Bye and Bye The Spring Trees (Tigrigna Poem)

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 5 Dec 2014 05:17:51 -0500

 
"ድሓን ኩኑ ኣግራብ"

እዞም ኣግራብ ክነቅጹ
ይመስሉ ኣስከሬን
ብደዎም ዝሞቱ።
ይመስሉ መኾስተር
ምስ ብዙሕ ጨናፍር
ግን ንመን ከጽርዩ ኮታ
ንሃዋ ሰማይ’ዶ…..
ንመሬት ብምልእታ።

ሽበቶም ቀይሕ
ክረግፍ ንምድሪ
ተጎምቢሖም ዘየልዕሉ
ቅንጣብ ጸጉሪ።

ዘመርቲ ኣዕዋፍ
ኣበይ’ ለዋ
ራሕርሐንኦ ከይደን
ከይኑ ጽምዋ።

እንታይ ገበረ’ዚ ሻኻ
መጽለሊ መሕብኢ
እንስሳ በረኻ።

ብሑሱም ክረምቲ
ስኣን በዓቲ
ደጊም ወድእወን
ጨመጥቲ ሃደንቲ።

-ሃይለ
Received on Fri Dec 05 2014 - 05:17:52 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved