝነበሮም፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ናይ ሰላም ጻውዒት ነጺጎም ዝተፋላለየ ምስምሳት አንዳተጠቕሙ ንቲ ኲናት ብዝላዓለ ደረጃ ብምቕጻል ሉዑላዊ መሬት ኤርትራ ደፊሮም ብምእታው፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብርትን ኤርትራ ገበን ፈጺሞም።  ኣብ መወዳአታ ከኣ እቲ ወተሃደራዊ ዕንደራ ወያነ ብርቱዕ መኸተ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስለዘጋጠሞ ፡ ነብሱ ካብ ነብሰቅትለት ንምድሓን፡ ድሕሪ ሰፍ ዘይብል ሰባዊን ንዋታዉን ክሳራ ዕላሙኡ ከይወቕዐ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተሓሰሞ ናይ ሰላም መንገዲ ክቕበል ተገዲዱ። እዚ ድሒሩ ከምዝተራአየ  ግን  ነቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ን ወያነን ኣማሓደርቱን  ሕፍረት ፍሽለቱ ንምሽፋን ዝተገብረ ድኣ አምበር፡ ናይ ብሓቂ ብወገን ወያነን ኣማሓደርቱን ናይ ሰላም ድልየት ኣይነበረን። ክሳብ ሕጂ ዉን የለን። ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ኣብ ኣልጀርስ ዝተፈረመ ናይ መወዳአታን ቀያዲን ስምምዕ ብዉሕስነት ኣሜሪካ፣ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ዉድብ ኤሮጳዊ ሕብረትን ዉደብ ሕቡራት ሃገራትን  ተኻይዱ ከብቅዕ፡ ብቤት ፍርዲ ዓለም ንዝተዋህበ ዉስኔ ወያነ ነጺጉዎ። አቲ ዘገረመ ነገር ግን አቶም  ነቲ ጉዳይ ዋሕስ ኮይኖም ንትግባረ ናይቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ሓላፍነት ትሰኪሞም ንወያነ ዝተዋህበ ፍርዲ ክተግበር ኣሎዎ ክብሉ ዝነብሮም ንወያነ ከይኩነን ሙሉአ ናይ ምክልኻልን ገበን ምሽፋንን ስጉምቲ ምውሳድን እዩ። አታ ቐንዲ ንገበን ወያነ ናይ ምሽፋን ስራሕ ዘካየደት ክኣ አታ ናይ ተንኮል ምተኣልምቲ ወያነ ዝኾነት ኣሜሪካ አያ።  አዚ ኽኣ መቐጸልታ ሽርሕታቶም ኢዩ ነሩ።  ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጥቕሰ ዕላማ ኣሜካን ወያነን፡  ኤርትራ ዉድቕቲ ሃገር ምግባር ስለዝኾነ፡  ሓሶትን ምትላልን ዝመላኦ ናይ ጸለመ ጽዑቕ ጎስጓስ ድሕሪ ምክያድ እዚ ዘይብሃል ቁጠባዊን ፖሊቲካዊን ሽርሒ  ኣካዪዶም። ይቕጽልዎ ክኣ ኣለዉ።  ካብቲ ን ኹሉ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ሓቀኛታትን ዘስደመመ  ቁጠባዊ ሽርሒ ከኣ  እቲ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናይ ዓይኒ ዘኑቅር ፈጠራዊ ሓሶትን ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፍዎ ዘይፍትሓዊ አገዳ (sanction)  አዩ። እንተ ተመሰለሎም ክኣ ነቲ ኲናት ብቑጠባዊን ፖሊቲካዊን ስነ ኣአሞራዊን፡ ወዘተ፡ ይቕጽልዎ ኣሎዉ። ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ኣካል ህዝቢ ኤርትራ መጠን ፊተውራርን ዋልታን ብሙዃን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ነዚ ኩሉ ሽርሒ መኪቱዎን ብ ቐጻሊ ኽኣ ይምክቶ ኣሎ።

ህ.ግ.ደ.ፍ ከም መተካአታ ዘይብሉ መሪሕ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ መጠን ዓቕሙ ወዲቡ፡ ካብ ሕድሩን መስመሩን ነቕ ከይበለ፡ ንጸላአቲ ህዝቢ ኤርትራ በብዝመጽዎ መልክዕ አንዳመከተ ንቕድሚት ይጓዓዝ ኣሎ።  ክሳብ ሕጂ ንኹሉ ተንኮል ዝመላኦ ተጻብኦታት  ሰጊሩ ዘመዝገቦ ማሕበረ ቁጠባዊ ዓወት ብሓቀኛ ተዓዛቢ ዓይኒ ክረአ ከሎ፡ ኣዚዩ ዘደንቕ አዩ። ምኽንያቱ ዘጋጠሞ ተጻቡኦን ዕንቕፋትን  ብቐንዱ ብታ ን ዓለም አይትጹሪኒ ትብል ዘላ ኣሜሪካ ዝካየድ ዘሎ ስለዝኾነ።

ህ.ግ.ደ.ፍ ታሪኽ  ህዝቢ ኤርትራ አዩ። ዝኮነ ሓይሊ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዝጻባአ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድምሳስ ድልየትን ሕልምን ዘሎዎ አዩ። ህላወ ኤርትራ ምስ ህላወ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተኣሳሰረ አዩ። ብታኣማንነት ሉዑላዉነት ኤርትራን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ክሰርሕን  ከዉሕስን ዝኸአል ጥርኑፍ ሓይሊ ህ.ግ.ደ.ፍ ጥራሕ አዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ ዓይኒን እዝኒን ህዝቢ ኤርትራ ከምዃኑ ጸላአቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቖም አዮም  ዝፈልጡዎ። ከምኡ ስለዝኾነ ክኣ ንህ.ግ.ደ.ፍ ብዝኾነ መንገዲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነጺልካ ብዘይ ዓይንን አዝንን ክተርፍ እሞ ማኣዝኑ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣብ መወዳአታ ኽኣ ኣብቲ ንረብሑኡን ድሕነቱን ኣብ ሓደጋ ዘአቱ ናይ እከይ መጻወዲያኦም መሪሖም ንምአታው ኣብ ብርቱዕ ጻዕሪ ይርከቡ ኣሎዉ።

ህ.ግ.ደ.ፍ ን ህዝቢ ኤርትራ ክብሩን  ጅግኒነታዊ  ታሪኹን አዩ። ዝኾነ ህዝቢ ቦቱኡ ናብ ዓለም ክኣ ብታሪኹ ስለ ዝዕቀን፡ በተንኮል ወያነን ኣማሓደርቱን ከምኡ ዉን በቶም ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ  ከዳዓት መሰርሒ ወያነ ዝፍኑዉዎ ሓሶትን ጸለመን ከይተደናገረ፡ ምስቲ ኣካሉ ዝኾነ ህ.ግ.ደ.ፍ ተወሃሂዱን ተቓኒዩን ንጸላአቱ ክምክት ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎ።  ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ኣበርክቶ ብምግባር ንጸላአቱ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ  ተሓባቢሩ ምስ ዝምክቶም ክኣ ስቓዩ ሓጺሩ ራህዋ ዝሪኤሉ ጊዜ ከቀላጥፎ ይኽአል አዩ።

ዝኾነ ቕኑዕ ኤርትራዊ አየ ዝብል፡ ብትምኒት ወይ ኮፍ ኢልካ ኣብቲ መስርሕ ሃገር ምህናጽ ኢድካ ከይሓወስካ አዚ ዘይተግብረ አዚ ዘይትሰርሐ ምባል ወጊድ ኢሉ ንነብሱ ብምሕታት ሃገር ንምምዕባልን ንምሕዋዪን እንታይ ኣበርክቶ ጌረ ንዝመጽአ ከ እንታይ ከበርክት ኣሎኒ ኢሉ ክሓትት ይግባአ።

ህ.ግ.ደ.ፍ ሓቂ ሒዙ ዝጒዓዝ አሙን ተሰካም ሕድሪ ስዉኣት ኤርትራ አዩ። ዘጋጥሞ ዘሎ ናይ ጸላእቲ  ይኹን ባህሪያዊ ብድሆታት ዓቢ አዩ። ነዚ ንምብዳህ ዘካዪዶ ቃልሲ  ቡዙሕ ሓቦን መስዋቲነት ዝሓትት አዩ። ነታ ብሰንኪ እከያት ጸላእቲ ዝቖሰልት ሃገር  ንምሕዋይ ከምቲ ንሕማም መሪር መድሃኒት ወሲድካ ትፍዉሶ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ወይ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኸተሎ ንናይ ሃገር ጸጥታ ንምሕላው ይኹን ማሕበረ ቁጠብዊ ምዕባለን ፍትሕን ንምምጻአ ዝተኸተሎ ሜላ ርእሰ ምርኮሳ፡ ከም መሪር መድሃኒት ንዝቖሰለት ሃገር ንምሕዋይ እዩ።

ብ ኣጣቓላሊ ክርአ ክሎ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ መሰረት ኤርትራዊ መንነት ዩ ከብሎ ዝኽአል አቲ ብቐንዱ ኤርትራ ከም ሃገር ንኽትከዉን ዝገበረን፡ ብተኣማንንት ሃገራዊ ዋልታ ኮይኑ ጸላአቲ ኤርትራ ዝመከተን፡  ብሄራውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ከም ስልማት ሃገር ቆጺሩ ንሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽን ንምምዕባል ዕዙዝ ተራ ዝተጻወተን ብቐጻሊ ኽኣ ክቱር ጻዕሪ ዘካይድ ዘሎን፡ ንናይ ብሙሉኡ  ንህዝቢ ኤርትራ ረብሓን ድሌትን ሃንቀውታን ብዘይሕለል መንፈስ ዝሰርሐን፡ ብተግባርቱ ዘመስከረ እሙን ተሰካም ሕድሪ ስዉኣት ከምዃኑ ዘረጋገጸን ስለ ዝኾነ አዩ። እቲ ዓወት ንሓፋሽ! ዝብል ጭርሖኡ ክእ ነዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ተግባራቱን ጽቡቕ ድሌቱ ትምኒቱን ንህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ሓጺር መልእኽቲ አዩ።

ክብርን ምጎስን ንስዉኣት ኤርትራ!  ክብርን ሞጎስን ንሓይልታት ምክላኻል ኤርትራ!
ዘላኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋትና
ዓወት ንሓፋሽ!


 
Received on Sat Jan 03 2015 - 07:44:41 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved