ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥ’ሲ ኣይሃዳናይን "ጉድ ረድዮ ወጋሕታ" ካብ ዉድብና ዴምህትን ዉፁዕ ህዝብናን ዝሕባእ ነገር የለን...."ኣዳል ድምጺ ኤርትራወያን"

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 2 Dec 2014 13:13:03 +0000

ሳላ’ቲ ዘይሕለልን ዘይፅዓድን ሓያል መሪሕነት ዴምህትን ተጋደልትን፣ ዝምድናታት እዚ ሓው ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን
እናተኾልዐን እናደልደለን ክኸይድ ፀኒሑን ኣሎን፣፣ አቶም ብዘይካ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ጎሮባብቱን፣ ኣብ ፅልእን ቅርሕንትን
ሸሚሞም፣ ዕድመ ስልጣኖም ከናዉሑ ዝፅዕሩ ጠላማት መራሕቲ ወያነ፣ በዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ተፈትጢሩ ዘሎ ሓያል
ሕዉነታዊ ዝምድና፣ ክሰግኡ ግድን ስለዝኾነ፣ ብመንፅሩ ድማ ዕንቅፋታት ክፈጥሩ ዘይንፅበዮ ነገር ኣይኮነን፣፣
ደላይ ሰላም ዝኮነ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ግን፣ ናይ ጠላማት መራሕቲ ወያነ ሰይጣናዊ ስራሕ፣ ብኣጋ ስለዝነቅሓሉ፣ ነቲ
ኩሉ መሰረት ዘይብሉ ሓሶታቶም፣ ክኣምኖም ይትረፍ፣ ንክሰምዖ’ዉን ወርቃዊ ጊዚኡ ዘጥፋኣሉ ኣይኮነን፣፣

ስለዝኾነ ድማ ጠላማት መራሕቲ ወያነ፣ ዝበሉ እንተበሉ ህዝቢ ከምዘይ ኣምኖም ስለዝተሶቆሮም፣ ዝኣረገን ርካሽ ዝኾነ ስልቲ
ተጠቂሞም፣ ከም ንናይ መንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ኤርትራዉያን ተመሲሎም፣ ኣብ መንጎ እዚ ሓው ዝኾነ ህዝቢታት ፅልኢ
ንምፍጣር፣ ብፍላይ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ዉድብና ዴምህትን መራሕትናን፣ ዝቐንዐ፣ ቀፃሊ ናይ ጠቐነን ፀለመን ዘመተ፣ በታ
“ሬድዮ ወጋሕታ” ኢሎም ዝሰምይዋ፣ ናይ ሓሶት መናፍሕ ካብ ዘጋዉሑ፣ ድሮ ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ፣፣

“ኣናፍራ ቆቃሕ ዘይፈልጥ’ሲ ኣይሃዳናይን” ከምዝብሃል፣ እቲ ባዕልና ዘዕበናዮ ቆልዓ፤ ዉሽጣ ዉሽጡ ኣፀቢቅና
ስለአንፈልጦ፣ ንዓና ብዙሕ ዝገርመና ኣይኮነን፣፣

ብተወሳኺ’ዉን፣ ካብ ዉድብና ዴምህትን ዉፁዕ ህዝብናን ዝሕባእ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ ንዝያዳ መብራህርሂ ግን፣ ናይ
ረድዮ ወጋሕታ ኣባላት ዝርዝር ስምን መበቆል ዓዲን ንምቕራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና፣፣

1. ኣበራ ተስፋይ ናይ ህወሓት ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ዋና ኣካያዲ ሬድዮ ወጋሕታ፤ መበቆል ዓዱ ትግራይ ማእኸላይ ዞባ
ከተማ ዓድዋ......
ንምሉእ ንባብ - ኣብዚ Links ጠዉቑ
https://adalvoice.wordpress.com/





jpg3.png
(image/png attachment: jpg3.png)

Received on Tue Dec 02 2014 - 08:13:09 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved