ምክልኻል ዓቅሚ ኤርትራ ብሰብን ኣጽዋርን ኣዳኪምካ: ዓቅሚ ናይ ምክልኻልን ኣጽዋርን ወያነ ብምሕያል "ንኤርትራ ምንብርካኽ" ስዉር ዕላማ ኣመሪካ "video" ትዓዘቡ"ኣዳል ድምጺ ኤርትራወያን"..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 6 Dec 2014 14:59:50 +0000

ምምሕዳር ኣመሪካን ኩሎም ልኡካቱን ብፍላይ ድማ ስርዓት ወያነን ፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝውንኖ ፍሉይ ጸጋ ገና
ከንብብዎ ዘይምክኣሎም እዩ ።ንህዝቢ ኤርትራ ንምንብርካኽን ምድካምን ዝተፈላለየ ፍሕሶ ጥፍኣትና ፍሒሶም ፡ ብቀጻሊ
ክፈሽሉን ክጥፍሹን ንዕዘብ ዘለና ። እዚድማ`ዩ ውጥናቶም ኣብ ግጉይ ግምታት ከምዝምርከስ ኣፍና መሊእና ክንዛረብ
ዘክእለና ።ልዕሊ ሓጺን ዝምትራሩ ሃገራዊ ፍቅርን ሓድነትን ንዕኡ ዝፈጠረ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ትማሊ ሎሚ
ጽባሕ ኣብቲ ዘይንቅነቅ መትከሉ ጸኒዑ ይምርሽ ምህላዉ ደጊምና ከነረጋግጸልኩም ንደሊ ።
ሓይልን ብርትዐን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልስና ፡ትማልን ሎምን ሕጅን ጽባሕን ብቀንዱ ኣብ ህዝብናን ቅኑዕ
መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ንጹር ራኢን ዕላማን`ዩ ዝምርኮስ ። እዚ ኣብ ቅድሚ ከቢድ ግሁድን ስውርን
፡ ዞባውን ዓለማውን ተጻብኦታት ጸኒዕና ክንቀውም ካብ ዘክኣሉና ዝዓበዩ ጸጋ ድማ ሓያል ሃገራዊ ሓድነትናን ብልዑል
ሃገራዊ ፍቅሪ ዝልለ መሪሕ ውድብና ህዝባዊ ግንባርን ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራን እዩ ። ዝመጸ ይምጻእ ወራሪ ኣብ መንጎ ሓፋሽ
ሓራሪ ከምዝተባህለ፡ ሕጂውን ዝመጸ ይምጻእ ዝከበደ ይክበድ ተጻብኦን ሽርሕን እናሰገርና ፡ ኣብ እንደልዮን እንብህጎን
ዕላማ ክንበጽሕ ኢና.....
ዓቅሚ ናይ ምክልኻልን ኣጽዋርን ወያነ ብምሕያል "ንኤርትራ ምንብርካኽ" ስዉር ዕላማ ኣመሪካ "video"
ትዓዘቡ click LINK
https://adalvoice.wordpress.com/ <https://adalvoice.wordpress.com/>




ihp9WNrhs2bd12.png
(image/png attachment: ihp9WNrhs2bd12.png)

Received on Sat Dec 06 2014 - 10:00:11 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved