ECSS-Online.com: Flashback-Interview with President Isaias Afwerki ቃለ መጠይቕ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ-1ይን-2ይን-3ይን-4ይን ክፋላት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu Dec 4 15:10:27 2014

Interview with President Isaias Afwerki ቃለ መጠይቕ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ-1ይን-2ይን-3ይን-4ይን ክፋላት

04.12.2014

ቀዳማይ ክፋል

መርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤተ መንግስቲ ዋና ኸተማ ኣስመራ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኽልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝቐጸለ ዓሚቚን ነዊሕን ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። ነዚ ብኣጋጣሚ ምድላዋት መበል 20 ዓመት ዝኽሪ በዓል ናጽነት፡ ዓወታትን ብድሆታትን ሃገረ ኤርትራ ብዝምልከት ዝቐረበሉ ሕቶታትን ዝሃቦ መልስን ገምጋምን ዓሚቚን ኣገዳስን ሓበሬታትን ትንታነታትን ዝሓዘ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ተመኵሮ ሽዱሽተኣን ዞባታት ኤርትራን ምዕባለአንን፡ ኣብቲ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝምርኰስ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ዘሎንና መረዳእታ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ከምኡ’ውን ኤርትራዊ መንእሰይ ጽቡቕ ወራሲ ካብ ጽቡቕ ኣውራሲ ምእንቲ ክኸውን፡ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ምህናጽ ኣፍራዪ መንእሰይ ንእተጻወቶ ዘላ ኣዎንታዊ ተራ ዘርዚሩ። ብተወሳኺ ነቲ ብቝጽሪ 1907 ዝፍለጥ ብኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ዓማጽን ፍትሒ ዝረገጸን ውሳነ ዓሚቝ ነቐፌታዊ ትንታነ ሂቡሉ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት 24 ግንቦት 2011 ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጽነቱ ዝጨበጠሉ መበል 20 ዓመት ከኽብር እዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር ዝነበሩ ቐንዲ ብድሆታትን ዓወታትን እንታይ ነይሮም?

መልሲ፡- ብዛዕባ ዘጋጠመ ብድሆታትን ዝተጨበጠ ዓወታትን ምሉእ መልሲ ንምሃብ ካብ ሰለስተ ክሳዕ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝሓትት እዩ። ቀንዲ ብድሆ ኣብ ቅርጺ’ዩ ነይሩ። ኣነ ዅሉ ግዜ ብዛዕባ ቅርጺ’የ ዝዛረብ። ምናልባት ምስ’ቲ ንሕና እንዛረበሉ ክውንነት ዝሳነ ቕኑዕ ስነ-ቃል ኣብ ምምራጽ ዕዉት ከይከውን እኽእል እየ። ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘንጸፍናዮ ፖለቲካዊ ህንጸት ናይ ኵሉ መሰረት እዩ። እንተኾነ ኣብ ግብሪ ከምቲ ዝድለ ኣይተተርጐመን።

መስርሕ ህንጸት ሃገር ክልተ ገጽ ዘለዎ ኮይኑ ምናልባት ብቛንቋ ኮምፑተር ሶፍት ዌርን ሃርድ ዌርን ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። መጀምርታ ክንብገስ ከለና ሃገር ፍጹም ዓንያ’ያ ነይራ። ምህናጽ ሃገር ትሕተ ቕርጺ ማለት ጽርግያ፡ ወደባት፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መራኸቢታት፡ ኤሌክትሪክን ዝስተ ጽሩይ ማይን ወዘተ … የድሊ። እዚ ዅሉ ግን ኣይነበረን። ስለዚ ኸኣ ካብ ትሕቲ ባዶ ኢና ጀሚርና ክንብል ንኽእል። ኵሉ መለክዒታት ዘማለአት ሃገር ንምህናጽ ድማ ትሕዝቶ ክህሉ ይግባእ። ንሕና ናይ ምግባር ድሌትን ሓይሊ ህዝብን ጥራይ’ዩ ዘሎንና። ስለዚ ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገር እቲ ሃርድ ዌር ዝበሃል ንዓና እቲ ዝዓበየ ብድሆ እዩ ነይሩ። እቲ ሶፍት ዌር ዝበሃል ከም ስነ-ኣእምራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ምድላዋት ግን ኣሎንና ጥራይ ዘይኮነ፡ በዚ መዳይ እኹል ትሕጃ ንውንን ኢና። ምስቲ ዅሉ ዘሎንና ፋይናንስያዊ ሕጽረት፡ ብሳላ’ቲ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘጥረናዮ ተመኵሮታት፡ በዚ እንውንኖ ሰብኣዊ ዓቕሚ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጽ ን ህንጸት ሃገርን ነዚ ክሳዕ ሕጂ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ዓወታት ከነረጋግጽ ክኢልና ኣለና። ዘጋጠመና ብድሆታት ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዘረጋገጽናዮ ዓወታት ክነጻጸር ከሎ ሽሕ’ኳ ግድን ክንሰግሮ ዝግብኣና ጕዳይ እንተኾነ ብዙሕ ዘሻቅል ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ ከኣ፡ ዓወታት ዝልክዓሉ መዐቀኒታት እንታይ’ዩ? ዝብል እዩ። ዓወታት ብስምዒት ዝልካዕ ድዩ? ከም ዝመስለካ ፍርዲ ዝወሃበሉ ድዩ? ብዝመጸልካ ከምዚ ገይረ ከምዚ ሰሪሐ እናበልካ ዲኻ ትዛረብ? ብዙሕ መዐቀኒታት ኣሎ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ምስ ዝማዕበላ ምህናጽ ትካላትን፡ ስርዓትን ትሕተ ቅርጽን ብዙሕ ብድሆታት ዝሰገራ ሃገራት ምርኣይ’ውን ይከኣል እዩ። በቲ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዘረጋገጽናዮ ፍርያት ክንም ካሕ ኣይግባእን እብል። ምኽንያቱ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዘረጋገጽናዮ ምስ ባህግታት ናይዚ ኣብ ምህናጽ ሃገር ክቡር ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክዳረግ ስለ ዘይክእል። ይኹን እምበር ብመዐቀኒታት ኣፍሪቃ፡ እስያን፡ ማእከላይ ምብራቕን፡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመዐቀኒታት ኤውሮጳ እንተ ኣመዛዘንናዮ ብምቕሉል ዓቕምታትን ሓያል ድሌትን ብዙሕ ስለ ዝዓመምና ብቐሊሉ ዝረኣ ኣይኮነን። እንተኾነ ብኤርትራዊ መዐቐኒ እንተ ረኣናዮ፡ ካብ ባህጊ ህዝብና ክንደይ ሚእታዊት ኢና ኣሳሊጥና? ሓደ ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። ምናልባት ካብ ባህግታትና ሓደ ሚእታዊት ጥራይ’ና ዓሚምና ዘሎና ክብል ከለኹ የገርም ይኸውን። ምስ ካልእ ከባቢታት ክነጻጸር ከሎ ግን ኣዝዩ ዓቢ ዓወት እዩ። ፍልልያት ኣሎ፡ ሰባት ድማ ብኸምቲ ዝደልይዎ ክርድእዎ ይኽእሉ እዮም። ኣነ ግን ብድሆታትን ዓወትን ብኸምዚ ዝጠቐስክዎ መልክዕ እየ ዝርድኦ። ……………….

ኣብ‘ዚ ታሕቲ ዘሎ ስቱር ሕጥበ-ጽሑፍ (PDF) ጠዊቕኩም ዝርዝራቱ ኣንብቡ፣

ብርሃነ ሃብተማርያም

 




Received on Thu Dec 04 2014 - 15:10:27 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved