ኣባላት ሃገዊ ኣገልግሎት ሱታፌኦም ኣብ ህንጸትን ምክልኻል ሃገርን መዘና ኣልቦ ክብሪ ደኣምበር ጊላነት ኣይኮነን “ክቡር ኣምባስዳር እስቲፋኖስ”ኣዳል ድምጺ ኤርትራወያን..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 1 Dec 2014 17:40:48 +0000

ሃገራዊት ሽማግለ ዓባይ ብርጣንያ ኣኼብኣ ኣቃኒዓ፡ኣብቲ ብ ሰምበት 30 ሕዳር 2014 ኣብ ከተማ ለንደን ዝተቓንዓ ኣኼባ
: ካብ ከተማታት ሸፌልድ, ሊድስ, ኮቨንትሪ,በርሚንግሃም, ማንችስተር, ለስተር, ኒውካስተል, ናቲንግሃም, ከምኡወን ካብ
ኣርባዕተ ዞባታት ከተማ ለንደን ዝመጹ ኣቦ ወምበራት ማሕበረኮማትን, መንእሰያትን,መንእሰያት ህግደፍ, ሃ.ማ.ደ.ኤን ኣብ
ዝተረኽብሉ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ: ኣቦወንበር ሃገራዊት ሽማግለ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ማሕሙድ ንዕላማን ኣገዳስነትን እቲ
ኣኼባ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ ክቡር ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፎናስ
ሃብተማርያም ኣብ ዘስምዖ ቃል ንህሉው ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጉዳያት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ
ሂቡ።

መንእሰያት ኤርትራ ኣባላት ሃገዊ ኣገልግሎት ሱታፌኦም ኣብ ህንጸትን ምክልኻል ሃገርን መዘና ኣልቦ ክብሪ ደኣምበር
ጊላነት ኣይኮነን ብምባል ኩቡር ኣምባሳደር: መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብርዱእ ምኽንያት ተናዊሑ ዝጸንሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት
ናብቲ ኑቡር ኽምለስ ምዃኑ ገሊጹ።

ብፍላይ ኣምባሳደር እስቲፎናስ ብጸላእትን መጋበርያታቶምን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ መዓልታዊ ጸለመ ማእለያ
ከምዘይቡሉን ፈጸምቱን ኣሰሰይቱን ናይ ግዜ ሕቶ እምበር ካብ ታሓታትነት ከምልጡ ከምዘይኮኑ ኣስሚሩሉ: ብዛዕባ መሰል ድቂ
ሰባት ብፍልይቲ መርማሪት ሕቡራት ሃገራት ሸይላ ኪቲሩት፡ ናብ ቤት መኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ መስትያት
ናይ`ቲ ብኣመሪካ ክህንደስን፡ ብኢትዮጵያ ላዕልን ታሕትን ክበሃለሉ ዝጸንሐ፡ መቐጸልታ ናይቲ “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝካየድ
ፖሊቲካዊ ተዋስኦ `ዩ” ኢሉ.......ንምሉእ ንባብ - ኣብዚ Links ጠዉቑ
https://adalvoice.wordpress.com/




jpg.png
(image/png attachment: jpg.png)

Received on Mon Dec 01 2014 - 12:40:54 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved