Tesfanews.net: ታሪኽ ዘርአይ ደረስ ፡ ፍርቁ ጽንጽዋይ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 27 Dec 2014 22:18:58 +0100

ታሪኽ ዘርአይ ደረስ ፡ ፍርቁ ጽንጽዋይ

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፊሕ ዝእመን ዘርኣይ ደረስ ኣብ ናይ ሮማ ክብረ በዓል ተቖጢዑ ንጸዓዱ ብጎራዴ ዝዘልዘለሉ ምኽንያት

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፊሕ ዝእመን ዘርኣይ ደረስ ኣብ ናይ ሮማ ክብረ በዓል ተቖጢዑ ንጸዓዱ ብጎራዴ ዝዘልዘለሉ ምኽንያት ቀጠልያ፡ ቢጫ፡ ቀይሕ ሕብሪ ዘለዋ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ክትርገጽ ስለዝረኣየ ኣይነበረን። ገና ካብ መበገሲ እቲ በዓል ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ኣይነበረትን። ብዛዕባ ባንዴራ ምርጋጻ ዘዘንቱ ጽንጽዋይ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ መምሃሪ መጽሓፍ ጥራሕ’ዩ። ነቲ መምሃሪ እናንበበ ዝዓበየ ወለዶ ናይ ዘርኣይ ደረስ ዝተጠምዘዘ ታሪኽ ወይ ብስሙ ዝተጻሕፈ ጽንጽዋይ ከም ሓቀኛ ታሪኽ ኣሚኑ ኢዩ ቀጺሉ።

መኮንን ተስፋይ (ትርጉም)፡

ኣብ መፋርቕ 2014 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ “ታሪኽን ጽንጽዋይን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣዳራሽ ECC (Eritrean Community Center) ምስ ኤርትራውያን ሓጺር ጻንሖት ጌረ ኔረ። ኣብቲ ሰሚናር ካብ ዝተፋለጥኩዎም ሰባት ሓንቲ ሶፍያ ተስፋማርያም ነበረት። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ዳግማይ ተራኺብና ከነዕልል እንከለና እግረ መንገድና ዘርኣይ ደረስ ናይ ቀረባ ዘመዳ ከም ዝኾነ ኣዕሊላትኒ ኔራ። ብልክዕ ብዘይ ኣፍልጦኦም ኣብ ላዕሊ ታሪኾም ጽንጽዋይ ካብ ዝተወሰኹዎም ናይ ኣፍሪቃ ፍሉጣት ሰባት ዘርኣይ ደረስ ሓደ እዩ ኔሩ።

ዘርኣይ ደረስ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራን ብጅግንነቱ ፍሉጥ’ዩ። ብስሙ ጎደናታት ተሰይሞ’ዮም። ብስሙ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን’የን። ኣብ ዘበነ ሃይለስላሴን ደርግን ናይ ዘርኣይ ደረስ ታሪኽ ኣብ መባእታ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከም መምሃሪ ሰነድ ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ’ዩ። ወያነ’ውን ብስም ዘርኣይ ደረስ ዝፍለጥ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ኣቑሙ’ዩ። እዚ ህቡብ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዓዲ ጣልያን ክቕተል እንከሎ ወዲ 21 ዓመት’ዩ ኔሩ። ምስ ሶፍያ ከነዕልል እንከለና ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ ከም ዝጽሕፍ ነጊረያ ኔረ። ግዜ እንተረኺበ ኣብ ዝቕጽል ብዝተመሓየሸ መልክዕ ክጽሕፎ ክፍትን’የ።

ናይ ዘርኣይ ደረስ ታሪኽ ተጣሚሙን ተዘናቢዑን ከም ዝተጻሕፈ ካብ ዝሕብሩ ጽሑፋት ሓደ ዘምህረት የውሃንስ “ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2010 ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ ምጥቃስ ይከኣል። ዘምህረት ኣብ መጽሓፉ ከምዚ ክብል ኣስፊሩ’ሎ፦

. . . ገዛእቲ ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራውያን ተቛዉሞታት ንኢትዮጵያዊ መንንነት ተባሂሉ ከም ዝተገብረ ቃልሲ ጌሮም ምቕራቦም ንናይ ምስፍሕፍሖም ዕላማ’ዩ ኔሩ። ናይ 1937 ናይ መጎስ ኣስገዶምን ኣብርሃም ደቦጭን ታሪኻዊ ፍጻሜ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዓመት እቲ ዘርኣይ ደረስ ዝፈጸሞ ጅግንነት፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ብተኸታታሊ ንናይ ፕሮፖጋንዳ ሃልኪ ኣውዒሎሞ’ዮም።

ኣብ 1937 ጣልያን ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግዝኣታ ዝተመስረተትሉ ቀዳማይ ዓመት ናይ ክብሪ በዓል ኣብ ከተማ ሮማ ከተብዕል እንከላ ዘርኣይ ደረስ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ኔሩ። መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝገዝእዎም ኣህዛብ ትዕቢትን ንዕቀትን ከንጸባርቑ ምስ ረኣየ ክጻወሮ ስለዘይከኣለ ውሑዳት ጣልያናውያን ብጉራዴ ጌሩ ቀቲሉ። ንገዛእ ርእሱ ከኣ ተወጊኡ ተታሒዙ። ኣብ ሓንቲ ደሴት ተኣሲሩ እንከሎ ከኣ ብሞት ተፈልየ።

ከም ሓደ ናይ ታሪኽ ጭብጢ ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ብወልደኣብ ወልደማርያም ዝተጻሕፈ ብቐዳምነት ዝስራዕ’ዩ ። ኣብ 1987 ኣቶ ወልደኣብ ኣብ ዝሃብዎ ቃለመሕትት “ኣብ ልዕሊ ኢጣልያውያን ዘለና ጽልኢ ንምግላጽ፡ ናይ ኤርትራ መንፈስን ጅግንነትን ከኣ ክብ ንምባል ኢለ እየ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ ዝጸሓፍኩ” ብምባል ገሊጾሞ’ዮም።

መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘርኣይ ደረስ ዝፈጸሞ ናይ ጀግነት ተግባር ንኢትዮጵያውነት ዓላማ ከም ዝተፈጸመ ብምውሳድ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀምሉ ፈቲኖም። ” (ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ገጽ 417-418)

ናይ ዘምህረት ትንታነ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝፍለጥ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ዝተፈልየ እዩ። ልክዕ’ዩ፡ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ከም ናይ ኣቡነ ተኽላሃይማኖትን ከም ቀዳማዊ ምንሊክን ታሪኽ ምህዞ ዝተሓወሶ ናይ ጽንጽዋይ ድርሰት ከም ዝኾነ ሓቂ’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፊሕ ዝእመን ዘርኣይ ደረስ ኣብ ናይ ሮማ ክብረ በዓል ተቖጢዑ ጸዓዱ ዝዘልዘለሉ ምኽንያት ቀጠልያ፡ ቢጫ፡ ቀይሕ ሕብሪ ዘለዋ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ክትርገጽ ስለዝረኣየ ኣይነበረን። ገና ካብ መበገሲ እቲ በዓል ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ኣይነበረትን። ኣብቲ ቦታ ብዛዕባ ዘይነበረት ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ምርጋጻ ዝተጻሕፈ ጭቡጥ መረዳእታ የለን። ብዛዕባ ባንዴራ ምርጋጻ ዘዘንቱ ጽንጽዋይ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ መምሃሪ መጽሓፍ ጥራሕ’ዩ። ነቲ መምሃሪ እናንበበ ዝዓበየ ወለዶ ናይ ዘርኣይ ደረስ ዝተጠምዘዘ ታሪኽ ወይ ብስሙ ዝተጻሕፈ ጽንጽዋይ ከም ሓቀኛ ታሪኽ ኣሚኑ ቀጺሉ። ኣብ ሎሚ ደው ኢልና ነቲ ግዜ ክንመዝኖ እንከለና ኣብ ውሽጢ ስምዒት ዘርኣይ ደረስ ብዛዕባ ኢትዮጵያነትን ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራን ክህሉ ዝኽእል ናይ ምግንዛብ ልቦና ኣይነበረን። ንመንነት ኢትዮጵያን ንኽብሪ ባንዴራ ኢትዮጵያ ተቓሊሶም ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ኣይነበሩን ማለተይ ግን ኣይኮነን። ኔሮም’ዮም። ሕጂ’ውን ኣለው። ካብ’ቶም ዝሞቱ ውሑዳት ሎሬንሶ ታእዛዝ፡ ቤተወደድ ኣስፋሃ፡ ንቡረዕድ ድሜጥሮስን ኮሎኔል ብሽኡን ምጥቃስ ይከኣል። ብህይወት ካብ ዘለው ከኣ ብውሑዱ በረኸት ስምኦንን ድምጻዊ ዓብዱ ኪያር ኣለው። ዘየለው ካብ ምድላይ ዘለው ምኽባር ቅድስና እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ዘርኣይ ደረስ ንባዕሉ ንኽብሩ ክብል ብዝፈጸመ ጀግንነት ከም ሰብ ከነኽብሮ ይግባእ እዩ። ጅግንነቱ ከም ኣብነት ምርኣዩ ‘ውን ቅድስና እዩ። ክፍለ ሰራዊት እንተተስምየሉ፡ ናይ ቆልዑ መምሃሪ እንተኾነ፡ ባንኪ ብስሙ፡ ጎደና ብስሙ እንተተጸውዐ ይግብኦ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ጸለምቲ ኣህዛብ ስሙ ክዝከር፡ ክኽበር ይግባእ’ዩ። ንናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ግን ኣይፈልጣን’ዩ። ስለዚ ነዛ ታሪኽ ካብ መንኩቡ ነውርደሉ። ብህይወት ንዘየለው ሰባት እሙናት ክንከውን ይግባኣና።

ካብ ንግሰተ ሰባን ሰለሙንን ዛንታ ጀሚሩ ኣብ ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ዝተሓዋወሱ ናይ ፈጠራ ጽንጽዋያት ኣሪኻ ንምውጻእ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ሙሉእ ግዜ ስራሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ከም ዛንታ ዘርኣይ ደረስ ብህዝቢ ዝተኣመኑ፡ ከም ታቦት ዝኽበሩ፡ ካብ ጽንጽዋይ ናብ ታሪኽ ባዕሎም ዝማዕበሉ “ታሪኻት” ምትንካፍ ማለት ዋጋ ከም ዝሓትት እፈልጥ’የ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ብምትንካፈይ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ዋጋ ከፊለሉ’የ። እቲ ጽቡቕ ነገር ቆርበተይ ረጉድ’ዩ። ስለዝኾነ ሎሚ’ውን ዘይትንከፍየ ዝትንክፍ ዘለኹ። ብመስረቱ ግን ዘይንትከፍ ታሪኽ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ኢትዮጵያዊ ነብሲ፡ ስጋን ዓጽምን እንተሊዩዎ ብገዛእ ርእሱ ደው ክብል ይኽእል’ዩ። ናይ ምህዞ ዛንታታት ኣይድልይዎን’ዮም። ናብ ሓቂ ዝተለወጡ ናይ ፈጠራ ታሪኻት ምትንካፍ ወይ ምቕንጣጥ ንህልውና ኢትዮጵያውነት ኣስጋኢ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።

ልክዕ’ዩ፡ ጽውጽውያት ካብ ሓቀኛ ታሪኽ ናይ ምፍላይ ስራሕ ቅድም ኢሉ ብሓደ ሓደ ምሁራት ታሪኽ ምፍታኑ ኣይተረፈን። ካብዞም ፈተነታት ዕዉት ስራሕ ዝሰርሐ ሓደ ታቦር ዋሚ ይመስለኒ። “ናይ ውገና ድርሰታትን ናይ ታሪኽ ሓቅታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ 2006 ዓ.ም. ዝተሓትመ 660 ገጽ ዝሓዘ መጽሓፍ ዘንበበ ሰብ “ጸሓፍቲ ታሪኽ” ክሳብ ክንደይ ከም ዝተጻወቱልና ብቐሊሉ ምስትውዓል ይከኣል’ዩ።

(ብ ተስፋየ ገብረኣብ ዝተጻሕፈ)

 
Received on Sat Dec 27 2014 - 16:19:00 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved