Raimoq.com: መትከል ርእሰ ምርኮሳ ስነሓሳባዊ እምነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 26 Dec 2014 23:33:02 +0100

መትከል ርእሰ ምርኮሳ ስነሓሳባዊ እምነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ብ ኣማኑኤል ወዲሸቃ

26.12.2014

ራኢይ ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ንሰላምን ቁጠባውን’ ዲሞክራስያዊ ዕብየት ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ኸኣ ንኣፍሪቃ ዝጠመተ እዩ ነይሩ። ህዝባዊ ግንባር በሊሕ መሪሕነት ካብ ተሞኩሮ ዝተማህረን ብተምኩሮ ዝተሳሕለን ሩሕቕ ዝጥምት ብመትከል ርእሰምርኮሳ ዝምራሕ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሕመረቱ ደሞክራሲ ዝኣምን ንኣፍሪቃ ካብቲ ዘላቶ ስቓይ ነብሰምትሓትን ቁጠባዊ ዱሩትንትን፡ ናብ ነብሰኻ ምእማን ስራሕን’ ብመትከል ርእሰምርኮስ ተመሪሒካ ኣብ ሕድሕድ ምትሕጋጋዝን’ ጸጋ ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃዉያን ኮይኑ ሓድሽን ስልጡንን ፍልጠት ዝዓጠቐ ሓድሽ ወሎዶ ወራስን ቀጻልን ናይዚ ሓድሽ ራእይን ኣተሓሳስብን ዝኸዉን ምምልማልን ዝብል ኣተሓሳስባ ህዝባዊ ግንባር ብቡዙሓት ሙሁራትን ሙኩራትን ተቓለስትን ኣፍሪቃውያን ዝተደገፍ ዓቢ ተስፋ ዉን ዝተነብሮ ስነሓሳብ ከይዕወት ወይ ክዳናጐ ዝገበረ ናይ ኢንፐርያሊዝም ስርዓተ ኣተሓሳስባን ስግኣትን ‘ዩ።

Eritrea-self-reliance470

ነብሰ ምርኮሳ ንወድሰብ ሙሉእ ዝገብር ልመናን ጽግዕተኝነትን ዝነጽግ ሽርክነትን ምትሕግግዝን ዝኣምን ንዕዮን ፍልጠትን ምሃዝነትን ዘሕይል ከምቲ ቁዱስ መጻሕፍቲ ዝብሎ ሰሪሕካ ብላዕ እንዳተሓጋገዝካ ንበር ዩ። መትከል ርእሰ ምርኮሳ ኸኣ እምነቱ ንሱ እዩ።ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኩሉ ታሪኹ ዝሰፈረ ወርቃዊ ተሞኩሮ ሰሪሑ ዝነብር ኣብ ነንሕድሕዱ ዝደጋገፍ ንልማኖን ጽግዕተኝነትን ከም ነዉሪ ዝወስድ፡ ሓያል ናይ ርእሰምርኮሳ ባህላዊ ስነሓሳብ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ወፍሪ ልምዓት መንግስትን ግንባርን ኤርትራ ኸኣ ነዚ ግብራዊ ንምግባር እዩ። ኣብ ኤርትራ ተራጋጊጹ ዘሎ ህንጸት ብፍላይ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ካብተን ናይ ማይ ጽገም ዘለወን ሃገራት ስለዝኾነት ንልምዓት ዘገልግል ንናይ መግቢ ሕቶ ዝምልስ ዘተኣማምን ካብ ባዕላዊ ዓቕሙ ዝብገስ ዓቢ ዓወት ተራጋጊጹ እዩ።ንወፍሪ ልምዓት ወፍሪ ባርነት ዝብሉ ነመትከል ርእሰምርኮሳ ዝጻረሩ ልመናን ጽግዕተኝነትን ዝኣምኑ ነብስኻ ምኽኣል ትምክሕትን ግትርነትን እዩ ዝብሉ ኣለዉ እዮም እዚ ኣርሒቑ ዘይጥምት ተንበርካኽን ለማንን ኣተሓሳስባ’ዚ ንዋንኡ ሕፍረት እኳ እንተኾነ ዋናታቱ ግን ካልኦት እዮም ።ገበትን ወረርትን፡ ኤርትራ ብ መትከል ርእሰምርኮሳ እንተ ተዓዊታ ንምልእቲ ኣፍሪቃ ይጸሉ እዩ ኢሎም ስለዝሓስቡ እዚ ኸኣ ኣንጻር’ቲ ወጢኖሞ ዘለዉ ስትራተጂንኣፍሪቃ ንምምዝማዝን ምዝማትን ስለዝኸዉን እዩ።

ህዝባዊ ግንባር ኣብገድሊ ኣብቃልሲ ኣብዝነበረሉ እዋን ራእዪ ነይርዎ እዩ ራእዩ ኸኣ ኤርትራ ሓራጌርካ ንምልእቲ ኣፍሪቃ ትምህርቲ ክኸዉን ዝኽእል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ቅሳነት ነጊሱ ኩለን ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት ብምዉህሃድ ሓደ ናይ ዕዳጋ ማእከል ክህልወን ተሓጋጊዝንን ተሻሪኸንን መትከል ርእሰምርኮሳ ተዓጢቐን ባዕላዊ ዓቕመን ኣማዕቢለን ወነንቲ ጸግኤን፡ ምስካልኦት ንሽርክነት ዝዕድም ዝምድናታት ብምግባር ገስጋሲ ነቕ ዘይብል ቁጠባዊ ሓይሊ ምስራሕን ምርግጋጽን ራእይ ህዝባዊ ግንባር እዩ ነይሩ።ብርግጽ ከኣ ኤርትራ ናጻ ኮይና ኢትዮጵያ ካብ ናይ መንግስቱ ባርባራዊ ስርዓት ተጋላጊላ ህዝባዊ ግንባር ከም ሕልሙ መጀመርያ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ርግኣትን ክራጋገጽ ስለዝነበሮ ንስለማን ርግኣትን እትዮጵያ ንምርግጋጽ መስውእቲ ከፊሉ እዩ። ምስ ግዝያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብትሕግጋዝ ከኣ ርግኣት ኣብታ ሃገር ፈጢሩ እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ቀርኒ ኣፍርቃ ዓቢ ንናይ ጸልማት መዋእል ተቀንጢጡ ብርሃን ዝኾልዔ ተስፋ ተራእዩ እዩ። ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት ተፈሪሞም ናይምብራቕ ኣፍሪቃ ማሕበር ኢጋድ ናይ ናይልምዓትን ምትሕግጋዝን ዉድብ ተቐይሩ ዘጋታት ብዘይፓስፖርት ክንቃሳቐሱ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተስፋ ብርሃን ተኾሊዑ ብፍላይ ከኣ ፕረሲደንት እሰያስ ኣፍወርቂ ንቐዳማይ ምኒስተር መለስ ንፕረሲደንት ሞሰፊኒ ን ፕረሲደንት ከጋመ ናይርዋንዳ ብምሓዝ ነዚ ጉዳይ’ዚ ግብራዊ ንምግባር ከቢድ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ። ኣብዓለም ኣርእስቲ ኮይኑ ተጸባይነትን ትኳቦን ዝነጽግ ሽርክነትን ምትሕግጋዝን ዘዕቢ ንሃገራት ማዕረ ዝገብር ሓይል ነብሰምትእምማን ዘጥሪ ኣተሓሳስባ ናይ ኣፍሪቃ ሙሁራት ዓቢ ኣቃልቦ ስለዝሃብዎ በዚ ብዙሕ ጺሒፎምን ተስፋ ኣፍሪቃ ክብሉ ጸዊዖሞን እዮም ንናይ ኤርትራ ናይርእሰምርኮሳ ስነሓሳብ ከኣ ራእይ ልምዓት ኣፍሪቃ ክብሉ ጺሒፎምሉን ተተስፍዮሙሉን እዮም።ኩቡራት ኣንበብቲ እዚ ተስፋዚ እዚ መንፈስ’ዚ ኣበይ ኣበለ ክትብሉ ግድን’ዩ።ንጽቡቕ ጸላእቲ ከምዘሎዉዎ ምርዳእ ግን የድሊ።

ዓብላልን ገባትን ኣተሓሳስባ ምዕራብ ብመሪሕነት ኤሜሪካ ንጸጋታት ኣፍሪቃ ከምትሕጃ ናቱ ወሲዱ ኣፍሪቃዉያን ግዳይ ናይ ልመናን ትኳቦን ጌሩ ስራሕ ገዲፍካ ተጸባይ ሓገዛት ምዕራብ ዓለም ክትሰረሕ ኣይድልየካን እዩ ክትምህዝ ኣይድልየካን ዩ ንሕና ድብላዕ ከነምጽኣልካ ኢና ብምባል ባህሊ ስራሕ ከዝጠፍእን ተጸባይነት ሰማይ ከምዝዓርግን ኣብ መጨረሻ ዝበልናካ ግበር እንተዘይጌርካ ኣይንተኾበልካን ኢና ክብሉ ብግልጺ ብኣፍሪቃ ክዋራዘዩ ተራእዮም እዮም። ተስዓን ሓደን ምስ ምሕራር ኤሪትራ ኣብ ኣፍሪቃ ካልእ ሓሳባት ምስተቐልቀለ ምዕራብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካ ሻቑሎት ስለ ዝኣተዎም ንምትሕግጋዝ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ብሓፈሻ ምትሕግጋዝ ማሕበር ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ሓደገኛ ጸረ ረብሓ ምዕራብን ኣሜሪካን ወስዶም ንኣፍሪቃ ሓዲሽ መግዛእቲ ሓንጺጾም ኣፍሪቃ ኣብ ኣርባዕተ ዞባ መቒሎም ናቶም መልሕቕ ወይ ኣንከር ክገብሩ እስትራተጂ ሓንጺጾም ምስተንቃሳቐሱ ብርግጽ ነዚ ኣዕናዉን ሓደገኛን እስትራተጂ ኣሜሪካ ኤርትራ ክትቃወሞ ግድን ነይሩ ሰላሳ ዓመት ተቓሊስና ሃገር ሰሪሕና ሓድሽን ሓደገኛን መግዛእቲ ክንቅበል ስለ ዘይንኽእል መንግስቲ ኤርትራ ተቓዉሞ ብምግባር ንጹግን ኩኑን ሓድሽ መግዛእትን እዩ ኢሉዎ። ኣብቲእዋንቲ ፕረዝደንት እሜርካ ክሊንተን ስለዝነበረ ፕረዚደንት እሰያስ ንክሊንተን ብግልጺ ገሊጹ እዩ።

ካብቲ ዘሕዝን ከኣ ኢትዮጵያ ማለት መለስ ዜናዊ ነቲ ኩሉ ዝነበረ ስምምዓት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ስምምዓት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩሉቲ ብጉሉጽን ብምስጢርን ዝነበረ ስምምዓት ከዲዑ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይቲ ሓድሽ መግዛእቲ መልሕቕ ሓላፊ ክኸዉን ምስ ኤሜሪካዉያን ተሳማሚዑ ከምብሓድሽ ኣፍሪቃ ኣብ መግዛእቲ ኣትያ ሎሚ ኣፍሮ ኮም ዝተባህለ ሰራዊት ኣሜሪካ ብጀካ ኤርትራ ትርከበን ዉሑዳትሀገራት ገዲፍካ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ተዓስኪሩ ኣሎ።መርበብ ስለያ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተሓላለኽ ስምምዓት ከምዝፈርሱ ንባጤራ ኤርትራ ኢትዮጵያ ከምትቃዎሞ ናይዶብ ጸገም ከምዝፍጠር ኣብ ወደባት ጸገም ከምዝፍጠር ንኣኽረርቲ ጸረ ሰላም ምትብባዕ ብኣንተኖለክ ዝምርሓ ሓደገኛ ናይዉግእ ምልዕዓል ኣካይዶም እዮም ዉግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋንኡ ኣሜሪካ እያ ዉግእ ወሊዕም ዓረቕቲ ክኾኑ ንኤርትራ ንምንብርካኽ ከቢድን ሓደገኛን ስራሕ ሰሪሖም እዮም ስጋብ ሕጂ ወናታት እቲ ጸገም ኣሜሪካ እዮም ንሰላም ሓንኪሮም ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ተታፋኒኑ ክንበር ዝገብር ሓሳባት ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ሓድሽ መግዛእቲ ኣሜሪካ ኣብ እፍሪቃ ንምትግባር’ዩ።

ከመቐጸላታ ናይዚ ነቲ ባዕሎም ዝነድፍዎን ዉሕሱነቱ ከመስኻኽርን ኣዉሓስትን ንዝተዋህበ ዉሳነ ከምዝኽበርን ኣብሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስላምን ቅሳነትን ክነግስ ዝገብሩ ዕላምኦም ሰላም ስለዘይኮነ ኩነታት ዝያዳ ከምዝበኣስን ጌሮም ንኤርትራ ጸቕጥን ሽበራን ናይ ሓስት ፈጠራን ሸርሕን እንዳመሃዙ ቁጠባ ኤርትራ ባይታ ክጥዕም መንእሰያት ሃገር ገዲፎም ክኸዱ ከቢድ ጉስጓስ ኣካይዶም ንመንእሰያትና ንህዝብና ንሓደጋ ክቃላዕ ጌሮም እዮም ።ኩሉ እዚ ነቲ ናይ ሓድሽ መግዛእቲ ስልቲ ንምሽፋን ‘ዩ ። ኤርትራን ህዝባን ግን ንቕሓቱ ኪኖ እዚ ተንከል’ዚ ስለዝኾነ ካብ ዕላምኡ ነቕ እይክብልን እዩ ኣብ መጨረሻ ኸኣ ዓወት ናይህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

መትከል ርእሰምርኮሳ ስነሓሳባዊ እምነት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

ሃገርና ኤርትራ ዋላዉን ከበቲ ብድሆታት ንህላዊኣ የጋጥማ እንበር ንኹሉ ጸገማት በዲሃ ወጺኣቶ’ያ ናታ ራእይን ኣተሓሳስባ ስለትዉንን ጽግዕተኝነት ዝነጸገ ናታ ናይርእሰምርኮሳ ቅያሰ ስለዘለዋን ናይ ብፖሎቲክኣ ዋና ባዕላ ስለዝኾነት ሓያል ራእይ ዘለዎ መሪሕነት ስለዘለዋን ጽኑዕን መካትን ህዝቢ ሰለትዉንን ኤርትራ ኣብ ዓለምና ናቱ ስነሓሳብ ናቱ መትከል ዝዉንን ህዝብን መንግስት ዘለዋ ሃገር ንስለዝኾነ ኤርትራ ካብተን ክብሪ ዘለወን ሃገራት እያ ።ስነሓሳባዉን ጭዉነትን መንነት መለለይ ዘለዎ ሃገርን ህዝብን ከም ወርቂ እንዳሓደረ እዩ ዝኹላዕ።

ኩቡራት ኤርትራዉያን ሕጂ ዉን ተጻብኦ ቀጻሊ ስለዘሎ መከቴና ኣሕይልና ስጋብ ፍጹም ዓወት ቃልስና ከነሕይል ኣሎና ሓድነትና ከነትርር መኸቴና ከነሕይል ዘጋዊ ሓላፍነትና እዩ ።

ሃገረይ እንታይ ክገብረላ እንበር ሃገረይ እንታይ ክትገብረለይ ከይበልና ምድረገነትና ኤርትራ ስለዝኾነት ከይተሓለለና ንስራሕ።

ሩሕስ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ኣማኑኤል ወዲሽቃ
ስዊደን 2014 12 21

Received on Fri Dec 26 2014 - 17:33:06 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved